ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ኒፕሲ ሃስል ኣብ 'ሆሊዉድ ዎክ ኦፍ ፈይም' ኮኾብ ተሸሊሙ

Published

ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ነፍሰሄር ኒፕሲ ሃስል፡ ንዝገበሮ ስነጥበባዊ ኣበርክቶ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ኣብ 'ሆሊዉድ ዎክ ኦፍ ፌም' ኮኾብ ተሸሊሙ።

ኣብቲ ኣብ መበል 37 ዓመት መዓልቲ ልደቱ፡ ኣብ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ዝተፈጸመ ስነስርዓት ቤተሰቡ ዝርከብዎም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ደገፍቱን ፈተውቱን ተረኺቦም ምንባሮም ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ጸብጺበን።

እቲ ካብ ኤርትራዊ ኣቦ ዝውለድ ራፐር ኤርሚያስ ኣስገዶም (ኒፕሰይ ሃስል) ኣብ መወዳእታ መጋቢት'ዩ ብዝተተኮሶ ጠያይቲ ኣብ መበል 33 ዓመቱ ኣብ ከባቢ'ቲ ባዕሉ ዝውንኖ ዝነበረ ንግዳዊ ትካል መሸጣ ክዳውንቲ ተቐቲሉ።

ኒፕሲ፡ ኣብ 2020 ክልተ ናይ ድሕሪ ሞት ዝወሃብ ሽልማት ግራሚ ተዓዊቱ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ 2019 ድማ ብሉጽ ስነጥበባዊ ሂፕ ሆፕን ሽልማት ሰብኣውነትን ተሸሊሙ ነይሩ'ዩ።

'ሆሊዉድ ዎክ ኦፍ ፈይም' ኣብ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ (ግዝኣት ካሊፎርንያ)፡ ኣብ ከባቢ'ቲ መደበር ኢንዱስትሪ ፊልም ኣመሪካ ዝኾነ ሆሊዉድ ኣብ ዘሎ ጎደና ዝርከብ ኮይኑ፡ ንኽብሪ ፍሉጣት ተዋሳእቲን ስነጥበባውያንን ፍሉይ ቀዋሚ ኮኾብ ዝንጸፈሉ'ዩ።

ኣብቲ 'ሆሊዉድ ቡሉቫርድ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ መስሕብ በጻሕቲ ዝኾነ ጎደና ኣብ ዘሎ መንገዲ ኣጋር፡ ኣብ ናይ እምነበረድ ማቶነላ ዝተነጽፉ፡ ብኣስራዚ (ብራስ) ዝተወቀጠ ፍሉይ ምልክትን ስምን ዝተጻሕፎም ልዕሊ ልዕሊ 27000 ኮዋኽብቲ ይርከቡ።

ኮኾብ ኤርሚያስ ኣስገዶም'ውን ትማሊ ሰኑይ ሓደ ካብኦም ኮይኑ ንዝኽሩ ተወቂጡ'ሎ።

ብቕትለቱ ዝተኸሰ ወዲ 29 ዓመት ኤሪክ ሆልደር ኣብ ውሽጡ ሒደት መዓልታት ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዉ፡ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሓምለ ናይዚ ዓመት ገበነኛ ኮይኑ ከምዝተረኽበ ይፍለጥ።

እቲ ገበነኛ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብዙሓት እሱራት ውልቀ-ሰባት ከም ዝቐጥቀጡዎን ኣብ ከባቢ ርእሱ ብመላጸ ከም ዝጠብሑዎን ኣብ ሕክምና ቁስሉ ከምእተሰፍየን ጠበቓታቱ ሓቢሮም ነይሮም።

ኣብቲ እዋን ኣብ ስልጣን ዝነበረ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ዝርከቦም ፍሉጣት ስነጥበበኛታት ዓለም፡ ሰበስልጣን መንግስትን፡ ኣደነቕቱን ብሞት እቲ ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ዝተቐትለ ብኒፕሰይ ሃስል ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ኤርሚያስ ኣስገዶም ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር።

ኣብ ሚያዝያ 2018 ናብ ኤርትራ በጺሑ ዝነበረ ኒፕሲ፡ ምስ ኤርትራውያን ቤተሰቡን መራሒ'ታ ሃገር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ተራኺቡ ነይሩ።

'ቪክትሪ' ዝብል ኣልበም ኒፕሰይ ሃስል፡ ኣብ 2019 ኣብ ምድብ ብሉጽ ኣልበም ቅዲ ሙዚቃ 'ራፕ'፡ ሕጹይ ሽልማት ግራሚ ኮይኑ ቐሪቡ ዝነበረን ኣብ ንእስነቱ ዝተቐዝፈ ህቡብ ስነጥበባዊ'ዩ ነይሩ ።