'ሃገር ከይትብተን እየ ዝሰግእ' - ጃዋር መሓመድ

Published
ንባብ: 5 ደቓይቕ

ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ጸለውቲ ካብ መንጐ ዝዀኑ ፖለቲከኛታት ሓደ ዝዀነ ጃዋር መሓመድ፡ ንዓመታት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝካየዱ ዝነበሩ ተቓውሞታትን ምንቅስቓሳእትን ከተሓባብርን ክመርሕን ጸኒሑ።

ንሱ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ክመጽእ ዝገበረ ህዝባዊ ናዕቢ ብምምራሕ'ውን ስሙ ይለዓል።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ግን ሓደ ካብ ነቐፍቱ ኰይኑ።

ድሕሪ ቅትለት ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ዝተላዕለ ዕግርግር ዝተቐትለ ፖሊስ ስዒቡ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ክሲ ተመስሪቱ ንሓደ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ከም ዝተኣስረ ይዝከር።

ኣመራርሓ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግሰረስ ዝዀነ ጃዋር፡ ካብ ትውልዱ ኣትሒዙ ክሳብ ፖለቲካዊ ህይወቱ ዘሎ ጕዕዞ ዘዘንቱ መጽሓፍ 'ኣልጸጸትም' [ኣይጠዓስን] ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ከመርቅ እዩ።

ጃዋር ኣብ ሃገራዊ ጕዳያት፡ ኣብ መጻኢ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝህልዎ ተሳትፎን ካልኦትን ምስ ቢቢሲ ቃለ መጠይቕ ገይሩ ኣሎ።

ቢቢሲ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ብግብርን ዘረባን ብዙሓት ነገራት ተራእዮም ነይሮም። እንተዀነ፡ ኣብ ትግራይ ኲናት ተላዒሉ፤ ሕጂ ድማ ኣብ ኦሮሚያን ኣምሓራን ዝካየዱ ጐንጺታት ይቕጽሉ ኣለው። ጥምየት፡ ምምዝባል ከምኡ'ውን ዝቕባበ ዋጋ እታ ሃገር እትግለጸሎም ኵነታት ኰይኖም ኣለው። ከመይ ኢላ'ያ ኢትዮጵያ ኣብዚ ወዲቓ?

ጃዋር፡ ኣብዪ ካብ መጀመርታኡ ኣትሒዙ'ውን መስመር ዝብሃል ኣይነበሮን። [መጀመርታ] ምስ ህወሓት ንደራደር ነይርና- ንሳቶም ካብ ስልጣን ንክለቁ። ኣብ ስምምዕ ምስ ተበጽሐ፡ ካብ ስልጣን ምስ ወረዱ መን ይምጻእ? ዝብል ነገር ክለዓል እንከሎ፡ ሽም ኣብዪ መጺኡ። ኣዘራሪበዮ ነይረ- ሽዑ ንዓይ ኵሉ ነገራት ግልጺ ነይሩ።

ኢትዮጵያ፡ ካብ ምሕደራ ሓደ ስርዓት ወጺኣ ናብ ብዙሓት ሰልፊታት ዘሳትፍ ስርዓት ክትሰጋገር ይግባእ ነይሩ። እዚ ጥራይ'ዩ ካብ ጐንጺ ከውጽኣና ዝኽእል።

ገና ስልጣን እንከይሓዘ ስሙ'ውን ከይተፈልጠ እንከሎ ግን ምስኡ ኣብ ዝነበረኒ ዝርርብ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ክሃንጽ ድልየት ከም ዘይብሉ ግልጺ ኰይኑለይ። ምልካዊ ስርዓትን ካብ ሓደ ሰልፊ ናብ ውልቂ ናይ ምስግጋር ሕልሚ ከም ዘለዎን ግልጺ ነይሩ። ንዕኡ'የ ተቓዊመዮ።

ኣብቲ እዋን ግን፡ ሰብ ነቲ ዝመጽአ ለውጢ ይርኢ ስለ ዝነበረ ህወሓት እንተጠፊኡስ ዝመጽአ ይምጻእ ኣብ ዝብል ስምዒት ስለ ዝነበረ፡ ኣነ ተዛሪበ ከእምኖ ኣይክኣልኵን። መጀመርታ ንኦህዴድ፡ ድሓር ክኣ ንህዝቢ ከእምን ኣይክኣልኵን። ኣብ መወዳእታ ናብ መረጻ ክእቶ እንከሎ፡ ተነሓናሕቲ ክዀኑ ይክእሉ'ዮም ተባሂሎም ዝግመቱ ሓይልታት ናብ ምጥቃዕ ኣትዩ።

ሽዑ'ዩ ሰብ ዝነቕሐ እምበር ካብ መጀመርታኡ ኣብዪ ንኢትዮጵያ ናብ ዴሞክራሱ ከሰጋግራ ድልየት ኣይነበሮን።

ቢቢሲ፡ ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ዝካየዱ ጐንጽታት ይቕጽሉ ኣለው። ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት'ውን ብስምምዕ ፕሪቶሪያ'ኳ ደው እንተበለ መሊኡ ኣይተተግበረን ዘሎ። ሕጂ ናብ ዴሞክራሲ ናይ ምምላስ፡ ኢትዮጵያ መስመር እትሕዘሉ ዕድል ኣሎ'ዩ ኢልካ ትኣምን'ዶ?

ጃዋር፡ ጸቢብ ዕድል'ዩ ዘሎ። ግን ሕጂ በዓል ኣብዪ ብዝሓዙዎ መገድን ትምክሕትን ናብ ቅኑዕ መስመር ምምላስ ዝክኣል ኣይመስለንን- ምኽንያቱ ንኢትዮጵያ ኣይርድኡዋን። ንምርዳእ'ውን ድልየት የብሎምን። ኣብ ኢትዮጵያ ሓደ ናይ ብልጽግና ደሴት ተፈጢሩ'ዩ። ኣብዪን ኣብ ዙርያኡ ዘለው ሰባትን ዝዕንድርሉ፡ ካብ ካልእ ህዝቢ ዝተነጸለሉን ኣነባብራ እቲ ህዝቢ ዘይርድኡን'ዮም።

ብዛዕባ ቁጠባ ክትዛረብ እንከለኻ፡ እቲ ቁጠባ እኮ ዓብዪ'ዩ ይብሉኻ . . . ኣብ ኵሉ ገዛ ጸባን መዓርን ዝርከቦ'ዮም ዘምስሉዎ። ብዛዕባ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ኲናት እንተውጋዕኻ፡ ንሶም ተኸፋፊሎም'ዮም፡ ይጠፍኡ'ዮም ዘለው። ኣብ ኦሮሚያ ጸገም የለን። ትግራይ ባዕሎም ይፈልጡ . . . ይኣምኑዎ እዮም ከኣ [ነቲ ቀዳማይ ሚኒስትር]። ናይ ባዕሎም ሓሶት ዝኣምኑ ሰባት'ዮም።

እዚኦም ብዝሓዙዎ መገዲ፡ ናብ ቅኑዕ መስመር ክትምለስ ኣይትኽልእን። ስቅ ኢልና ዲና ክንርኢ? ብፍጹም፤ ህዝብናን ሃገርናን'ዩ፤ ዝደኸምናሉ፡ ዕድሜና ዘጥፋእናሉ'ዩ። 'We are not going let them take us down' [ብልጽግና ሒዙና ክጠፍእ ኣይክነፍቅደሉን]።

ቢቢሲ፡ ቅድሚ ምእሳርካ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ተሪር ነቐፌታ ተቕርብ ነይርካ፤ ኣብቲ ፖለቲካ እውን ርሱን ተሳትፎ ነይሩካ። ድሕሪኡ ግን ናይ ሽምግልና እጃም ክትጻወት ኢና ንርእየካ። ቤት ማእሰርቲ ቀይሩካ ድዩ?

ጃዋር፡ ክእሰር እንከለዅን ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጻእዅ ዝረኸብኵዋ ኢትዮጵያን ኣዝየን ዝተፈላለያ'የን። ክእሰር እንከለዅ፡ ተኣኪቡ ዝነበረ ደመና ኲናትን ጸገምን ካብ ቤት ማእሰርቲ እንትወጽእ ፎቘድኡ ተዘርጊሑ ነይሩ። ስለዚ፡ ከም ሓደ ጸላዊ ሰብ እንታይ ክገብር ኣለኒ ኢለ ሓሲበ። ናብ ኣክቲቪዝምን ነቐፌታን እንተተመሊሰ ናብ ሓዊ ነዳዲ ምውሳኽ ኰይኑ ተሰሚዑኒ።

ስለዚ ነዚ ንጐድኒ ገዲፈ ኣብ ምምኻር፡ እቲ ዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብ ንክተሓባበር ኣብ ምግባር ከተኵር መሪጸ። ኣብቲ እዋን ህዝቢ ብዝተፈላለዩ ሸነኻት ዝካየዱ ዝነበሩ ኲናታት ኣብ ምድጋፍ ተኸፋፊሉ ስለ ዝነበረ፡ እዚ ናይ ኲናት ዕዳጋ ንክጸብብን ዕዳጋ ሰላም ንክሰፍሕን፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ይዅን ብረት ዝሓዙ ዕጡቓት ጸቕጢ ብምግባር ናብ ሰላም ንክመጽኡ እየ ክሰርሕ ጸኒሐ።

በዚ መዳይ ብዙሕ ጽዒረ፤ ግን ኵሉ ናብ ሰላም ክመጽእ ድልየት ከም ዘይብሉ እየ ክዕዘብ ክኢለ።

ቢቢሲ፡ ስለዚ ናብ ንጡፍ ፖለቲካዊ ተሳትፎኻ ክትምለስ ዲኻ? ኣብ ቀጻሊ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየድ መረጻ እንታይ ዓይነት እጃም'ዩ ክህልወካ?

ጃዋር፡ ንጡፍ እጃም ክህልወኒ'ዩ፤ [ናይ ብልጽግና ሰባት] ኣብ ሓደገኛ መስመስ ስለ ዝኣተው'የ ክጽሕፍን ክዛረብን ጀሚረ ዘለዅ። ኣብ ህልም ዝበለ ድንቁርናን ትዕቢትን'ዮም ዘለው። ጽጋብ እዝኖምን ኣእምሮኦምን ዓቢሱዎ ይርከብ።

እዚ ክኣ ንዕኦም ኰነ ነታ ሃገር ዓብዪ ሓደጋ'ዩ። ስለዚ ኣነ ክንዘራረብ እየ ዝደሊ፤ ንዓናን ንትግራይን ኣብ ዝሃርሙሉ ግዜ ነቲ ናይ ኣምሓራ 'ካምፕ' ተጠቒሞም፤ ሕጂ ድማ ምስ ኣምሓራ ክጓነጹ እንከለው ናብ ኦሮሞ ተሸጒጦም፡ ብሽም ኦሮሞ ንኣምሓራ ክሃርሙ ይደልዩ ኣለው።

እዚ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ እዩ ዘእትዋ። ንዅላትና እትኸውን ኢትዮጵያ ክንሃንጽ ይግባእ።

ቢቢሲ፡ ስለዚ ኣብቲ ኣብ መጻኢ ዝካየድ መረጻ ክትሳተፍ ዲኻ?

ጃዋር፡ ኣብ ኢትዮጵያ መረጻ ሕንቃቐ እዩ፤ መረጻ መንግስቲ ዝቈጻፈሮ ከባቢ ክህሉ እንከሎ'ዩ ዝካየድ። ሕጂ መንግስቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንከተማ ባህርዳርን ሒደት ከባቢታትን ጥራይ እዩ ዝቘጻጸር። ኣብ ኦሮሚያ'ውን ካብ ሒደት ከተማታት ወጻእ ዝበዝሕ ዓመጽቲ ዝዕንድርሉ'ዩ ኰይኑ።

ኢትዮጵያ ካብ ዘለውዋ 547 መናብር ፓርላማ ብውሑድ ኣብ 2/3 መረጻ እንተዘይተኻይዱ ቅቡልነት ኣይህልዎን። ስለዚ ሕጂ ብዛዕባ መረጻ ክውጋዕ የብሉን።

መጀመርያ ሃገርና ናብ ሰላም ክትምለስ ክንገብር ኣለና። ተዛማዲ ሰላም ምስ መጽአ ብዛዕባ መረጻ ከነውግዕ ንኽእል። ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ጸቕጢ ብምግባር ናብ ናይ ሰላም ዝርርብ ምምጻእ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግባእ ጕዳይ'ዩ።

ቢቢሲ፡ መንግስቲ ብተደጋጋሚ ምስ ዕጡቓት ሓይልታት ንምዝርራብ ድልዊ ከም ዝዀነ እዩ ዝገልጽ። እቶም ዕጡቓት'ውን ድልውነት ከም ዘለዎም ዝገለጹሎም ኣጋጣሚታት ኣለው። ግን ክሳብ ሕጂ ሰላም ኣይተረኽበን። እንታይ'ዩ እቲ ጸገም?

ጃዋር፡ መንግስቲ ናይ ችርቻሮ ሰላም'ዩ ዝደሊ፤ ንዓመጽቲ ብገንዘብን ካልእን ደሊሉ ከምጽኦም'ዩ ዝደሊ። ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ትግራይ፡ ኣምሓራ ኰነ ኦሮሚያ ዓመጽቲ ኣይነበሩን። ሕጂ እንታይ'ዩ ናብ ዓመጽ ኣምሪሑዎም? ኣብዪ፡ እቲ ዝነበረ ኣፈላላይ ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ንምፍታሕ ድልየት ዘይምህላውን እቲ ፖለቲካዊ ምህዳር ብምዕጻው ናይ ውልቂ ምልካዊ ስርዓት ንምህናጽ ስለ ዝወሰነ'ዩ። ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ክፍታሕ ዝግበኦ ኣፈላላይ ክኣ ናብ ጫካ ከምርሕ ምኽንያት ኰይኑ።

ስለዚ፡ እቲ ሰላም ብፖለቲካዊ ዘተ ዝመጽእ ክኸውን ኣለዎ ኢና ንብል ዘለና።

ቢቢሲ፡ ሕጂ ፖለቲካዊ ኵነታት እታ ሃገር ክትርኢ እንከለኻ ዘጨንቐካ ጕዳይ ኣሎ'ዶ?

ጃዋር፡ ሃገር ከይትበተን። ምኽንያቱ ንሕና መንግስቲ ንክፈርስ ኢና ንቃለስ ነይርና- በዚ ጭቈና ንክንኪ፡ መሰላት ዜጋታትን ጕጅለን ንክኽበር ንሓትት ነይርና።

ሕጂ፡ እቲ ዓብዪ ሓደጋ ሃገር ናይ ምብታን እዩ። ኢትዮጵያ ኣይትፈርስን ዝብሉ ሰባት መዓልታዊ የፍርሱዋ ኣለው። ኣብቲ መጽሓፈይ'ውን ብተደጋጋሚ ዝገለጽዅዎ እዚ'ዩ። ካብ 2007 ክሳብ 2012 ዓ.ም [ኣ.ግ] ስትራቴጂ ምንቅስቓስ ቄሮ ከውጽእ እንከለኹ ናይ ስርዓት ለውጢ 'ሪጅም ቼንጅ' እየ ዝሓስብ ነይረ።

ሃገር እንተፈሪሱ ግን ዳግም ክትሃንጾ ኣዝዩ ከቢድ'ዩ፤ ከም ኢትዮጵያ ዝበለ ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ድልየት ብዙሓት ሓይልታት ዘለዎን ሃገር ክኣ ሓደ ግዜ እንተተበቲኑ . . . ምፍራስ ሃገር ክብል እንለኹ ግን፡ ሰብ ጥንቃቐ ክገብር ኣለዎ። ኢትዮጵያ ክትፈርስ እንከላ ኦሮሚያ ኣይትርፍን፡ ኣምሓራ ኣይተርፍን፡ ትግራይ ኣይትተርፍን - ልክዕ ኣርሒቕኻ ዝደርበኻዮ ጀበና'ዩ ዝኸውን።

ቢቢሲ፡ እትሓስቦ ኵሉ እንተቐኒዑ ቀዳማይ ሚኒስትር ኰይንኻ ክተመሓድር ድልየት ኣለካ'ዶ?

ጃዋር፡ ኣብ ሕሉፍ'ውን ኢለዮ እየ፤ 'Mataa jirutti sabbata marani'፡ ንዓይ እቲ ዝዓበየ ነገር መጀመርታ እስከ ሃገር ትሃልወና። ሃገር የብልናን ናብ እንብለሉ ኵነታት ኢና ንኣቱ ዘለና፤ ሃገር ንምምራሕ ፍልጠት፡ ብስለት፡ ብልሒ እዩ ዘድሊ።

ኣነ ሕጂ'ውን ዓምጹ ኣይኰንኵን ዝብል ዘለዅ፤ እኳ ድኣ ንዘራረብ እየ ዝብል። ሃገር ኣብ ከቢድ ሓደጋ ውሽጢ ኣትያ ኣላ። ቁጠባና ተዳኺሙ'ዩ፤ ገሊኡ ኣብ ኲናት ኣሎ፤ እቲ ካብ ኲናት ዝተረፈ ገንዘብ ክኣ ሪዞርትን ቤተ መንግስትን ኣብ ምስራሕ ይውዕል ኣሎ።

ኦ ኣምላኽ! . . . ኢትዮጵያ ስለ ምንታይ'ዩ ሓድሽ ቤ መንግስቲ ኣድልዩዋ? ጸገም ህዝቢ ኢትዮጵያ ናይ ሪዞርት ዋሕዲ ድዩ? እቲ ህዝቢ ጸገሙ፡ እዅልን ተመጣጣንን ድዅዒ ዘይምርካብ፡ ሓረስታ ሃዲኡ ክሓርሰሉ ዝኽእል ሰላም ዘይምህላው'ዩ።

ቢቢሲ፡ ሕጂ ኣብ ኬንያ ኢኻ ትነብር ዘለኻ። ኣብ ኢትዮጵያ ንምንባር ስግኣት ድሕነት ኣለካ ድዩ?

ጃዋር፡ ስግኣት ጥራይ ኣይኰነን፤ ሓደ ንስርሐይ ኣብዚ ይሕሸኒ። ካልኣይ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጻእዅ ናብ እሬቻ ክኸይድ እንከለዅ ንሓለውተይ ብሙሉኦም ኣሲሮምዎም። ድሕሪኡ ብሰንከይ ካልእ ጸገም ክፍጠር የብሉን ዝብል መርገጺ ወሲደ።

ስለዚ ንዓይ ብምትዅታኽ ነገራት ክጋደዱ ዝደልዩ ሰባት ስለ ዘለው እየ ናብ ናይሮቢ መጺአ። ኣብ ኤውሮጳ ክኣ ስለ ዝሰርሕ ብዙሕ ግዜ እናተመላለስዅ'የ ዝነብር። ናይሮቢ ጽብቕቲ ከተማ እያ። ኣየቕንድን'ዶ! (ሰሓቕ)።