ሺንዞ ኣቤን ኣበበ ቢቂላን- መነመን እዮም?

Published

ቀዳማይ ሚኒሰተር ሺንዞ ኣቤ ናብ ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ 7 ዓመት ኣቢሉ መጺኡ ነይሩ።

 ምስ ወዲ ኣበበ ቢቂላ፡ የትናየት ኣበበ ድማ ተራኺቡ።ንሱ፡ ናይ ኣቡኡ ኣበበ ቢቂላ ስእሊ ብውህብቶ ኣቕሪብሉ።

 ከም ኣገላልፃ ነፍስሄር ቀዳማይ ሚኒስትር፡ ንሱ ንኣበበ ቢቂላ ኣይርስዖን እዩ።

 ኣበበ ቅድሚ 58 ዓመታት ኣቢሉ ኣብ ማራቶን ቶክዮ ጥራይ እግሩ ክጎዪ ከሎ፡ ሺንዞ ንእሽቶ  ተምሃራይ እዩ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን፡ ሽምን ዝናን ኣበበ ቢቂላ ኣብ መላእ ጃፓን ገኒኑ ነይሩ።

 ሺንዞ ኣቤ፡ መጸውዒ ስሙ ምስ’ቲ ናይቲ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ኣበበ ባቂላ ኣዝዩ ዝቀራረብ እዩ።

 ‘ኣቤ’ ካብታ ኣብ ሰሜናዊ ጃፓን እትርከብ ደሴት ሆካይዶ ዝዝረብ ቋንቋ ‘ኣይኑ’ ዝመጸ ስም እዩ።

ኣብ ጃፓን ልሙድ ስም፡ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብዙሓት ቦታታት በዚ ስም ይጽወዑ።

 በዚ ምኽንያት ድማ: እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምስ ህቡብ ኣበበ ቢቂላ ከመሳስልዎ ፈተኑ። መማህርቱ: ኣበበ ኢሎም ድማ ይጽውዕዎ ነበሩ።

 ኣበበ ቢቂላ ኣብ ውድድር ማራቶን ቶክዮ ጥራይ እግሩ ክዕወት ከሎ፡ ሺንዞ ኣቤ ወዲ 10 ዓመት እዩ ነይሩ።

 "እንተዀ ግን ዓወት ኣበበ ቢቂላ ልክዕ ከም’ዚ ትማሊ ዝዀነ እየ ዝዝክሮ" ክብል ኣብ’ቲ ቅድሚ 7 ዓመት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ዘካየደሉ እዋን ተዛሪቡ ነይሩ።

 ኣቤ፡ ምስ ስድራን ካልኦት ኣትሌታትን ተራኺቡ።

ደራርቱ፣ኢብራሂም ጃይላ፣ ቲኪ ገላናን መስረት ደፋርን ከምዝረኸቡ ኣብቲ እዋን ኤኤፍፒ ሓቢሩ።

የትናይት ኣበበ፡ ኣቡኡ ቅድሚ 50 ዓመታት ኣብ ቶክዮ ታሪክ ዝሰርሐላን ናይ መወዳእታ ማራቶን መስመር ክሓልፍን እተርኢ ስእሊ እዩ ንሺንዞ ኣቤ ኣቕሪብሉ።

ሺንዞ ኣቤ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ዑደት ቢቂላ ኣብ ልዕሊ ቶክዮ ዘመዝገቦ ዓወት እናዘከረ ኣውጊዑ።

 ኣብቲ እዋን፡ ወዲ 10 ዓመት ዝነበረ ሺንዞ ኣቤ፡ ተዘክሮ ቑልዕነቱ እቲ ማራቶን ኣይርሰዖን።

 ኣበበ ቢቂላ ኣብታሪክ ኦሎምፒክ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ብሉፃት ስፖርተኛታት ሓደ እዩ።

ዓለም: ብቕትለት ሺንዞ ኣቤ ሰንቢዳ

 ሓሙስ ማዕከናት ዜና ዓለም ኣቓልቦአን ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ኣቕኒዐን ነይረን።

ካብ ካብ  ዓርቢ ንጉሆ ኣትሒ ድማዙ፡ ዓለምና ብቕትለትን ሞትን ሺንዞ ኣቤ ሰንቢዳ ትርከብ።

 ሺንዞ ኣቤ፡ ካብ ስልጣን ካብ ዝወርድ ነዊሕ ኣቑፂሩ እዩ።

 እንተዀነ፡ ንሓደ ሕጹይ ላዕለዋይ ባይቶ ጃፓን፡ ጎስጓስ ይገብር ነይሩ።

 ዝተገብረ መርመራታት ከም ዘረጋገጾ፡ እቲ ጥርጡር ብድሕሪ ኣቤ ደው ኢሉ ዕላሎም ይሰምዕ ከም ዝነበረ ተረጋጊጹ።

 ብድሕሪኡ ብሕቖኡ ብጥይት ደጋመጊሙ ተኲሱ፡ ኣቤ ብድሕሪቱ ብየማናይ ክሳዱን ሒቑዑን ተወቒዑ ውንኡ ስሒቱ ወዲቑ።

ደም ፈሲስዎ። ነፋሪት መጺአ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ፡ ጃፓናውያን ሓካይም መጥባሕቲ ህይወቱ ንምድሓን ዝከኣሎም ኩሉ ገበሩ። ኣይተኽኣለን።

ሺንዞ ኣቤ፡ ወዲ 67 ዓመት ኰይኑ ነዛ ዓለም ተሰናቢትዎ።

ጃፓን ጽኑዕ ምቁጽጻር ኣጽዋር ዘለዋ ሃገር እያ። እዚ፡ ብኸመይ ክኸውን ከምዝኸኣለ ይሓቱ ኣለዉ።

  ኣብ 2014 ፡ኣብ ኣመሪካ 33,599 መጥቃዕቲ ጥይት ክፍጸም እንከሎ፡ ኣብ ጃፓን ግን ሽዱሽተ ጥራይ እዩ ኣጋጢሙ።

 ሓደ ኣጽዋር ሒዙ ክኸይድ ዝፍቀደሉ ጃፓናዊ ሰብ፡ ተሪር ፈተናን ናይ ኣእምሮ ጥዕና መርመራን ክሓልፍ ኣለዎ።

  ኣብ ጃፓን ፍቓድ ኣጽዋር ክትረክብ ካብ ምፍታን ፡ኣጽዋር ምፍራይ ይቐልል ይበሃል።

 እንተዀነ፡ ካብ ዝወደቐ ንብረት እውን ኣጽዋር ክስራሕ ይኽእል እዩ።

 እቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ቀታሊ ነቲ መሳርሒ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ገዝኡ ከም ዝሰርሖ ይግለጽ።

 ፖሊስ፡ ቀታሊ ኣቤ ንምንታይ ነቲ ገበን ፈጺሙ፡ 'ካልእ ተሓባባሪ ኣለዎ ድዩ' ዝብል መርመራ ይገብር ኣሎ።

 ኣብቲ ገዛ ዝተገብረ ተፍትሽ እውን፡ ኣጽዋር ነታጒ ከምዝተረኽበ ተረጋጊጹ።

 ፖሊስ፡ ተትሱያ ያማጋሚ ዝተባህለ ወዲ 41 ዓመት ስራሕ ኣልቦ ሰብኣይ፡ ተጠርጢሩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ይገልጽ።

 እቲ ውልቀሰብ፡ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን ምቕታል ዝደረኸ ምኽንያት ዛጊድ ኣይተነጸረን።

  ካብ ስልጣን ንክወርድ ምኽንያት ዝዀኖ፡ ዝፈርሖ ዝነበረ ናይ መዓንጣ ቁስሊ ዘይኰነስ፤ ኣብ ገዛ ዝተሰርሐት ጥይት ሒዛቶ ኸይዳ።

ዓለም ብፍላይ ድማ ጃፓናውያን ሰንቢዶም።

 ድሕሪ እቲ ቅትለት፡ "ፖለቲካዊ ቅትለት ዘይኮነስዲሞክራሲ ኢና ንደሊ" ብምባል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ወፍሪ ይካየዱ ኣለዉ።