እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መቕዘፍቲ ሃሩር ኣብ ፈረንሳ
ክቱር ሙቐት ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል ኤውሮጳ ዘውርዶ ዘሎ ሓደጋታት ስዒቡ፡ ምዕራባዊ ፈረንሳ "መቕዘፍቲ ሃሩር" የጋጥሞ ከም ዘሎ ክኢላታት ኣጠንቂቘም።
ኣብ 15 ዞባታት ደቡባዊ ምዕራብ ሙቐት ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ክበጽሕ ይኽእል እዩ። ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ ምስ ባርዕ ኣብ ዝቃለስሉ ዘለው እዋን፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ድማ ካብቲ ቦታ ክወጹ ይግደዱ ኣለዉ።
ኣብ ስጳኛ፡ ፖርቱጋልን ግሪኽን ዝተላዕለ ባርዕ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ንኽሃድሙ ኣገዲድዎም እዩ።
ኣብ ገሊኡ ክፋላት ብሪጣንያ'ውን ዝለዓለ ሙቐት ከም ዝምዝገብ ትጽቢት ይግበር። ብሪጣንያ ንመጀመርታ ግዜ ናይ መወዳእታ ቀይሕ መጠንቀቕታ ሙቐት ሂባ ኣላ።
ኣብዚ ቐረባ መዓልትታት ኣብ ፈረንሳ ብሰንኪ ዘጋጠመ ባርዕ፡ ካብ ከባቢኦም ንዝሃደሙ ልዕሊ 24,000 ሰባት፡ ህጹጽ መዕቈቢ ተዳልዩሎም እዩ።
ብፍላይ እታ በጻሕቲ ዝበዝሕዋ ጊሮንድ ትበሃል ዞባ ፈረንሳ፡ ከቢድ ጕድኣት ወሪድዋ እዩ። መጥፋእቲ ሓዊ ካብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣትሒዙ ልዕሊ 14,000 ሄክታር መሬት ዘዕነወ ባርዕ ንምቍጽጻር ይቃለሱ ኣለዉ።
ፕረዚደንት ዞባ ጊሮንድ ዣን-ሉክ ግለይዝ፡ ብሰንኪ ሃሩርን ንፋስን እቲ ባርዕ ኣብ ላ-ተስተ-ደ-ቡኽንላንዲራስን እናዓበየ ብምኻዱ መጥፋእቲ ሓዊ ንምቍጽጻሩ ከም ዘጸገሞም ንቢቢሲ ገሊጹ።
"ምስዚ እናዓበየን እናሰፍሐን ዝኸይድ ዘሎ ሓደሓደ ግዜ ኸኣ ኣመና ዝብርትዕ ዘሎ ሓዊ ክቃለሱ ግድን ኰይንዎም ኣሎ" ይብል።
ሓደ ክኢላ ስነ-ኣየር ነቲ ኩነታት "መቕዘፍቲ ሃሩር" ክብል ክገልጾ እንከሎ፡ ኣብ ገሊኡ ከባቢታት ደቡባዊ ምዕራብ ፈረንሳ፡ መጠንቀቕታ ንኽወሃብ ምኽንያት ይኸውን ኣሎ።
እቲ ሃሩር፡ ንኻልእ ቦታታት ፈረንሳ እውን ይጸሉ ኣሎ። እታ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ብሪታኒ ትርከብ ከተማ ብረስት ዘለዋ ሙቐት 40 ዲግሪ ሰንቲግሬድ በጺሑ እዩ፤ እዚ ኸኣ ካብቲ ልሙድ ገምጋም ሙቐት ሓምለ ኣዝዩ ዝዛይድ እዩ።
ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝርከባ ሓያሎ ከተማታት፡ ልዑል ሙቐት ከም ዝተመዝገበ እውን ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት ክሊማ ገሊጹ እዩ።
ኣብዚ ቐረባ መዓልታት ኣብ ስጳኛን ፖርቱጋልን ብሰንኪ እቲ ሃሩር ልዕሊ 1,000 ሰባት ከምዝሞቱ ይፍለጥ።
ኣብታ ካብ ቀዳመ-ሰናብቲ ኣትሒዙ ብሓዊ ትነድድ ዘላ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣውራጃ ዛሞራ፡ ሬሳ ሓደ ጓሳ ተረኺቡ። ብሰንበት'ውን፡ 62 ዓመት ዝዕድመኡ ኣባል መጥፋእቲ ሓዊ ደሕሪ ምማቱ፡ ኣብ ዛሞራ ብሰንኪ ባርዕ ዘጋጠመ ካልኣይ ሞት ኰይኑ ተመዝጊቡ'ሎ።
ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዞባ ካታሎንያ ኣብ ጥቓ ፖንት ደ ቪሎማራ ኣብ እትርከብ ቤት መርሴዴስ ፒኖ፡ ሃንደበት ባርዕ ሓዊ ተላዒሉ።
"ኣብ ዓራተይ እየ ነይረ፣ ብመስኮት ከኣ ኣዝዩ ቐይሕ መብራህቲ ረኣኹ" ክትብል ሓንቲ ነባሪት ንመራኸቢ ብዙሓን ስጳኛ ገሊጻ።
"ብዝተኻእለኒ መጠን ቀልጢፈ ናብቲ ማዕጾ ጐየኹ፣ ሃልሃልታ ድማ ኣብ ኣፍ ደገ ገዛና ዝነበረ መኪና ክንድዶ ከሎ ረኣኹ።"
ኣብ ካስቲላ ኢ ሊዮን፡ ጋሊሽያ፡ ካስቲል ኣንዳሉስያን ኤክስትሪማዱራ'ውን ሓዊ ተባሪዑ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ስጳኛ ዝነበረ ፔድሮ ሳንቸዝ፡ ሰኑይ ናብ ኤክስትሬማዱራ ከይዱ ነይሩ።
"ለውጢ ኵነታት ኣየር ከም ዝቐትል ፍሉጥ እዩ፡" ይብል። "ንሰባት ይቐትል፡ ስርዓተ-ኢኮ ይጐድእ፡ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኣትክልትን እንስሳታትን ድማ ይቐትል።"
ሓሙስ መጠነ ሙቐት ፖርቱጋል 47 ዲግሪ ሰንቲግሬድ በጺሑ ነይሩ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ሓምለ ካብ ዝተመዝገበ ይዛይድ።
ሓደ ሲሶ ካብቲ ቀንዲ መሬት ክሳዕ ሕጂ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከምዘሎ ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት ሚትዮሮሎጂ ይገልጽ። እዚ ኸኣ ብሰንኪ ዳርጋ ኣብ ኵሉ ቦታ ዘሎ ከቢድ ወይ ክቱር ድርቂ እዩ።
ብኣማኢት ዘቝጸሩ ሰባት ካብቲ ቦታ ግዒዞም እዮም። ሰበ-ስልጣን ከኣ እቲ ብ2017፡ 66 ሰባት ዝቐተለ ሓዊ ምእንቲ ኸይደገም ተጠንቂቘም ኣለዉ።
እቲ ሃሩር ኣብዚ ቐረባ ሰሙናት ኣብ ገለ ክፋል ደቡባዊ ምዕራብ ኣውሮጳ ከጋጥም ንኻልኣይ ግዜ እዩ።
ብሰንኪ ምህዞን ንጥፈታትን ደቂሰብ ዝተፈጥረ ዓለማዊ ክሊማዊ ለውጢ፡ ማዕበላት ሃሩር እናበዝሐ፡ እናኸበደን ነዊሕ እናጸንሐን ይኸይድ ኣሎ። ካብ ዘመነ ኢንዱስትሪያውነት ኣትሒዙ፡ ሙቐት ዓለም ድሮ ብ1.1 ዲግሪ ሴንቲ ግሬድ ወሲኹ።
መንግስታት ዓለም፡ እቲ ጠንቂ’ዚ ክስተት ዝዀነ ንጽገት ካርቦን ብዓቢይ መጠን ከም ዝንኪ እንተ ዘይገይሮም፡ ሙቐት ዓለምና እናበኣሰ ከም ዝኸይድ ይግለጽ።
ኣብ ስጳኛ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ካስቲላ-ላ ማንቻ ዲን ትካል ኣከባብያዊ ስነ ፍልጠትን ባዮከሚስትርን ዝዀነ ኤንሪኬ ሳንቸዝ ድሕሪ ሓጺር እዋን ማዕበላት ሙቐት ልሙድ ከም ዝኸውን ንቢቢሲሓቢሩ።
"ውዒሉ ሓዲሩ ኣብ ዝቕጽል ዓመታት እቲ ሙቐት ክውስኸሉ ዘየኽእለሉ መገዲ ስለ ዘየለ እቲ ናይ ሙቐት ማዕበል ካብ ግዝ ናብ ግዝ ልሙድ እናዀነ ክኸይድ ኢዩ።... ኣብ መላእ ኣውሮጳ፡" ይብል።