እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሊባኖስ ናጂብ ሚካቲ ብዛዕባ መጥቃዕቲ እስራኤል እንታይ ኢሉ?
ብሰንኪ እቲ እስራኤል ብቐጻሊ ኣብ ሊባኖስ እተካይዶ ዘላ መጥቃዕቲ ነፈርቲ፡ ድሮ ኣብ መላእ ሊባኖስ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ክመዛበሉ ከም ዝተገደዱ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ገሊጹ።
ብሰንኩ፡ “ዝዓበየ ምዝንባል ኣጋጢሙ ክኸውን እዩ” ይብል ናጂብ ሚካቲ።
ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር በቲ ትማሊ ሰንበት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 50 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ።
ብቐዳም ኣብ በይሩት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነፈርቲ እስራኤል መራሒ ሕዝቦላህ ሓሰን ነስረላህ ከም ዝተቐትለ ይዝከር።
ነዚ ስዒቡ፡ ሕዝቦላህ ተወሳኺ ሮኬታት ናብ ሰሜናዊ እስራኤል ተኲሱ።
ትማሊ ሰንበት፡ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሕዝቦላህ ዓሊ ካራኪን ሓደ ላዕለዋይ ሸኽ ናቢል ቃውክን እውን ኣብቲ ናይ እስራኤል መጥቃዕቲ ኣየር ከም ዝተቐትሉ ሕዝቦላህ ኣረጋጊጹ።
ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እስረኤል ሄርዚ ሃለቪ፡ “ንሕዝቦላህ ብቐጻሊ ኣበርቲዕና ክንሃርሞ ኣለና” ኢሉ።
እስራኤል ሎሚ ኣብ ማእከላይ በይሩት ኣብ ከባቢ ኮላ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ሰለስተ ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ፍልስጤም (PFLP) ከም ዝቐተሉ እቲ ጕጉጅለ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ግንባር ሓርነት ኣባል ትካል ሓርነት ፍልስጤም ኰይኑ፡ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ከም ወግዓዊ ወኪል ፍልስጤማውያን ኣፍልጦ ዝረኸበ ልፍንቲ እዩ።
ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ነዚ ጕጅለ ከም ግብረሽበራዊ ትካል’የን ዝቘጽርኦ።
እቶም በቲ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ ሰባት ሓላፊ ወተሃደራዊ ጸጥታ መሓመድ ዓብደልዓል፡ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ኢማድ ኦደህን ኣባል እቲ ጕጅለ ዝዀነ ዓብደልራሕማን ዓብደል-ኣልን ምዃኖም ኣብቲ መግለጺ ጠቒሱ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሊባኖስ ሚካቲ፡ እቲ ማዕበል መጥቃዕቲ ነፈርቲ፡ ሰባት ካብ በይሩትን ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገርን፡ ከምኡ’ውን ካብ ከባቢታት ዶብ ደቡባዊ ሊባኖስ ክሃድሙ ከም ዘገደዶም ገሊጹ።
ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ንዅሉ ዝተጸገመ ሰብ ንምሕጋዝ ይቃለሱ ከም ዘለዉን፡ ኣብ ልዕሊ መዕቆቢ ቦታታትን ሆስፒታላትን ጸቕጢ እናዓበየ ከም ዝመጽአን ወኪላት ቢቢሲ ኣብ ሊባኖስ ይገልጹ።
ጓል 25 ዓመት ኣያ ኣዩብ፡ ኣብ ደቡባዊ ከባቢ በይሩት ኣብ ዝርከብ ታህዌት ኣል-ጋድር ዝርከብ ገዛኣ ምስ ሽዱሽተ ኣባላት ስድራኣ ክትሃድም ከም ዝተገደደት ንቢቢሲ ገሊጻ።
“ኵሎም ህንጻታት ምሉእ ብምሉእ ዓንዮም” ትብል።
ኣብዚ እዋን'ዚ ድማ ምስ ካልኦት 16 ሰባት ኣብ በይሩት ኣብ ዝርከብ ገዛ ተዓቚባ ከም ዘላ ሓቢራ።
“ብዓርቢ ኢና ወጺእና፤ እንኸዶ ቦታ ኣይነበረናን። ክሳብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ጐደናታት ጸኒሕና፤ ድሕሪኡ ገለ ሰባት ኣብ ዘይተወድአ ህንጻ ንክንዕቈብ ገይሮም” ኢላ።
ሳራ ቶህማዝ ዝተባህለት ጓል 34 ዓመት ጋዜጠኛ፡ ዝሓለፈ ዓርቢ ምስ ኣደኣን ክልተ ኣሕዋታን ካብ ከባቢ በይሩት ከም ዝወጽአት ንቢቢሲ ገሊጻ።
ብመኪና ብሶርያ ኣቢሎም ናብ ዮርዳኖስ ንምብጻሕ ኣስታት ዓሰርተ ሰዓታት ከም ዝወሰደሎም ድማ ገሊጻ።
“ኣብ ዮርዳኖስ ኣዝማድ ምርካብና ዕድለኛታት ኢና። ድሕሪ ሕጂ እንታይ ከም ዝኸውን ኣይንፈልጥን ኢና፤ መዓስ ከም እንምለስ’ውን ኣይንፈልጥን።”
ድሕሪ እቲ ሓማስ ብ8 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ምውሳድ ክትጅምር እንከላ ሕዝቦላህ ንፍልስጤማውያን ከም ዝደናገጽ ብምግላጽ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሮኬታትን ሚሳይላትን ክትኩስ ምጽንሑ ይፍለጥ።
እዚ ነቲ ቅልውላው ከጋድዶ እንከሎ፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ዕጡቓት ሕዝቦላህ ዝርከቡዎም ብኣማኢት ዝቝጸሩ ብዙሓት ሰባት ሞይቶም፤ ብኽልቲኡ ዶባት ድማ ዓሰርታት ኣሽሓት ተመዛቢሎም።
ተዛማዲ ምዕባለታት
ብኻልእ ወገን፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኣብ የመን ዝርከቡ ወተሃደራዊ ዒላማታት ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ “ሰፊሕ” መጥቃዕቲ ኣየር ከም ዘካየደት ገሊጻ።
ሰፊሕ ከባቢታት የመን ዝቈጻጸር ጕጅለ ሺዓ ሑቲ፡ “ጨካን” ዝበሎ መጥቃዕቲ ብምዅናን ኣርባዕተ ሰባት ከም ዝተቐትሉን ካልኦት 33 ሰባት ከም ዝቘሰሉን ብምግላጽ ሕነ ከም ዝፈዲ ተሓንዩ።
ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰፊሕ ጐንጺ ከይለዓል ዓለምለኻዊ ስግኣት ኣሎ።
ብሰንበት እውን እስራኤል ኣብ የመን ኣብ ዝርከቡ ዒላማታት ሑቲ መጥቃዕቲ ኣየር ከም ዘካየደትን ኣብ ራስ ኢሳን ሑዳይዳን ንዝርከቡ መመንጨዊ ጸዓትን ወደብን ከም ዝሃረመት ገሊጻ።
ድሒሩ ኣብቲ ወደብ ዓቢ ፍንጀራ ከም ዘጋጠመ ዘርኢ ቪድዮ ተዘርጊሑ።
እስራኤል ኣብ ቀረባ እዋን ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሚሳይላት ምላሽ ንምሃብ፡ ከምኡ’ውን ኣጽዋር ኢራን ንምጕዕዓዝ ዝጥቀሙሉ ዘለዉ መሳለጥያታት ንምዕናው ነቶም ቦታታት ዒላማ ከም ዝገበረት ትገልጽ።
ኣመሪካ፡ እስራኤል ምስ ሕዝቦላህ ወይ ኢራን ናብ ኵሉ መዳያዊ ኲናት ከይትኣቱ ኣጠንቂቓ።