ህንዲ፡ ተቓውሞ ንምግላጽ ኣሸሓት ከብቲ ናብ ህንጻታት መንግስቲ ተፈንየን

Published

ኣብ ምዕራባዊ ህንዲ፡ ግዝኣት ጉጃራት፡ ኣብ ምክንኻን ከብቲ ዝሰርሑ ትካላት ግብረ ሰናይ፡ ብመንግስቲ ቃል ዝተኣተወሎም ሓገዝ ስለ ዝተጠልሙ፡ ተቓውሞኦም ንምግላጽ፡ ኣሽሓት ኣላሕም ናብ መንግስታዊ ህንጻታትን ጐደናታትን ፈቲሖም ፈንዮምወን።

እተን ኣላሕም፡ ኣብ ህንጻታት መንግስቲ እንክምርሻ ዘርኢ ቪድዮታት ብብዝሒ ተዘርጊሑ መዘራረቢ ኰይኑ'ሎ።

እቶም ሰልፈኛታት፡ መንግስቲ ገንዘብ ከውጽእ እንተዘይክኢሉ፡ ነቲ ዝመጽእ ክልላዊ መረጻ ከተዓናቕፍዎ ምዃኖም'ውን ኣፈራሪሖም ኣለዉ።

ጉጃራት፡ ሓንቲ ካብተን ብሰንኪ ለበዳ ሕማም ቆርበት፡ ክሳራ ከብቲ ዘስዓበለን ብዙሓት ግዝኣታት ህንዲ እያ።

ኣብቲ ክልል ልዕሊ 5 ሽሕን 800 ከብቲ ክሞታ እንከለዋ፡ ኣስታት 170 ሽሕ ድማ በቲ ሕማም ከምዝተጠቕዓ ይግመት።

ላሕሚ፡ ንዝበዝሑ ማሕበረሰብ ሂንዱ፡ ህንዲ 'ቅዱሳት እንስሳታት' ኰይነን፡ ኣብ ጉጃራት ሓዊሱ ኣብ 18 ግዝኣታት'ታ ሃገር ምሕራድ ላም ዘይሕጋዊ እዩ።

ጉጃራት፡ ኣብ 2017፡ ላሕሚ ንዝሓርዱ ሰባት ብሕልፈት ማእሰርቲ ክቕጽዑ ከም ዝኽእሉ ብምሕባር፡ ሕግታት ምክልኻል ኣላሕም ኣጽኒዓ እያ።

ምስቲ ተቓውሞ ብዝተኣሳሰር፡ ብብዝሒ እተን ከብቲ ኣብ ጐደናታት እናተዘዋወራ፡ ድምጺ እናፈጠራ ትራፊክ ክርብሻን ወይ ኣብ መዕቈቢ እናዔማን ይርከባ።

መንግስቲ ጉጃራት፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ዘውጽኦ ባጀት፡ ኣብታ ግዝኣት ንዝርከባ ኣላሕምን ካልኦት ኣረግቶት እንስሳታትን መጽለሊ ደንበ ንምስራሕ 5 ቢልዮን ሩፒ (61 ሚልዮን ዶላር) መዲቡ ነይሩ።

ኣካየድቲ ስርሓት መጽለሊ ናይተን ከብቲ ግን፡ ብመሰረት እቲ ውጥን ዝዀነ ገንዘብ ከምዘይረኸቡን ብመንግስቲ "ዝተታለሉ" መሲሉ ከምዝስምዖምን ገሊጾም።

ኣብ መንግስቲ ሓያሎ ውክልናታት'ኳ እንተሃለዎም፡ ዛጊድ ዝዀነ ፍታሕ ከምዘይረኸቡ ወሲኾም ገሊፆም።

ጋዜጣ ኢንዲያን ኤክስፕረስ፡ ልዕሊ 450 ሽሕ ከብቲ ዝሓቝፋ፡ ብናይ ግብረ ሰናይ ትካላት ዝመሓደራ ኣስታት 1750 ደንብ ኣላሕም፡ ኣብቲ ተቓውሞ ከምዝተጸንበራ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት፡ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ጉጃራት፡ ከብቲ ጽርግያታት፡ ከባቢ ኣብያተ ፍርድን ህንጻታት መንግስትን ከምዝበሓታኦ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብ ሓደ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ፡ ሰልፈኛታት ሽንቲ ላሕምን ሓመድን ሒዞም ተራእዮም።

ፖሊስ፡ ኣብ ኣውራጃታት ባናስካንታ፡ ፓታንን ኩችን 70 ሰልፈኛታት ከምዝኣሰረ ሓቢሩ።

ሚኒስተር ክንክን እንስሳ ጉጃራት፡ ብሰንኪ "ምምሕዳራዊ መሰናኽላት" ሓገዝ ከምዝተደናጐየ ብምእማን፡ ድሕሪ ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ "ኣወንታዊ ፍታሕ" ክረክብ ቃል ኣትዩ።

እቶም ሰልፈኛታት ግን፡ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ኵሉ ሕቶታቶም እንተዘይተመሊሱ፡ ሰፊሕ ናዕቢ ከምዝግበር ኣጠንቂቘም ኣለዉ።