ሓያል ማዕበል ውርጪ ሰሜን ኣመሪካ ንከተማ ባፋሎ ናብ 'ዓውደ ውግእ' ቀዪሩዋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ተኸሲቱ ዘሎ ብርቱዕ ህቦብላ ሓጋይ፡ ንከተማ ባፋሎ ኒው ዮርክ ዓውደ ውግእ ኣምሲሉዎ ከምዘሎ ኣመሓዳሪ እታ ክፍለ ግዝኣት ገሊጻ።
ክፍለ ግዝኣት ምዕራባዊ ኒውዮርክ ምስ ኩነታት ኣየር ዝተኣሳሰር ሞት 28 ሰባት መዝጊቡ ኣሎ።
ኣመሓዳሪት ግዝኣት ኒው ዮርክ ካቲ ሆቹል፡ "እዚ ምስ ተፈጥሮ ዝግበር ውግእ እዩ፣ መሬት ብኵሉ እቲ ዘለዋ ኣጽዋር ትሃርመና ኣላ" ኢላ።
እቲ ካብ ካናዳ ክሳብ ዶብ ሜክሲኮ ዝተዘርግሐ ናይ ውርጪ ህቦብላ ብደረጃ ሃገር ልዕሊ 50 ሰባት ቀቲሉ ኣሎ።
ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኒውዮርክ ዝርከብ ዞባ ባፋሎ ከኣ ካብቲ ዝያዳ ዝተሃስየን ጉድኣት ዝወረዶን ከባቢ እዩ።
ተወላዲት ባፋሎ ዝኾነት ኣመሓዳሪት እቲ ክፍለ ግዝኣት፡ ካቲ ሆቹል፡ "እዚ ከባቢ ልክዕ ናብ ዓውደውግእ ከም ምኻድ ኣዝዩ ዘሰንብድ እዩ። ብዝሒ እተን ኣብ ወሰናስን እቲ ጐደናታት ተዓጊተን ዘለዋ መካይን እውን ዘሰንብድ እዩ" ኢላ።
ካቲ ሆቹል፡ ኣብ እዋን ሓደጋ ደገፍ ዝህባ ከም ናይ መጥፋእቲ ሓዊ ዝኣመሰላ ብዙሓት ተሽከርከርቲ ንባዕላተን ብበረድ ስለዝተዓግታ ሓያሎ ነበርቲ "ንህይወቶም ኣብ ዘስግእ ኵነታት" ከምዘለው ተዛሪባ።
ሓንቲ ካብ 2 ክሳብ 6 ዓመት ዝዕድሚኦም ንኣሽቱ ውሉዳት ዘለዉዋ ስድራ ቤት፡ ኣብ ግዜ በዓል ልደት ረድኤት ንኽትረክብ ንኣስታት 11 ሰዓት ዝኣክል ተጸብያ።
ኣቦ እታ ስድራ ዚላ ሳንቲያጎ፡ "ኣዝየ ተስፋ ቖሪጸ ነይረ" ክብል ንሲቢኤስ ሓቢሩ። ክሳብ እቶም ወሃብቲ ረድኤት ዝመጽኡ ምስቶም ቖልዑ ደቁ እናተጻወተ ሞተር መኪና ወሊዑ ነቶም ሕጻናት እናሞቐ ብጭንቀት ተጸብዩ።
እቲ ተኾሚሩ ዘሎ በረድ ምስ መኸኸን ወሃብቲ ረድኤት ኣብ ዝብጻሕ ምስ በጽሑን ብዙሓት ኣብ ሓደጋ ዝወደቓ መካይንን ኣብ ግሉል ኣባይቲ ኣብ ሓደጋ ዝኣተው ሰባት ከምዝህሉውን ሓቢሩ።
ትማሊ ሰኑይ፡ ኣብ ገሊኡ ክፋላት ምዕራባዊ ኒው ዮርክ፡ ኣብ ሓደ ለይቲ ብዝወረደ በረድ ክሳብ 40 ሰንቲ ሜተር ዝኸውን በረድ ከም እተኾመረ ኣመሓዳሪት እቲ ዞባ ገሊጻ።
ብሰኑይ ንፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ዘዘራረበቶ ኣመሓዳሪት ካቲ ሆቹል፡ ኣመሪካ ንኒው ዮርክ ንምሕጋዝ "ምሉእ ሓይሊ ፌደራላዊ መንግስቲ" ከምዝቐረበት ገሊጻ።
እቲ "ሳይክሎን" ዝበሃል ኣብ ግዜ ክረምቲ ዘጋጥም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ብርቱዕ ውርጭን ንፋስን ስለ ዘስዓበ፡ ኣብ መላእ ኣመሪካ ናይ በረራ ጕዕዞ ከምእተዓናቐፈ ተሓቢሩ።
እቲ ዋሕዚ ውርጪ ኣብ ዝቕጽል ሒደት መዓልትታት ክሃድእ ከምዝኽእል ክኢላታት ሜትሮሎጂ እኳ እንተገለጹ፡ ሰብ መዚ ኣመሪካ ዝኾነ ሰብ ዘሀውኽ ጉዳይ እንተዘይብሉ ካብ መገሻ ክግታእ ይመኽሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ፡ ኣስታት 250,000 ኣባይቲን ኣብያተ ንግድን ናይ ሓይሊ ኤለትሪክ ምቁራጽ ኣጋጢምዎም ነይሩ። ይኹን እምበር ክኢላታት ናይቲ ሞያ ብዝገበሩዎ ጻዕሪ ሓይሊ ኤለትሪክ ናብ ንቡር ተመሊሱ ኣሎ።
ኣብ ከም ቨርሞንት፡ ኦሃዮ፡ ሚዙሪ፡ ዊስከንሲን፡ ካንሳስ፡ ከምኡ'ውን ኮሎራዶ ብሰንኪ ህቦብላ እተሓወሶ ውርጪ ሰባት ከምዝሞቱ ይሕበር። ኣብ ደቡብ ፍሎሪዳ ዝነበረ ሙቐት ኣዝዩ ስለ ዝነከየ ሞተር መካይን ምትንሳእ ከምዝኣበየን ተሓቢሩ።
ምዕራባዊ ክፍለ-ግዝኣት ሞንታና እቲ ዝኸፍአ ብክቱር ዛሕሊ ተጠቒዑ ዘሎ ቦታ ኮይኑ፡ መጠን ዛሕሊ ኣሉታ 45 (-45) ዲግሪ ሰንቲግረድ በጺሑ።
ኣብ ካናዳ እውን ግዝኣታት ኦንታርዮን ኵቤክን ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ይወርደን ኣሎ።
ኣብ ምዕራባዊ ግዝኣት ብሪቲሽ ኮሎምብያ፡ ኣብ ጥቓ ከተማ መሪት ኣብ ዝርከብ ኩምራ በረድ ናይ ህዝቢ ኣውቶቡስ ስለዝተገምጠለት ኣርባዕተ ሰባት ብሓደጋ ሞይቶም።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
