ወዲ 'ንጉስ ዕጸፋርስ' ኤል ቻፖ ምእሳሩ ስዒቡ 29 ሰባት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, US STATE DEPARTMENT
ወዲ 'ንጉስ ዕጸፋርስ' ሜክሲኮ "ኤል ቻፖ" ዝኾነ ኦቪድዮ ጉዝማን-ሎፔዝ ኣብ ዝተኣስረሉ እዋን 29 ሰባት ተቐቲሎም።
መራሒ ናይቲ ናይ ኣቡኡ ዝነበረ ካርተል ከም ዝኾነ ዝንገረሉ ኦቪድዮ ጉዝማን-ሎፔዝ ኣብ ኩልያካን ተታሒዙ ብሓሙስ ናብ ከተማ ሜክሲኮ ብነፋሪት ተወሲዱ።
ኣብ እዋን ማእሰርቱ 10 ወተሃደራትን 19 ጥርጡራትን ከም ዝተቐትሉ ሰበስልጣን ሓቢሮም።
ሕነ ናይቲ ወዲ 32 ዓመት መንእሰይ ንምፍዳይ፡ ብቑጥዐ ዝተለዓዓሉ ኣባላት ጕጅለ፡ ጽርግያታት ብምዕጻው፡ መካይን ዘቃጸሉ ክኸውን ከሎ ኣብ ሓደ ናይቲ ከባቢ መዓርፎ ነፈርቲ’ውን መጥቃዕቲ ፈጺሞም እዮም።
ተወሳኺ 35 ወተሃደራዊ ኣባላት ከም ዝቖሰሉን 21 ዕጡቓት ከም ዝተኣሰሩን ሚኒስተር ምክልኻል ልዊስ ክረሰንስዮ ሳንዶቫል ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።
"ኣንጭዋ" ዝብል ሳጓ ዝተዋህቦ ጉዝማን-ሎፔዝ፡ ሓደ ጉጅለ ናይቲ ዕሉል ሲናሎኣ ዝበሃል ካርተል ኣቡኡ ይመርሕ’ዩ ተባሂሉ ይኽሰስ። እዚ ድማ ኣብ ዓለም ካብ ዝዓበዩ ትካላት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስ ሓደ እዩ።
ኣቡኡ ጆኣኪን "ኤል ቻፖ" ጉዝማን፡ ኣብ 2019 ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብን ገበነኛ ኮይኑ ድሕሪ ምርካቡ፡ ኣብ ኣመሪካ ናይ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ የሕልፍ ኣሎ።
መስርሕ ፍርዱ፡ ካርተላት ዕጸፋርስ ሜክሲኮ ብኸመይ ከም ዝሰርሑ ገለ ኣረሜናዊ ዝርዝራት ኣቃሊዑ’ዩ።
ጉዝማን-ሎፔዝ ንምሓዝ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝተገብረ ስርሒት ምክትታል ካብ ሰበስልጣን ኣመሪካ ደገፍ ከም ዝረኸበ ሚኒስተር ምክልኻል ሳንዶቫል ገሊጹ።
ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣመሪካ፡ ናብ ማእሰርቲ ወይ ፍርዲ ጉዝማን-ሎፔዝን ንሰለስተ ኣሕዋቱ’ውን ዝመርሕ ሓበሬታ ንዝህቡ ሰባት ክሳብ 5 ሚልዮን ዶላር ዝበጽሕ ሽልማት ከም ትህብ ገሊጻ።
እቲ ብወጋሕታ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሜክሲኮ፡ ግዝኣት ሲናሎኣ ኣብ እትርከብ ኩልያካን ዝጀመረ ስርሒት፡ ካብ ዕጡቓት ኣባላት ካርተል ማዕበል ዓመጽ ኣበጊሱ’ዩ።
ብዓሰርተታት ዝቑጸራ መካይን ዝተቓጸላን፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሲናሎኣ ብውሕዱ ክልተ ነፈርቲ ብጥይት ዝተሃርማን ክኸውን ከሎ እቲ ካርተል ሲናሎኣ bቲ መጥቃዕቲ ይኽሰስ።
በዚ ምኽንያት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ውሽጢ ዓዲ፡ ልዕሊ 100 በረራታት ተሰሪዙ እዩ።
ክልተ ነፈርቲ ሓይሊ ኣየር ሜክሲኮ ካብቲ ካርተል ብዝተተኮሰ ጥይት ድሕሪ ምውቃዐን ብህጹጽ ክዓርፋ ከም ዝተገደዳ ሚኒስተር ምክልኻል ሳንዶቫል ገሊጹ።
ሰበስልጣን፡ ነቲ ናይ መሬት ስርሒት ዝድግፋ ጠበንጃ ዝተዓጠቓ ሄሊኮፕተር ኣዋፊሮም እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ኣንድሬስ ማኑኤል ሎፔዝ ኦብራዶር፡ ሓይልታት ሜክሲኮን ሲቪል ህዝቢ ንምሕላውን ንጹሃት ግዳያት ንምውጋድን ብሓላፍነት ከም ዝተዋስኡ ገሊጹ። ዛጊት ዝሞተ ሲቪል ሰብ ከም ዘየለ ተገሊጹ’ሎ።
ኣብ ቀጻሊ ስጉምትታት ጸጥታ ንምሕጋዝ ድማ ተወሳኺ 1000 ሰራዊት ናብ ሲናሎኣ ይለኣኽ ኣሎ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሑ ቪድዮታት፡ ኣብ ኩልያካን ዝቃጸላ ኣውቶቡሳት ጽርግያታት ኣጽየን የርእዩ።
ካብ ኩሊያካን ናብ ከተማ ሜክሲኮ ክትበርር ተመዲባ ዝነበረት ነፋሪት ብሓሙስ ንግሆ ክትብገስ ኣብ እትዳለወሉ ዝነበረት እዋን ብጥይት ከም ዝተሃርመት መንገዲ ኣየር ሜክሲኮ ኤሮሜክሲኮ ገሊጹ።
ዝኾነ ዓሚል ይኹን ሰራሕተኛ ከም ዘይተጎድአ’ውን ሓቢሩ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ተጓዓዝቲ ኣብ ኮፍ መበሊኦም ተደፊኦምን ተጨባቢጦምን ዘርኢ ይመስል።
ሓደ ካብቶም ተሳፈርቲ ዴቪድ ተለዝ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ንኽንብገስ ፍጥነት እናወሰኽና ከለና፡ ናብታ ነፋሪት ኣዝዩ ዝቐረበ ተኹሲ ሰሚዕና፡ ሽዑ ኢና ኩላትና ናብ መሬት ወዲቕና" ኢሉ።
ኣብ ኩልያካን እውን ነፋሪት ሓይሊ ኣየር ከም ዝተሃርመት ትካል ሲቪል ኣቬሽን ሜክሲኮ ኣፍሊጡ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ዋዕላ መራሕቲ ሰሜን ኣመሪካ ንምክያድ ናብ ሜክሲኮ ክበጽሕ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
