እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መንግስቲ ፈደራል ኣብ ክልላት ጣልቃ ክኣቱ ዘኽእሎ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ እንታይ ይብል?
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልላት ዝጣየሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ንኽልተ ግዜ በብኽልተ ዓመት ክናዋሕ ዘኽእል ኣዋጅ ኣጽዲቑ።
እቲ ባይቶ፡ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ መበል 22 ስሩዕ ኣኼባ እዩ ነዚ ኣዋጅ ከጽድቕ ክኢሉ ዘሎ።
እቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ስራሕ ዝነበረ ኣዋጅ ቍጽሪ 359/ 1995፡ በዚ ሓድሽ ኣዋጅ ተተኪኡ ቍጽሪ 1373/2017 ኰይኑ ጸዲቑ።
እቲ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ስልጣን ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ዝነበረ ጻንሒት ክልላዊ ምምሕዳራት ናይ ምንዋሕ ሓላፍነት ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ፌደሬሽን ዝህብ እዩ።
እቲ ሎሚ ናብቲ ባይቶ ዝቐረበ ኣዋጅ፡ ናይ ስልጣን ግዜኡ ዘብቅዐ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ንተወሳኺ ክልተ ዓመት ክናዋሕ ዝገብር'ዩ።
እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ብ2015 ዓ.ም [ኣ.ግ] ብዝወጽአ መጣየሲ ሕጊ ከም ዝተመስረተ ይፍለጥ።
እዚ ነቲ ምምሕዳር ክቐውም ዝገበረ መምርሒ ድማ ቅድሚ ኣስታት 22 ዓመት ዝጸደቐ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ውሽጢ ክልላት ኢዱ ንኽእቱ ዘፍቅድ ኣዋጅ መሰረት ዝገበረ'ዩ ነይሩ።
እዚ መመሓየሺ ኣዋጅ ድማ፡ መንግስቲ ፈደራል ብሰለስተ ምኽንያታት ጥራሕ ኣብ ውሽጢ ክልላት ኢዱ ከእቱ ከም ዝኽእል ይድንግግ።
እቲ ብቐዳምነት ዝጠቕሶ ምኽንያት ድማ ኣብቲ ክልል ዝፍጠር ጸገም ጸጥታ ኰይኑ፡ መንግስቲ ፈደራል ካብ ምምሕዳር እቲ ክልል ሕቶ ክቐርበሉ ይኽእል ይብል።
ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ክልል ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እንተ ተፈጺሙን መንግስቲ እቲ ክልል ኣብ ቍጽጽር ከውዕሎ እንተ ዘይክኢሉን፡ መንግስቲ ፈደራል ጣልቃ ይኣቱ።
ኣብቲ ኣዋጅ ዝተጠቕሰ ሳልሳይ ምኽንያት፡ ከም "ብዕጥቂ ዝተደገፈ ምንቅስቓስ ዓመጽ፡" እንተ ኣልዩ እቲ ተግባር ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን ዝኽሰት "ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ኣብ ሓደጋ" ምስ ዝወድቕ እዩ።
በዞም ምኽንያታት ናብ ክልላት ዝኣቱ መንግስቲ ፈደራል፡ "ላዕለዋይ ፈጻሚ ሕጊ እቲ ክልል ብምእጋድ፡ ንመንግስቲ ፈደራል ተጸዋዒ ዝዀነ ግዝያዊ ምምሕዳር፡" ከቕውም ይኽእል።
በዚ መልክዑ ዝቐውም ግዝያዊ ምምሕዳር ድማ ልዕሊ ክልተ ዓመት ከም ዘይጸንሕ እቲ ኣዋጅ ይድንግግ።
ባይቶ ፈደረሽን፡ ዕምሪ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ምንዋሕ "ኣድላዪ'ዩ፡" ኢሉ እንተ ኣሚኑ፡ "ንኣስታት ሽዱሽተ ወርሒ" ዝኸውን ከናውሖ ይኽእል።
እቲ ሎሚ ዝጸደቐ ኣዋጅ ድማ ጻንሒት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልተ ግዜ ንኽናዋሕ ዘኽእል ኰይኑ ኣሎ።
እቲ ኣዋጅ ስልጣን ባይቶ ፈደረሽን ንኣፈ ጉባኤ እቲ ፌደሬሽን ዝሃበ ኰይኑ፡ እዚ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዴደራል ስሩዕ ጉባኤ ኣብ ዘካይደሉ ዋን ቀሪቡ ክጸድቕ ይግባእ።