እስራኤል-ቓዛ፡ ኣመሪካ ንዓለማዊ ጻውዒት ተዅሲ ደው ምባል ነጺጋ

Published

ኣመሪካ፡ ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጤማዊ ጕጅለ ሓማስን ተዅሲ ደው ክብል ዝቐረበ ዓለማዊ ጻውዒት "ኣብዚ ሕጂ እዋን ቅኑዕ ምላሽ ኣይኰነን” ብምባል ነጺጋቶ።

ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ድሕነት ጆን ኪርቢ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ክንድኡ ኣብ ውሽጢ ቓዛ ሓገዝ ንኽበጽሕ ሓሳብ ኣቕሪቡ።

ኣብዚ እዋን ን2.2 ሚልዮን ነበርቲ ቓዛ፡ ቀረብ መግቢ፡ ማይ፡ ነዳዲን መድሃኒትን ኣዝዩ ብዘስግእ ደረጃ፡ ትሑት እዩ ዘሎ።

እስራኤል ግን ሓማስ ክሳብ ዝጠፍእ ‘ተዅሲ ደው ምባል’ ከምዘይህሉ ገሊጻ ኣላ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ፡ "ጻውዒታት ተዅሲ ደው ምባል፡ እስራኤል ንሓማስ ኢዳ ክትህብ፡ ንሽበራ ኢዳ ክትህብ ዝቐርብ ጻውዒት'ዩ፤ እዚ ኸኣ ኣይክኸውንን'ዩ" ኢሉ።

ሚስተር ኪርቢ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺኡ፡ ተወሳኺ መካይን ረድኤት ብግብጺ ኣቢለን ናብ ቓዛ ክኣትዋ ምዃነን ርግጸኛ ኰይኑ እዩ ገሊጹ።

ኣመሪካ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዶብ ዝሰግራ ናይ ጽዕነት መካይን ናብ ከባቢ 100 ክብ ክብል ምስ መንግስቲ እስራኤል ከምዝተዘራረበት’ውን ሓቢሩ።

ብሰንበት፡ ኣስታት 45 መካይን ጽዕነት ብኣፍደገ ራፋ ግብጺ ኣቢለን ናብ ቓዛ ከምዝኣተዋ ሚስተር ኪርቢ ገሊጹ፤ እንተዀነ፡ ልዕሊ'ዚ ከምዘድሊ ተዛሪቡ።

"እዚ፡ ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ እዋን ጽቡቕ ምምሕያሽ ዘርኢ እንተዀነ’ኳ፡ ሕጂ'ውን እኹል ከምዘይኰነ ንፈልጥ ኢና" ክብል ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ተዛሪቡ።

ኮሚሽነር ጀነራል ትካል ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ዩኤንኣርዋ፡ ፊሊፕ ላዛሪኒ፡ ኣቐዲሙ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ መዓልታዊ ኣስታት 500 ናይ ጽዕነት መካይን ናብ ቓዛ ይኣትዋ ከምዝነበራ ኣዘኻኺሩ።

እስራኤል፡ ነቲ 1400 ሰባት ዝቐተለን 229 ሰባት ጅሆ ክተሓዙ ዝገበረን መጥቃዕቲ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ብነፈርቲ ክትድብድ ቀንያ ኣላ።

እስራኤል፡ እዚ ሕነ-ምፍዳይ ደብዳባት ካብ እትጅምር ንደሓር፡ ኣብ ቓዛ ልዕሊ 8300 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ሓቢሩ።

ጀነራል ቆንስል እስራኤል ኣብ ማእከላይ ምዕራብ ዪናም ኮሀን ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓንቲ ብሓማስ ጅሆ ተታሒዛ ዝቐነየት፡ ናታሊ ራኣናን ዝተበሃለት ጓል ኣንስተይቲ ናብ ዓዳ ናብ ቺካጐ ተመሊሳ ኣላ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ቅልጡፍ ሰብኣዊ-ተኹሲ-ደው ምባል ክግበር ብዓብላልነት ጸዊዑ፤ እንተዀነ እስራኤል ሕርቃን ብዝመልኦ መገዲ ነጺጋቶ።

ሚስተር ላዛሪኒ ብሰኑይ፡ እቲ ሓገዝ ዝቐርበሉ ስርዓት "ቀረብ ትርጕም ዘለዎ ንምግባር ፖለቲካዊ ድሌት እንተዘይሃልዩ፡ ምስቲ ተፈጢሩ ዘሎ ተራእዩ ዘይፈልጥ ጠለብ ሰብኣዊ ረድኤት ክፈሽል'ዩ” ኢሉ።

እስራኤል ነቲ ሚስተር ነታንያሁ "ካልኣይ ደረጃ" ዝበሎ ንሓማስ ንምጥፋእ ዝዓለመ ኲናት ትማሊ ሰኑይ ጀሚራቶ ኣላ።

ድሕሪ ናይ ሰለስተ ሰሙን ጽዑቕ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ሓይልታት-ምድሪ እስራኤል ኣብ ውሽጢ ቓዛ ወተሃደራዊ ወፍርታት ኣስፊሖም ኣለዉ።