ኢትዮጵያ፡ ኣየርላንድ 'ኣንጻር ልኡላውነተይ ተንቀሳቒሳ' ክትብል ከሲሳ

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ደመቀ መኮንን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኢትዮጵያ፡ ምስ’ቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ኲናት ትግራይ ብዝተኣሳሰር፡ ኣየርላንድ ንልኡላውነታ ዝጻባእ ተግባራት ትፍጽም ከምዘላ ዝገልጽ፡ ናይ መጠንቀቕታ ደብዳበ ናብ መንግስቲ እታ ሃገር ጽሒፋ ኣላ።

ብመሰረት ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር፡ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ደመቀ መኮነን ንኣየርላንዳዊ መዘንኡ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ "ትጽቢት ዘይተገበረሉ መጥቃዕቲ ፈጺማ" ክብል ከሲሱ።

ምስ’ቲ ኲናት ብዝተኣሳሰር፡ ኣየርላንድ "ኣብ ባይቶ ጸጥታ ዘለዋ መንበር ተጠቒማ ንህወሓት ብምድጋፍ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ክፍጠር ትሰርሕ ኣላ" ክብል እቲ ደብዳበ ወሲኹ ይኸስስ።

እታ ኣውሮጳዊት ሃገር፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት  ነቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ክዘራረበሉ ብተደጋጋሚ ካብ ዝሓተቱ ሃገራት ኣብ ቅድሚት ትስራዕ።

ኢትዮጵያ፡ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብዛዕባኣ ክተማርር ከም ዝጸንሐት ዝገለጸ፡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ሬድዋን ሑሴን፡ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ ሓሳብ፡ "ኣብዚ ሰሙን'ዚ ንመንግስቲ ኣየርላንድ ወግዓዊ መጠንቀቕታ ጽሒፋ" ኢሉ። ሰማዒ ከምዘይረኸቡ'ውን ገሊጹ።

እቲ ደብዳበ፡ ናብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ምክልኻልን ኣየርላንድ ሳይሞን ኮቪኒን እዩ ተላኢኹ።

እቲ ሕዚ ዝተጽሓፈ ደብዳበ፡ ኣየርላንድ "ኣብ ልዕሊ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ትፍጽሞ ካብ ዘላ መጥቃዕቲ ክትቁጠብ" ኢትዮጵያ ኣቐዲማ ንዘቕረበቶ ጻውዒት ኣየርላንድ ጸማም እዝኒ ከምዝሃበቶ ይኸስስ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣየርላንድ ርክብ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ከይመሓየሽ ዕንቅፋት ትኸውን ኣላ ክብል ከሲሱ።

ኣብ ቀረባ እዋን፡ ባይቶ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ንኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ተሪር ውሳነ ሓሳብ ምጽዳቑ ዝዝከር እዩ።

ብዛዕባ እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተጻሕፈ ናይ መጠንቀቕታ ደብዳበን ዝቐረበ ክስታትን ኣመልኪታ፡ ኣየርላንድ ክሳብ ሕጂ ዝሃበቶ ወግዓዊ ምላሽ የለን።

ኣየርላንድ፡ ከም ሓንቲ ኣባል ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ጉዳይ ኲናት ትግራይን ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኣመልኪቱ፡ ክዝቲ ብተደጋጋሚ ካብ ዝሓታ ሃገራት ሓንቲ እያ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ'ውን ኣብ ልዕሊ ኣየርላንድ ቅረታ ከስምዕ ሕዚ እዚ ናይ መጀመርታኡ ኣይኮነን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሕዳር፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ዲፕሎማሰኛታት እታ ሃገር ስጉምቲ ከምዝወሰደ ዝዝከር እዩ።

ኣብቲ እዋን፡ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ፡ ኣርባዕተ ኣየርላንዳውያን ዲፕሎማሰኛታት ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ከምዘይብሎምን ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ካብታ ሃገር ክወፁ ከምዘለዎምን ኣፍሊጡ ነይሩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣየርላንድ፡ ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ ስጉምቲ፡ ብምኽንያት "ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ብዝምልከት፡ ኣየርላንድ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ዓለማዊ መድረኻትን ብሰንኪ ዝሓዘቶ መርገጺ'ዩ" ኢሉ ነይሩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሳይሞን ኮቨኒ፡ ስጉምቲ ኢትዮጵያ ከምዘሕዘኖ ብምግላጽ፡ "ባይቶ ጸጥታ ሓዊሱ መርገጺ ኣየርላንድ ምስ ቅዋም ሕብረት ኤውሮጳ ዝሳነ'ዩ" ምባሉ ይዝከር።