ካሪም ቤንዚማ ተዓዋቲ ሽልማት ባሉን ዶ'ር ኰይኑ

በንዚማን ዚዳንን
Published

ኣጥቃዓይ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳን ጋንታ ሪያል ማድሪድን ካሪም ቤንዚማ፡  ንፈለማ እዋን ተዓዋቲ ንብሉጽ ተጻዋታይ እዚ ዓመት ዝወሃብ ሽልማት ባሉን ዶ'ር ኰይኑ።

ባንዜማ፡ ኣብ 46 ግጥማት 44 ሸቶታት ብምቑጻር ጋንትኡ ሪያል ማድሪድ፡ ኣብ 2021-22 ተዓዋቲት ቻምፒዮንስ ሊግን ላ ሊጋን ክትኸውን ዓብዪ ግደ ተጻዊቱ'ዩ።

ንዝሓለፉ 13 ሽልማታት ባሉን ዶ'ር፡ ሊዮነል መሲ ሸውዓተ ግዘ፡ ክርስትያኖ ሮናልዶ ሓሙሽተ ግዘ ተዓዊቶምሉ።

ኣብ 2021-22 ምስ ጋንታ ሊቨርፑል ዝጸንሐ ተጻዋታይ ባየር ሙኒኽ ሳዲዮ ማነ፡ ንተጻዋታይ ጋንታ ማንችስተር ሲቲ ኬቨን ዲ በሩይነ ብምቕዳም ካልኣይ ደረጃ ሒዙ ኣሎ።

ኣብ ምድብ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ተጻዋቲት ጋንታ ባርሰሎና ኣሌክሳ ፑቴላስ ተዓዋቲት ባሉን ዶ'ር 2022 ኰይና፡ተዓዋቲት ኢንግላንድ ዩሮ 2022 ዝዀነት ተጻዋተቲት ጋንታ ኣርሴናል ቤት ሚያድ ካልኣይ ደረጃ ሒዛ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ሽልማት ብሽዱሽተ ምድብ ዝተሓረየት ሻምፒዮና ፕሪሚየርሊግ ማንችስተር ሲቲ፡ ንሊቨርፑል በሊጻ ሽልማት ጋንታ እዚ ዓመት ወሲዳ።

ሽልማት ባሎን ዶ’ር፡ ዓመታዊ ንብሉጽ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ዝወሃብ እዩ።

ድሕሪ 1998 ንፈረንሳዊ ተጻዋታይ ዝተውሃበ ሽልማት

ዝነዲን ዚዳን ኣብ 1998 ንሽልማት ባሉን ዶር ካብ ዝዕወተሉ ንደሓር፡ ካሪም ቤንዚማ ነዚ ሽልማት ዝወሰደ ፈላማይ ፈረንሳዊ ኰይኑ ኣሎ።

ዚዳን እውን ነቲ ሽልማት ከበርክተሉ ኣብቲ መድረኽ ተረኺቡ።

"እዚ ኣብ ቅድመይ ዘሎ ሽልማት፡ ኩርዓት ክስመዐኒ ዝገብር እዩ" ኢሉ ቤንዚማ ታሕጓሱ እንትገልጽ።

"ናይ ቁልዕነት ሕልመይ እዩ ነይሩ፤ ተስፋ ኣይቆረጽኩን። ኩሉ ይከኣል እዩ።በቲ ኣብዚ ዝበጻሕኩሉ ጉዕዞ ብሓቂ እኾርዕ፤ ቀሊል ኣይነበረን። ንቤተሰበይ እውን ከቢድ እዋን ነይሩ" ኢሉ።

ቤንዚማ ብዙሕ ድምጺ ብርካብ እዩ ብሉጽ ተጻዋታይ እዚ ዓመት ኮይኑ።

ቤንዚማ ዘቑጸረን 44 ሸቶታት፡ ጋንትኡ ምስ ፓሪስ ሴንት ጀርመይን ኣብ ዝተጻወተትሉ ውድድር ሻምፒዮን ሊግ፡ ኣብ ቀዳሞት 17 ደቓይቕ ካልኣይ እግሪ እቲ ጸወታ ዘመዝገበን ሰለስተ ሽቶታትን (ሃትሪክ) ኣብ ልዕሊ ቼልሲ ዘመዝገበን ተመሳሰልቲ ሸቶታትን ዝሓወሳ እየን።

ካብ 2009 ጀሚሩ ንጋንታ ሪያል ማድሪድ ዝጻወት ዘሎ እቲ ወዲ 34 ዓመት፡ ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ 20 ሕዳር ኣብ ቀጠር ዝጅመር ግጥም ዋንጫ ዓለም ንሃገሩ ወሳናይ ኣበርክቶ ክህልዎ ትጽቢት ይግበር።