ሰራዊት ሚያንማር ንኣርባዕተ ነጠፍቲ ብሞት ቀፂዑ

Published

ሰራዊት ሚያንማር ንዲሞክራሲ ዝሕለቑ  ሓደ ኣባል ባይቶ ነበር ዝርከቦም ኣርባዕተ ነጠፍቲ ከምዝረሸነ ተገሊፁ።

እዚ ናይ ሞት ቅፅዓት ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ንፈለማ እዋን ዝተፈፀመ እዩ ተባሂሉ።

ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ጉዳይ እዞም ነጠፍቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዕፁው መጋባእያ ምብያኑ፡ ኢ-ፍትሓውን ግልፅነት ዝጎደሎን እዩ ብምባል ተማጕቶም ነይሮም።

በዓል ሞያ ሕጊ ፍዮ ዜያ ታው፣ ፀሓፊ ኮ ጂሚ፣ ህላ ምዮን ኣንግ ቱራ ዛውን ዝተብሃሉ ተሓለቕቲ ዲሞክራሲ፡ “ገበን ራዕዲ ፈፂምኩም” ብዝብል እዮም ተኸሲሶም ነይሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እታ ሃገር፡ እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ተግባራዊ ከምዝኸውን ምስ ኣፍለጠ፡ ኣዘራራቢ ዓለም ኮይኑ ነይሩ።

ወተሃደራዊ ምምሕዳር ሚያንማር፡ ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት 2021 ኣብ ልዕሊ መራሒት እታ ሃገር ኣንግ ሳን ሱቺ ዕልዋ መንግስቲ ብምክያድ እዩ ስልጣን ሒዙ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብታ ሃገር ዝተልዓለ ሰፊሕ ተቓውሞ፡ በቲ ወተሃደራዊ ክንፊ ተገቲኡ።

ነቲ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ስዒቡ ዝተጣየሸ ፓለቲካዊ ውድብ፡ ነዚ ቅፅዓት ሞት ከምዝቃወም ኣፍሊጡ።

እቲ ውድብ ተሓለቕቲ ዲሞክራሲ፣ ናይ ዝተፈላለዩ ብሄራት መራሕቲ ቃልሲ ከምኡ እውን ቅድሚ ሕዚ ኣባላት ገዛኢ ውድብ ዝነበሩ ዝሓቖፈ እዩ።

ልሳን መንግስቲ ዝኾነ ቴሌቬዥን፡ ኣርባዕቲኦም ሰባት፡ “ኣንፈት ብምሃብ፣ ምስ ካልኦት ብምትሕብባር ጨካን ግብረ ራዕዳዊ መጥቃዕቲ ንምፍፃም ተሊሞም ነይሮም” ብምባል፡ ብሞት ከምዝተቐፅዑ ፀብፂቡ።

እቲ ተሌቬዥን ኣርባዕቲኦም ነጠፍቲ ብመሰረት ሕጊ ፀረ-ራዕዲ ብሞት ከምዝተቐፅዑ እኳ እተፀብፀበ፡ ዝተቐተልሉ ቦታ ካብ ምግላፅ ግና ተቖጢቡ።

ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሚያንማር ንመወዳእታ ግዘ ብ1988 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን እዩ ናይ ሞት ፍርዲ ተፈፂሙ።

ቅድሚ ሕዚ ሚያንማር፡ ናይ ሞት ቅፅዓት ብማሕነቕቲ እያ ተግባራዊ ትገብር ነይራ።

ስድራ ግዳያት፡ ኣብ መእተዊ እቶም ዝተቐተሉ ስድርኦም ተኣሲሮምሉ ኣብ ዝነበርሉ ቤት ማእሰርቲ ደው ኢሎም ይፅበዩ ከምዘለዉ ተገሊፁ።

ካብ ስድራ እቶም ግዳያት ንነጣፊ ፍዮ በዓል እንድኡ፡ ሰብኣያ ብሞት ከምዝቕፃዕ ከምዘይተነገራ ሓቢራ።

ወዲ 41 ዓመት ፍዮ፡ ኣባል ገዛኢ ውድብ ኤንኤልዲን ፈታዊ ሳን ሱቺን እዩ ነይሩ።

ናብ መድረኽ ፖለቲካ ቅድሚ ምፅንባሩ ናይ ሂፕሆፕ ድምፃዊ ዝነበረ ፍዮ፡ ብግጥምታቱ ፀረ ወተሃደራዊ መልእኽትታት ብምትሕልላፍ ይፍለጥ።

ወዲ 53 ዓመት ኮ ጂሚ ድማ  ናይ ሓደ ንዲሞክራሲ ዝሕለቕ ምንቅስቓስ ኣባል እንትኾን፡ ንወተሃደራዊ ስርዓት ሚያንማር ብምቅዋም ይፍለጥ።

ብዛዕባ እቶም ዝተረፉ ክልተ ግዳያት ብዝርዝር ዝፍለጥ ነገር የለን።

ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ፡ ነቲ ቅፅዓት ሞት “ብህይወት ናይ ምንባር መሰል፣ ነፃነትን ደሕንነት ውልቀሰብን ዝገሃሰ” ክብል ኮኒንዎ።

እቲ ወተሃደራዊ ክንፊ፡  ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ሓይልታትን ተቓወምቲ ውድባትን ዝወስዶ ስጉምቲ ኣጠናኺሩ ቀፂልሉ ኣሎ።

ኣብ ልዕሊ እታ መራሒት ሚያንማር ዝነበረት ኣንግ ሳን ሱቺ ዝቐረበ ክሲ ብመሰረት ሕጊ እታ ሃገር ክሳብ 150 ዓመት ማእሰርቲ ከቕፅዕ ዝኽእል እዩ።

ኣብታ ሃገር ዕልዋ መንግስቲ ካብ ዝካየድ ንነዘ፡ 14 ሽሕን 847 ሰባት ከምዝተኣሰሩን 2114 ሰባት ከምዝተቐተሉን  ይግለፅ።