ኣብ 16 ከተማታት ኢጣልያ መጠንቀቕታ ተዋሂቡ

Published

ደቡባዊ ኣውሮጳ ብብርቱዕ ሙቐት ኣብ ዝጽለወሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ መላእ ኢጣልያ ኣብ ዝርከባ 16 ከተማታት ተሪር መጠንቀቕታ ተዋሂቡ።

'ተሪር መጠንቀቕታ' ንጥዑያት ሰባት ከይተረፈ ሓደጋታት ዘመልክት እዩ፤ እቲ መጠንቀቕታ ንዝቕጽሉ መዓልታት ኣብ ሮማ፣ ፍሎረንስ፣ ቦሎኛን ካልኦት መስሕብ በጻሕቲን ዝምልከት እዩ።

መንግስቲ ኢጣልያ ኣብተን መጠንቀቕታ ዝተወሃበለን ከባቢታት ዝርከቡ ነበርቲ ካብ ቀጥታዊ ብርሃን ጸሓይ ክርሕቑን፡ ከምኡ’ውን ንኣረጋውያን ወይ ተቓላዕቲ ሰባት ፍሉይ ክንክን ክገብሩን መኺሩ።

ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ኤውሮጳ ዝያዳ ልዑል ሙቐት ክህሉ ትጽቢት ይግበር።

እዋናት ብርቱዕ ሙቐት ኣብ ውሽጢ ተፈጥሮኣዊ ኵነታት ኣየር ዝኽሰት’ኳ እንተዀነ፡ ብዓለም ደረጃ ግን ብሰንኪ ምውሳኽ ሙቐት ዓለም ዝደጋገም፡ ዝያዳ ጽዑቕን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕን እናዀነ ይመጽእ ኣሎ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ግሪኽ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት 40 ዲግሪ ሰልሽየስ ወይ ልዕሊኡ ዝዀነ ሙቐት ኣጋጢምዋ ኣሎ። ኣብ ኣቴንስ ዝርከብ ኣክሮፖሊስ ዝተበሃለ ኣብታ ሃገር ዝበዝሐ ተፈታዊ መስሕብ በጻሕቲ፡ ዓርብን ቀዳምን ልዑል ዋዒ ኣብ ዘለዎም ሰዓታት ተዓጽዩ ነይሩ።

ቀይሕ መስቀል ንበጻሕቲ ጽላል ማይን ቀዳማይ ረድኤትን ክህብ ጸኒሑ እዩ።

ብፍላይ ኣብ ብርቱዕ ንፋስ ዘለዎም ከባቢታት ዝያዳ ሓደጋ ባርዕ ጫካ ከይፍጠር ስግኣት ኣሕዲሩ ኣሎ።

ግሪኽ ኣብ 2021 ብሰንኪ ፍሉይ ማዕበል ሙቐት ዓቢ ባርዕ ጫካ ኣጋጢምዋ ከም ዝነበረ ይዝከር።

ልዑል ሙቐት ናብ ማእከላይ ክፋላት ኤውሮጳ እውን ይሰግር ኣሎ፤ ጀርመንን ፖላንድን ድማ ካብተን ዝተጠቕዓ ሃገራት እየን።

ቤት ጽሕፈት ሜትሮሎጂ ቸክ ሪፓብሊክ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ሙቐት ልዕሊ 38 ዲግሪ ሰልሽየስ ክበጽሕ ከምዝኽእል መጠንቀቕታ ኣውጺኡ ኣሎ።

ኣብ ገለ ከባቢታት ደቡባዊ ስጳኛ፡ ደቡባዊ ምብራቕ ኢጣልያን ምናልባት’ውን ግሪኽን፡ ሙቐት ክሳብ 47 ዲግሪ ሰልሽየስ ክበጽሕ ትጽቢት ይግበር። ገለ ከተማታት’ውን ቅድሚ ሕጂ ዘይረኣይኦ መጠን ሙቐት ከመዝግባ ተኽእሎ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤውሮጳ ዝረአ ዘሎ ማዕበል ሙቐት፡ ብማሕበር ሜትሮሎጂ ኢጣልያ፡ ብስም እቲ ኣብ ዳንተ ዝጸሓፎ ‘ኢንፈርኖ’ ዘሎ በዓል ሰለስተ ርእሲ ጭራም ‘ሰርቤረስ’ ተባሂሉ ተሰይሙ ኣሎ።

ክኢላታት ትንበያ ኵነታት ኣየር ኢጣልያ፡ እቲ ዝቕጽል ማዕበል ሙቐት ኣብ ዝመጽእ ሰሙን፡ ልዕሊ 40 ዲግሪ ሰልሽየስ ክበጽሕ ከም ዝኽእል የጠንቅቑ ኣለዉ። እዚ ቀጻሊ ማዕበል ሙቐት ብስም እቲ ኣብ ጽውጽዋይ ግሪኽ፡ ነፍሳት ናብ ትሕቲ መሬት ዘብጽሕ መራሕ ጃልባ ‘ካሮን’ ተባሂሉ ተሰይሙ ኣሎ።

ኣብ ገለ ክፋል ኣሜሪካ፣ ቻይና፣ ሰሜን ኣፍሪቃን ጃፓንን እውን ማዕበል ሙቐት ይረአ ከም ዘሎ ይግለጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ወርሒ ሰነ ካብ ዝተመዝገቡ ዝዛይድ ሙቐት ምንባሩ ኣገልግሎት ምክትታል ክሊማ ሕብረት ኤውሮጳ ኮፐርኒከስ ይገልጽ።