ኮንፈደሬሽን ማሕበራት ሸቃሎ ኢትዮጵያ ሰልፊ ከይገብር ከምዝተኸልከለ ኣፍሊጡ

Published

ኮንፈደሬሽን ማሕበራት ሸቃሎ ኢትዮጵያ፡ ዓለማዊ መዓልቲ ሸቃሎ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምኽባር ዝሓዞ መደብ ብዘጋጠሞ ምኽልካል ከም ዝሰረዞ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮንፈደሬሽን በብዓመቱ 1 ግንቦት ዝኽበር ዓለማዊ መዓልቲ ሸቃሎ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ጨንፈራቱ ኣብ ዝርከብሉ ክፋላት እታ ሃገርን ንምኽባር ትልሚ ከም ዝነበሮ ገሊፁ።

እንተኾነ እቲ ምድላው ብሰብመዚ እታ ከተማ ከም ዝተኸልከለ ዝሓበረ ኰይኑ፡ ፖሊስ ብወገኑ፡ ኣብዚ ዕለት ኣብታ ከተማ ብዛዕባ ዝካየድ ሰልፊ ኰነ ኣኼባ ዝፈልጦ ነገር ከምዘየለ ገሊፁ።

መበል 48 ዓለማዊ መዓልቲ ሸቃሎ ‘ሜይ ደይ’፡ ምላሽ ዝደልዩ ሕቶታት ሸቃሎ እታ ሃገር እዮም ዝበሎም ብምልዓል ንምኽባር ትልሚ ሒዙ ነይሩ።

ነዚ ድማ ኮንፈደሬሽን ማሕበራት ሸቃሎ ኢትዮጵያ ነዚ በዓል ንምኽባር ቅድመ ምድላው ክገብር’ኳ እንተፀንሐ፡ ንሎሚ ሰኑይ 1 ግንቦት 2023 ኣብ ከተማ ኣዲስኣበባ መስቀል ኣደባባይ ከካይዶ ዝሓዞ መደብ ከም ዝሰረዞ ገሊፁ።

እቲ ኮንፈደሬሽን ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ቢሮ ፀጥታ ከተማ ኣዲስ ኣበባ “ስለ ዝኸልከለና፡ እቲ መደብ ንምስራዝ ተገዲድና” ክብል ኣፍሊጡ።

እዚ ኮንፈደሬሽን፡ ብቀንዱ ወሰኽ መሃያ ሰራሕተኛታት ክግበር፣ ትሑት ክፍሊት ሸቃሎ ክስተኻኸልን ክውሰንን ብሰላማዊ ሰልፊ ክሓትት ተሊሙ ነይሩ።

ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ፖሊስ ኰነ ኣካላት ምምሕዳር ዝፈልጥዎ ንዓለማዊ መዓልቲ ሸቃሎ ምኽንያት ብምግባር ዝተዳለወ ኣኼባ ከም ዘየለ ገሊፁ።

ስለዝኾነ ድማ ሎሚ ሰኑይ 1 ግንቦት 2023፡ “ዝኾነ ዓይነት ኩነታት ወይ ሰልፊ ከምዘየለ” ከፍልጥ እንከሎ፡ “ሕጊ ናይ ምኽባር ተግባሩ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል” ኣፍሊጡ።

ዓለምለኻዊ መዓልቲ ሸቃሎ- 'ሜይ ደይ' በብዓመቱ ባሕቲ ግንቦት (23 ሚያዝያ ኣቆፃፅራ ግእዝ)፡ ኣብ መላእ ዓለም ሕቶታት መሰል ሸቃሎ ብምልዓል፡ ብሰልፍታትን ዝተፈላለዩ ምድላዋትን ይኽበር።

እዚ ዕለት ኣብ 80 ሃገራት፡ ሃገራዊ በዓል ኰይኑ ዝኽበር ኮይኑ፡ ስሩዕ ስራሕ እውን ዕፁው ኰይኑ ይውዕል።