እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ቦርድ መረጻ ኢዱ ንምእታው ዝኸዶ ዘሎ ርሕቀት ንሃገር ኣይጠቅምን' - ህወሓት
ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ነቲ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ቅድሚ መዓልታት ዘሕለፎ ውሳነ ነጺጉ።
ኣብ ውሽጣዊ ቅልውላው ተሸሚሙ ዘሎ ህወሓት ኣብ ውሽጢ ሽድሽተ ወርሒ ኣፍልጦ ዘለዎ ጠቕላላ ጉባኤ ከካይድ ብዘይምኽኣሉ፡ 'ሕጋዊ ጥሕሰት ፈጺሙ' ብዝብል ንሰለስተ ወርሒ ዝዀነ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ከይገብር በቲ ቦርድ ከም ዝተኣገደ ይዝከር።
ነዚ ውሳነ ስዒቡ ብዓርቢ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ "ህወሓት ዝተሰረዘ ሕጋዊ ሰብነቱ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ናብ ዝነበሮ ክምለሰሉ'ምበር፡ ከም ሓድሽ ውድብ ኰይኑ ክምዝገብ ሓቲቱ ኣይፈልጥን፡" ኢሉ።
ምጅማር ኲናት ትግራይ ስዒቡ፡ 'ኣብ ጐነጻዊ ምንቅስቓስ ተሳቲፉ' ብዝብል፡ ካብ ሕጋዊ ፖለቲካዊ ውድብ ተሰሪዙ ዝጸንሐ ህወሓት፡ ብመሰረት ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ፡ ኣብ ነሓሰ 2016 (ግእዝ) ከም ሕጋዊ ውድብ ተመዝጊቡ።
ሰላማዊ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ክገብርን ሕጋዊ ኣፍልጦ ዘለዎ ጠቕላላ ጉባኤ ከካይድን ካብቲ ቦርድ ተኸታተልቲ ደብዳበታት ከም ዝተጸሓፎ ዝዝከር እዩ።
እንተዀነ፡ ህወሓት ኣብ ውሽጢ ዝቕጽሉ ሰለስተ ኣዋርሕ "ኣራሚ ስጕምቲ" እንተ ዘይወሲዱ፡ እቲ ቦርድ ምዝገባ እቲ ውድብ ንሓዋሩ ክስርዝ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ኣሎ።
ከም ሓድሽ ውድብ ምምዝጋብ ዝብል ቀደሙ'ውን ዘይሓተቶን ዘይተቐበሎን ከም ዝነበረ ዘዘኻኸረ መግለጺ እቲ ውድብ፡ "ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ሰረዞ ኣይሰረዞ ካብ መፈለምትኡ እውን ሕጋዊ ቅቡልነት ስለ ዘይነበሮ፡ ትርጕም ሕጊ ዘለዎ ኣይኰነን፡" ክብል ነቲ መጠንቀቕታ ነጺጉ።
ጉዳይ ምምላስ ሕጋዊ ሰብነት ብዝርርብ ንምፍታሕ ምስ መንግስቲ ፈደራል ጻዕሪ ክገብር ምጽንሑን ካብ ክልቲኡ ወገን ዝተወከለ ጕጅለ ተጣይሹ ኣብ 'ጽቡቕ ዝበሃል ምርድዳእ ከም ዝተበጽሐን' እቲ መግለጺ የመልክት።
"እዚ ኣብ ዝግበረሉን ምንም ዓይነት ሕጋዊ ርክብ ኣብ ዘይተመስረተሉን ኵነታት፡ ቦርድ መረጻ ኣብ ጉዳይ ህወሓት ኢዱ ንምእታው ዝኸዶ ዘሎ ርሕቀት ሕጋዊ ከም ዘይኰነን ንሃገርን ህዝብን ከም ዘይጠቅምን ህወሓት ግልጺ ይገብር፡" ክብል እውን ኣፍሊጡ።
ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ፈደራልን ዘሎ ርክብ ብመሰረቱ 'ጉዳይ ስምምዕ ፕሪቶርያን ፖለቲካን' ከም ዝዀነ ብምጥቃስ፡ "ዝዀነ ይዅን ኣካል ናብ ቴክኒካዊ ጉዳይ ኣውሪዱ ኢድ ብምእታው ክበላሾ እንተ ደኣ ገይሩ፡ ተሓታቲ ባዕሉ'ምበር ንህወሓት ከም ዘይምልከትን ንመወዓዕልትና መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰብ ብጽሒትን ግልጺ ንገብር፡" ኢሉ።
ብተወሳኺ'ውን፡ ኣብ ትግራይ ዝተመርጸ መንግስቲ ንኽህሉ ዘኽእል ስራሕ ብዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብህጹጽ ክፍጸም ጸዊዑ።
ብደብrጽዮን ገ/ሚካኤል [ዶ/ር] ዝምራሕ ጉጅለ ህወሓት፡ ብናይ ባዕሉ ሓፈሻዊ ኮሚሽን ቍጽጽር ኰነ ብቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ዘይረኸበ ጠቕላለ ጉባኤ ኣብ 13 ነሓሰ 2017 ዓ.ም [ግእዝ] ምክያዱ ይዝከር።
ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ እቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ሕጋዊ ረቛሕታት ዘየማልአን፡ ግቡእ መስርሕ ዘይተኸተለን ምዃኑ ብ6 ለካቲት ኣብ ዝዘርግሖ ውሳነ ደጊሙ ብምርግጋጽ፡ እቲ ውድብ ኣብ ውሸጢ ሰለስተ ወርሒ ጌጋኡ ኣሪሙ ደብዳበ ክጽሕፍን፡ ተዓዘብቲ እቲ ጉባኤ ኣብ ዝተረኽብሉ ሕጋዊ ጠቕላላ ጉባኤ ከካይድን ወሲኑ ኣሎ።
እቲ ውድብ ጥሕሰታቱ ኣሪሙ፡ ንደንብታት፡ ውሳነታትን ትእዛዛትን ቦርድን ኣኽቢሩ፡ ጉባኤ ንኽካየድ ዘድሊ ምድላዋት ንቦርድ ብጽሑፍ ምስ ሓበረ ጥራሕ፡ እዚ እገዳ ክለዓል ከም ዝኽእል'ውን እቲ ቦርድ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ኣፍልጦ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ዝሰኣነ ጉባኤ ህወሓት፡ ነቶም ንዓርሶም ዘግለሉ፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝርከቦም ኣባላት ማእከለይ ኮሚቴ ካብ ኣባልነት ብምእጋድ፡ ሓደስቲ መራሕቲ መሪጹ ዛዚሙ ነይሩ።
እቲ ኣብ መንጎ ብደብረጽዮን ገ/ሚካኤልን [ዶ/ር] ኣቶ ጌታቸው ረዳን ዝምርሑ ክልተ ጉጅለታት ህወሓት፡ ጉባኤ ዘካየደን ዘየካየደን ብዝብል ዝቐጸለ ፖለቲካዊ ወጥሪ እናዓረገ ዝመጽአ ኰይኑ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተመታት ትግራይ ክልቲኦም ክንፊታት ነናይ ርእሶም ሹመት ክህቡን ህዝባዊ ግልጋሎት ክሰናኸልን ተስተውዒሉ ጸኒሑ።