ኤርትራ፡ ምስልታት ጽንብል በዓል መስቀል

Published
ንባብ: 1 ደቓይቕ

በዓል መስቀል ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኤርትራ ከምዝተጸንበለ ጸብጻባት ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

ኣብቲ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝተኻየደ ውግዓዊ ስነስርዓት፡ ላዕለዎት መራሕቲ ሃይማኖት፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣመንቲ፡ ሰብመዚን ዲፕሎማሰኛታትን ተረኺቦም ነይሮም።

ጳጳሳት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ነቲ ኣብቲ ቀጽሪ ተዳልዩ ዝነበረ ዳሜራ ወሊዖም።