ስእሊ ሃሪን ሜጋንን ዝወሰደ ትካል ኣሳእል ኣይህብን ኢሉ

ሃሪን ሜጋንን ብሰሉስ ምሸት ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ሽልማት ተዓዲሞም ነይሮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሃሪን ሜጋንን ብሰሉስ ምሸት ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ሽልማት ተዓዲሞም ነይሮም
Published

ኣብቲ መስፍን ሳሰክስን ልእልትን ኣብ ዘስካሕክሕ ሓደጋ መኪና ኣእቲዩዎም ነይሩ ዝተባህለ ሃድን መኪና፡ ስእሊ እቶም ልኡላውያን ስድራቤት ዝወሰደ ትካል፡ እቶም ኣሳእል ኣይህብን ከም ዝበለ ተገሊጹ።

እዚ ዓለምለኻዊ ትካል ዜና ፍሉጣት ሰባት ዝዀነ ባክግሪድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኵሎም አቶም ብሰሉስ ምሸት ኣብ ኒውዮርክ ንነዊሕ ሰዓታት ዝወሰዶም ኣሳእል ክህብ ዝቐረበሉ ሕጋዊ ጠለብ ከም ዝነጸገ ኣፍሊጡ።

ጠበቓታት እቲ ትካል ኣሜሪካውያን፡ ቅድሚ ነዊሕ እዋን “ንጉሳዊ መሰል” ዝነጸጉ እዮም ኢሎም።

ቢቢሲ፡ እቲ ካብ ጕጅለ ሕጊ እቶም ንጉሳውያን ስድራ ቀሪቡ ዝተባህለ ጠለብ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይክኣለን።

ወሃቢ ቃል ልኡል ሃሪን ልእልቲ ሜጋንን እቲ ዳርጋ “ዘስካሕክሕ ሓደጋ መኪና” ኢሉ ዝገለጾ “ብዙሕ ናይ ቀረባ ምግጫው” መኪና ነይርዎ ዝተባህለ ክስተት ዝምልከት ሓበሬታ፡ ብረቡዕ ወግዓዊ ካብ ዝኸውን ንደሓር ንሓድሕዶም ዝጋራጨው ጸብጻባት እዮም ክወጽኡ ጸኒሖም።

ፖሊስ ኒውዮርክ “ብርክት ዝበሉ ሰኣልቲ” እቶም መጻምዲ ብሰሉስ ምሸት ካብ ዝነበረ መድረኽ ሽልማት ወጺኦም ክኸዱ እንከለው፡ ጕዕዞኦም “ኣጸጋሚ” ገይሮምዎ እዮም'ኳ እንተበለ፡ “ምግጫው፡ መጕዳእትን ማእሰርትን” ግን ኣይነበረን ኢሉ።

ዝተወሰነ ርሕቐት ዘንቀሳቐሶም መራሒ መኪና፡ እቲ ወሃቢ ቃል እቶም ልኡላውያን ዝሃቦ ርእይቶ “ዝተጋነነ’ዩ” ክብል እንከሎ፡ ገለ ሰኣልቲ ድማ ንገለ እቲ ዘቕረቦ ክሲ ይነጽጕዎ።

ኣብ ካሊፎርኒያ ማእከሉ ዝገበረ ትካል ስእሊ ምዝንጋዕ (ኢንተርተይንመንት) ዝዀነ ባክግሪድ፡ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ካብ ጠበቓታት ሳሰክስ ደብዳበ ከም ዝበጽሖ ገሊጹ።

እቲ ደብዳበ “ባክግሪድ፡ ቅዳሕ ናይቶም ትማሊ ምሸት እቶም መጻምዲ ካብቲ ፕሮግራም ምስ ወጽኡ ንነዊሕ ሰዓታት ብሰኣልቲ ዝተወስዱ ኣሳእል፡ ቪድዮታትን/ወይ ፊልምታትን ክህበና ንጠልብ" ከም ዝብል ሓቢሩ።

ቢቢሲ ካብ ሳሰክስ ርእይቶ ንምርካብ ፈቲኑ እዩ።

እቲ ኤጀንሲ ብደብዳበ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ “ኣብ ኣሜሪካ - ርግጸኛ’የ ትፈልጡዎ ኢኹም - ንብረት ንዋናኡ’ዩ ዝብጽሖ፤ ሳልሳይ ወገን ስቕ ኢሉ ክወሃቦ ኣይሓትትን - ከምቲ ምናልባት ንጉሳት ክገብሩዎ ዝኽእሉ። ምናልባት ምስ ዓሚልኩም ኰፍ ኢልኩም፡ እቲ ዜጋታት ንብረቶም ናብ ንጉስ ከረክቡ ዝጠልብ ንጉሳዊ መሰላት ሕጊታት እንግሊዝ፡ ቅድሚ ነዊሕ እዋን በዛ ሃገር ከም ዝተነጽገ ክትመኽሩዎም ይግባእ። ኣብ ጐድኒ መስረትቲ ኣቦታትና ደው ንብል” ኢሉ።

ባክግሪድ፡ ብረቡዕ ዋላ’ውን ነቲ ኵነታት ዝተገለጸሉ ኣገባብ እንተሞገተ፡ ኣገባብ ናይቶም ኣብቲ ዕለት ዝተዋፈሩን ንሳሰክስ ዝሰኣሉን ኣርባዕተ ጋዜጠኛታት ግን ይምርምሮ ከም ዘሎ ገሊጹ ነይሩ።

እቶም ሰኣልቲ፡ እዞም መጻምድቲ “ኣብ ዝዀነ እዋን ኣብ ቅጽበታዊ ሓደጋ” ዘእትዎም ኵነታት ነይሩ ዝብል ፈጺሙ ከም ዘይተሰምዖም ምግላጾም እቲ ትካል ይሕብር።

እታ መኪና፡ ነቲ ዱክን ዳቸስን፣ ኣደኣን ሓላዊ ጸጥታን ሒዛ ክልተ ግዜ ናብቲ ኣብቲ ግዜ ኣብ ጥቓኣ ዝነበረ መደበር ፖሊስ ኣቕኒዓ እያ።

ሃሪን ሜጋንን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቢቢሲ ነቲ መራሒ ታክሲ ሱክቻርን ሲንግ ዘዘራረቦ ኰይኑ፡ ንሱ፡ መኪናኡ ካብቲ መደበር ፖሊስ ከም ዝተመለሰት ብምግላጽ፡ ኣብ መንጐ እታ መኪና “ብናይ ጐሓፍ መኪና ተዓጽያ፤ ሃንደበት ድማ ፓፓራዚ መጺኦም ስእሊ ክስእሉ ጀሚሮም” ኢሉ።

ድሕሪኡ ናብቲ መደብር ፖሊስ ክምለስ ከም ዝሓተቱዎ ገሊጹ።

ወሃቢ ቃል እቶም መጻምዲ ክልቲኦም ፍሉጣት ሰባት ምዃኖም ዝርድኡ'ኳ እንተዀኑ፡ እቲ ካብ ጋዜጠኛታት ዝመጽእ ተገዳስነት ግን "ፈጺሙ ብዋጋ ድሕነት ዝዀነ ሰብ ክመጽእ የብሉን" ኢሉ።

ልኡል ሃሪ፡ ንሓደ ብዛዕባ ዛንታ ህይወት ዳያና ኣብ ዝሰነደ ፊልም ቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ነቶም ፓፓራዚ "ዕስለ ኣኻልብ" ክብል ገሊጽዎም ነይሩ።

ኣደኡ ንልኡል ሃሪ፡ ልእልቲ ዳያና ኣብ ተመሳሳሊ ኵነታት'ያ ኣብ 1997 ብሰኣልቲ እናተሃድነት ኣብ ፓሪስ ፈረንሳ ብሓደጋ መኪና ሞይታ።

ሃሪ፡ "ኣብ ህይወተይ ዘላ ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣነ ዝፈትዋ፡ በዚ ዕብዳን ክትሓልፍ ምርኣይ ከቢድ'ዩ" ክብል ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኔትፍሊክስ ኣብ ዝተዘርግሐ ሰነዳዊ ፊልም ተዛሪቡ እዩ።