ኣሜሪካውያን ኣትሌታት ምስ ጾታዊ መጥቃዕቲ ብዝተሓሓዝ ንኤፍቢኣይ ብሓደ ቢልዮን ዶላር ክኸሳ እየን

Published

ጾታዊ ዓመጽ ኣጋጢሙና ዝበላ ጉጅለ ብሄራዊ ጂምናስቲክ ኣመሪካ፡  ኤፍ-ቢ-አይ ሓደ ቢልዮን ካሕሳ ንክኸፍለን ክኸስኦ እየን።

እተን ቅሬታ ዘቕረባ ኣትሌታት፡ ቤት ጽሕፈት ፌደራል ምርመራ ኣሜሪካ (ኤፍቢአይ) ኣብ ልዕሊ በዓል ሞያ ሕክምና ዶክተር ላሪ ናሳር ዝቐረበ ክሲ ተኣማንነት ዘለዎ መረዳእታ ቀሪቡ ከብቅዕ ብዝግባእ ኣይተራእየን ክብላ እየን ቅሬተአን ገሊጸን።

ካብተን ከሰስቲ ተሰለምቲ ወርቂ መዳልያ ሲሞን ባይልስ፡ አሊ ሬይስማንን ማኬይላ ማሮኒን ይርከበአን።

ዶክተር ላሪ ናሳር ኣብ ልዕሊ ኣትሌታት ጾታዊ ምትንኻፍን መጥቃዕትን ብምፍጻሙ ናይ 175 ዓመት ማእሰርቲ ተበይኑዎ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከብ ኣሎ።

እቲ ትካል ነቲ ብዛዕባ ዶክተር ናስር ዝምልከት ክሲ ዕሽሽ ብምባሉ ኣብ መርመራኡ ጌጋታት ምግባሩ ኣቃሊዑ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ኣመሪካ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ዋና ኢንስፐክተር ነዊሕ ትጽቢት እተገብረሉ ጸብጻብ፡ እቲ ፈደራላዊ ትካል ብዛዕባ ዶክተር ናሳር ዝገበሮ መርመራ  ገምጋም ሂቡሉ ነይሩ። እቲ ጕዳይ ኣብ 2015 ተኸፊቱ ከብቅዕ ብሰንኪ ሸለልትነት ናሳር ተወሳኺ ግጉይ ተግባራት ኪገብር ጌጋታቱ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ክቕጽሎ ዕድል ከምዝረኸበን  እቲ ጸብጻብ ይሕብር ።

ኣብቲ ሪፖርት ዶክተር ናሳር ብ2015 ፈጺሙዎ ብዝተባህለ ጾታዊ መጥቃዕቲ መርመራ እኳ እንተተጀመረ፡ ምንም ከይተገብረ ልዕሊ ዓመት ብምሕላፉ ናይ ኤፍቤኣይ ወኪላት ጌጋታት ብምፍጻሞምን ነቲ ጉዳይ ብፍላጥ ክሸፋፍኑዎ ከምዝፈተኑን እቲ ጸብጻብ ኣቃሊዑ።

ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ናብ ኤፍቢአይ ሪፖርት ምስተገብረ እውን እንተኾነ በቲ ዶክተር ጾታዊ ዓመጽ ዘጋጠመን ኣብቲ ዝርዝር ቀሪቡ ኣሎ።

እተን ከሰስቲ መብዛሕተአን ናይ ኣመሪካ ብሄራዊ ኣትሌትስ ፕግራም አካላት ኮይነን ኣብ ሚቺጋን ዩኒቨርስቲ ኣብ ዝርከብ ናይቲ ዶክተር ክሊኒክ ጥዕናዊ  ክንክን ዝግበረለን ዝነበረ እየን።

እቶም ሪፖርት ዝተገብረሎም ናይ ኤፍቢአይ ዝግባእ ምርመራን ክትትልን ኣይገበሩን ንዝምልከቶም እውን ኣይሓበሩን።

“እተን ናይ ጾታዊ ዓመጽን መጥቃዕትን ግዳያት ኣትሌታት ብኹሎም እቶም ክሕልውና ዝግበኦም ኣካላት፡ ብኮሚተ ኦለምፒክ ኣመሪካ፣ ብጂምናስቲክ ኣሜሪካ፣ ብኤፍቢአይን ናይ ፍትሒ ትካልን ተኻሒድና ኢና” ክትብል ተሰላሚት ወርቂ መዳልያ ኦሎምፒክ ኬይላ ማሮኒ ሓቢራ።

ቅድሚ ክልተ ሳምንቲ ናይ ኣመሪካ ናይ ፍትሒ ዲፓርትመንት፡ ኤፍቢአይ ነቲ መርመራ ብግጉይ መገዲ ሒዘምዎ ንዝበሎም ክልተ ኣባላት ኤፍቢአይ ክሲ ክምስርት ወሲኑ ኣሎ።

እተን ከሰስቲ እቲ ትካል (ኤፍቢኣይ) ብዝፈጸሞ ሸለልትነትን ብሳዕቤኑ ዝወረደ በደልን ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍለን ሕቶ ኣቕሪበን ኣለዋ።