ባይደን ብቤት ፍርዲ ገበናት ኲናት ዝቐረበ ትእዛዝ ማእሰርቲ ፑቲን ተቐቢሉዎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን (ኣይሲሲ) ኣብ ልዕሊ ሩስያዊ መዘንኡ ቭላድሚር ፑቲን ዘውጽኦ ትእዛዝ ማእሰርቲ ከም ዝቕበሎ ኣፍሊጡ።
ኣይሲሲ ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ገበናት ኲናት ፈጺሙ’ዩ ክብል ክኸሶ እንከሎ፡ እዚ መራሒ ሩስያ "ብንጹር" ዝገበሮ’ዩ ክብል ባይደን ተዛሪቡ።
እቲ ክሲ፡ ሞስኮ ኣብ 2022 ነታ ሃገር ድሕሪ ምውራራ ህጻናት ዩክሬይን ናብ ሩስያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ሰጒጓ ዝብል ዘተኮረ እዩ።
ሞስኮ ነቲ ክሲ ብምንጻግ፡ ነቲ ትእዛዝ "ዘሕርቕ" ክትብል ኰኒናቶ ኣላ።
ኣይሲሲ መንግስቲ ሓንቲ ሃገር ክተሓባበሮ እንተዘይክኢሉ ጥርጡራት ክኣስር ስልጣን ስለ ዘይብሉ እዚ ስጉምቲ ጸቕጢ ከሕድር ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ እዩ።
ሩስያ ድማ ኣባል እቲ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ስለ ዘይኰነት፡ እቲ ቤት ፍርዲ ኣብታ ሃገር ስልጣን የብሉን።
ይኹን’ምበር እዚ ስጉምቲ ፑቲን ናብ ካልኦት ሃገራት ናይ ምጋሽ ዕድሉ ክድረት ክገብር እዩ።
ሕጂ ቭላድሚር ፑቲን ካብተን 123 ኣባል ሃገራት ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ኣብ ሓዲአን እንተኣትዩ ኣብ ቀይዲ ክውዕል ይኽእል'ዩ።
እቲ ፕሬዝደንት ትእዛዝ ማእሰርቲ ኣይሲሲ ዝወጽኣሉ ሳልሳይ ፕረዚደንት እዩ።
ፕረዚደንት ባይደን፡ እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ኣሜሪካ ዝዀነ ጽልዋ እኳ እንተዘይሃለዎ ትእዛዝ ማእሰርቲ ምውጽኡ ግን “ሓያል ነጥቢ'ዩ" ኢሉ።
ምምሕዳሩ ድሮ ኣብቲ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ሩስያ ገበናት ኲናት ከም ዝፈጸመት ብወግዒ ገሊጹ ነይሩ እዩ።
ምኽትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ ኣብ ወርሒ ለካቲት እቶም ኣብዚ ጉዳይ ዝተሳተፉ ኣካላት "ክሕተቱ" ኣለዎም ኢላ ነይራ።
ሕቡራት ሃገራት ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን’ውን ሞስኮ ንህጻናት ዩክሬን ብሓይሊ ናብ ትሕቲ ቁጽጽራ ናብ ዝርከቡ ከባቢታት ምግዓዛ ገበን ኲናት ከም ዝዀነ ዝሕብር ጸብጻብ ኣውጺኡ።
ኣይሲሲ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፑቲን ነቲ ገበናዊ ተግባራት ብቐጥታ ከም ዝፈጸሞ፡ ከምኡ’ውን ምስ ካልኦት ከም ዝሰርሕ ንምእማን ርትዓዊ ምኽንያት ከም ዘለዎ ገሊጹ።
ፕረዚደንታዊ ስልጣኑ ተጠቒሙ ህጻናት ካብ ሃገሮም ከይስጎጉ ደው ከብሎም ብዘይምኽኣሉ'ውን እቲ ቤት ፍርዲ ከሲሱዎ ኣሎ።
ኮሚሽነር መሰል ህጻናት ሩስያ ማርያ ልቮቫ-ቤሎቫ እውን ብተመሳሳሊ ገበናት ብኣይሲሲ ትድለ ኣላ።
ዓቃቢ ሕጊ ኣይሲሲ ካሪም ካን፡ እቲ ትእዛዝ "ኣብ ሕጋዊ መርትዖ፣ ምጽራይን ክልቲኦም ውልቀሰባት ኣብ ዝበሉዎን ዝተመርኮሰ" ምዃኑ ገሊጹ።
እቲ ቤት ፍርዲ ፈለማ ነቲ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ብምስጢር ክሕዞ ሓሲቡ እኳ እንተነበረ፡ ተወሳኺ ገበናት ምፍጻም ደው ንምባል ንምፍታን ግን ወግዓዊ ክገብሮ ወሲኑ።
ዓቃቢ ሕጊ ካን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ህጻናት ከም ምርኮ ኲናት ክሕሰቡ ኣይክእሉን እዮም፤ ክስጎጉ ኣይክእሉን" ኢሉ።
"ከምዚ ዓይነት ገበን ጠበቓ ምዃን ኣየድልዮን እዩ፤ ክሳብ ክንደይ ዘስካሕክሕ ምዃኑ ንምፍላጥ ሰብ ምዃን እኹል’ዩ”።
እቲ ኣብ 1990ታት ኣብ ክሮሽያ፣ ቦስንያን ኮሶቮን ብገበናት ኲናት ኣብ ፍርዲ ዝቐረበ መራሒ ሰርብያ ስሎቦዳን ሚሎሰቪች፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ሄግ ክቐርብ እዩ ኢሉ ዝገመተ ሰብ ከም ዘይነበረ እቲ ዓቃቢ ሕጊ ኣመልኪቱ።
"እቶም ቀትሪ ገበን ክትፍጽም፤ ለይቲ ድማ ጽቡቕ ድቃስ ክትድቅስ ትኽእል ኢኻ ኢሎም ዝሓስቡ ምናልባት ንድሕሪት ተመሊሶም ታሪኽ ክርእዩ ይግባእ” ይብል ካን።
ወሃቢ ቃል ክረምሊን ዲሚትሪ ፔስኮቭ ዝዀነ ይኹን ውሳነታት እቲ ቤት ፍርዲ "ፍሩስን ትርጉም ኣልቦን" እዩ ክብል እንከሎ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ነበር ዲሚትሪ መድቨደቭ ድማ ነቲ ትእዛዝ ማእሰርቲ ምስ ወረቐት ሽቓቕ ኣነጻጺሩዎ።
ደለይቲ ፍትሒ ተቓወምቲ ሩስያ ግን ብሓጎስ ተቐቢሎሞ ኣለዉ።
ናይ ቀረባ መሓዛ ናይቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ኣሌክሲ ናቫልኒ ዝዀነ ኢቫን ዚዳኖቭ፡ "ምሳልያዊ ስጉምቲ" ግን ከኣ ኣገዳሲ ስጉምቲ'ዩ ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ድማ ኣይሲሲ ኣንጻር "ክፍኣት መንግስቲ" ሩስያ ክሲ ንምጽቃጥ ዝወሰድዎ ውሳነ ምስጋናኡ ገሊጹ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
