እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሕቶ ይግብኣኒ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ብኸመይ ክፍታሕ ይኽእል?
ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ነዊሕ እዋን ኣብ መንጎ ክልላት ናይ ዋንነት ( ናይ ይግበኣኒ ሕቶ) ክለዓል ጸኒሑ።
እቲ ኣብ መንጎ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ዘሎ ናይ ዋንነት ሕቶ ግን ሓይሊ ስለዝሕወሶ ካብ ካልኦት ክልልት ዝተፈለየ ይገብሮ።
ኣብ ምብራቓውን ምዕራባውን ዶባት ዝርከቡ ከባቢታት፡ ብኽልቲኡ ክልላት ንዘመናት ብኽልቲኡ ክልላት ሕቶ ይግባኣኒ ክለዓሎም ጸኒሖም እዮም።
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝተኻየደ ናይ ክልተ ዓመት ኲናት፡ ነዚ ናይ ዶብ ይግባኣኒ ሕቶታት ኣጋዲድዎ ይርከብ።
ሓይልታት ክልል ኣምሓራ ምስ ፈደራላዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኰይኖም፡ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ተዋጊኦም ቅድሚ ሕዚ ኣብ ትሕቲ ክልል ትግራይ ዝመሓደሩ ዝነበሩ ከባቢታት ተቖፃፂሮም እዮም።
ነዞም ከባቢታት ክቆጻጸሩ እንከለዉ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ዝነበሩ ተወለድቲ ትግራይ ዝተፈላለየ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብምፍጻም ይኽሰሱ።
ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ካብ ፌደራል ሰራዊት ወፃኢ ካልኦት ሓይልታት ካብ ክልል ትግራይ ክስሕቡ ዝግበኦም እኳ እንተነበረ፡ እዚ ግን ምሉእ ብምሉእ ኣይተተግበረን።
ብወገን ክልል ኣምሓራ፡ ቅድሚ ሕዚ ህወሓት ብሓይሊ ዝወሰዶም ከባቢታት "ንሕና'ውን ብሓይሊ ኣምሊስና" ብምባል ፌደራል መንግስቲ ነቶም ከባቢታት ሕጋዊ ክገብረሎም ይሓቱ ኣለው።
ገለ ፖለቲከኛታትን ደለይቲ ፍትሕን ኣምሓራ፡ መንግስቲ ፌደራል ሓይልታት ኣምሓራ ኣብቲ ድርድር ከይሓወሰ ምስ ህወሓት ስምምዕ ከም ዝፈጸመ ይዛረቡ።
ንምዃኑ እዚ ንክልል ኣምሓራን ክልል ትግራይን ዘሰሓሕብ ዘሎ ሕቶ ይግባኣኒ ብኸመይ ክፍታሕ ይኽእል? ብቅዋም መንግስቲ፡ ብረፈረንደም ድዩ ወይስ ብውዕል ፕሪቶርያ?
ብዘይካ እዚኦም ካልኦት ኣማራጺታት’ከ ኣለዉ ድዮም?
ቢቢሲ ብዛዕባ እዞም ሕቶታት ብዝምልከት ምሁራት ሕግን ፌደራሊዝምን ኣዘራሪቡ ኣሎ።
ክኢላ ዓለምለኻዊ ሕጊን ዲፕሎማት ሕቡራት ሃገራት ነበርን ኣይተ ባይሳ ዋቅወያ፡ ናይ መሬት ይግባኣኒ ሕቶ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ንምፍታሖም ኣዝዮም ዝኸብዱ ጸገማት ምዃኑ ይገልጽ።
ምኽንያቱ ክልቲኡ ወገናት ተጎዲአ እየ፡ ኣብኡ ዘሎ ወገነይ ተጎዲኡ ኣሎ ዝብሉ ቕሬታታት ስለ ዘልዕል እዩ።
“ከምዚ ዝበለ ጸገም ሓድሽ ኣይኰነን። ብዙሕ ግዜ ክፍታሕ ንርኢ ኢና። ብዘይ ፍታሕ ብዙሕ ዘመናት ከሰሓሕብ’ውን ይኽእል’ዩ” ብምባል ኣብ መንጎ እስራኤልን ሶርያን ን60 ዓመታት ዘይተፈትሐ ሕቶ ከምኡ’ውን ጉዳይ ምዕራባዊ ሰሃራ ከም ኣብነት ይጠቅስ።
ኣብ መንጎ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ዘሎ ሕቶ ንምምላስ፡ ሕገ መንግስቲ ከምዚ ይብል፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ ከምቲ ይብል ካብ ምባል፡ ቅንዕና ዘለዎ ዘተ ምግባር ከም ዝሓይሽ ባይሳ ይላቦ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዌስት ክኢላ ሕጊ ፕሮፌሰር ዮናታን ተስፋዬ ፍስሓ ብወገኑ፡ እቶም ዝለዓሉ ሕቶታት ካብ ክልል ናብ ክልል ዝፈላለዩ ምዃኖም ብምጥቃስ፡ "ሕቶ መንነት ድዩ ሕቶ ምምሕዳራዊ ክትዕ ዝብል ምፍላይ ኣገዳሲ" ከም ዝዀነ ይገልጽ።
አቲ ፕሮፌሰር ከም ዝብሎ፡ ሕቶ መንነት ናብ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ቅድሚ ምኻዱ፡ እተን ክልላት ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ክዘራረባ ኣለወን።
‘ኣብ ኢትዮጵያ መሬት ካብ ሰብ ንላዕሊ ዋጋ ኣለዎ’
ብመሰረት ቅዋም መንግስቲ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ኣብ ዝዀነ ክልል ሃገር ናይ ምንቅስቓስን ምስራሕን ሙሉእ መሰል ኣለዎ።
ዞባታት ባዕለን ንባዕለን ዘመሓድራ ኰይነን ዝተፈላለየ ግዝኣትን ዶብን ኣለወን። ካብዚ ብምብጋስ መብዛሕትአን ክልላት ኣብ ዝዳወባሉ ከባቢታት ናይ ዋንነት ሕቶ ክለዓሉን ካብኡ ሓሊፉ ግጭታት ከጋጥመን ፀኒሑ እዩ።
ኣብ መንጎ ኣምሓራን ክልል ትግራይን ከኣ ተመሳሳሊ ፀገም እዩ ዘሎ። ክሳዕ ሕዚ ብክልቲአን ክልላት፡ ነቲ ሕቶ ብዘተ ይኹን ብኻልእ ሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሕ ዝተገብረ ዝፍለጥ ፈተነ የለን።
ኣይተ ባይሳ፡ ኣብ መንጎ እዘን ክልላት ዘሎ ምስሕሓብ ብመሰረት ቅዋም መንግስቲ እታ ሃገር ብረፈረንደም እንተተፈቲሑ፡ ካልእ ጸገም ከም ዝዕድም ስክፍታ ከም ዘለዎ ይዛረብ።
“እቲ ረፈረንደም መን እዩ ከካይዶ? መንከ ይሳተፍ? ኣብቲ ከባቢ ን100 ወይ ን50 ዓመት ዝተቐመጡ ድዮም? ወይስ እቶም ካብ 1990 ጀሚሮም ኣብኡ ክነብሩ ዝጀመሩ? ወይስ ድሕሪ 2020 ዘለዉ? ህዝቢ ትግራይ ተመዛቢሉ ወጺኡ እዩ። ንሳቶም ኣብ ዘይተሳተፉሉ ረፈረንደም ክካየድ ይኽእል’ዶ? እቶም ካብቲ ከባቢ ዝተመዛበሉ ሰባት ናብ መረበቶም ክምለሱ ይግባእ” ይብል። ነዚ ፀገም ንምፍታሕ እውን ዝተፈላለዩ ኣማራፂታት ከም ዘለዉ ይገልጽ።
ካብቶም መፍትሒታት ሓደ፡ መንግስቲ ፌደራል ካብ ባጀት ክልቲአን ክልላት ቆሪጹ ንዝተወሰኑ ዓመታት ነቶም ከባቢታት ባዕሉ እንተዘመሓድር ጽቡቕ ኣማራጺ ምዀነ ይብል እቲ ክኢላ።
"ድሕሪ'ዚ፡ ኣየናይ እዩ ዝጸንሐ ነባሪ ወልቃይት ጸገዴ ኣብ ዝብል ሕቶ ምርድዳእ የድሊ። ክንደይ ዓመት’ዩ ኣብኡ ተቐሚጡ? ኣብ ዝብል ሕቶ ምርድዳእ እንተተፈጢሩ ረፈረንደም ክካየድ ይኽእል እዩ። መንግስታት ክልል ትግራይን ኣምሓራን ኣብዚ ክሰማምዑ ኣለዎም። ክሳዕ ሽዑ ኣብ ትሕቲ ፌደራል መንግስቲ እንተዝመሓደር ከም ፅቡቕ ኣማራፂ እየ ዝወስዶ።” ይብል።
ኣብ ሓደ ክልል ሕቶ መንነት ክለዓል ከሎ መጀመርያ ናብ ቤት ምኽሪ ክልል ክቐርብ ከም ዘለዎ ዝጠቅስ ፕሮፌሰር ዮናታን "ኣብቲ ክልል ዘሎ ኩሉ ኣማራፂታት ምጥቃም ግድን እዩ" ይብል።
እቲ ሕቶ ናብ ቤት ምኽሪ ክልል ምስ ቀረበ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት መልሲ እንተዘይረኺቡ እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ይኸይድ። ኣብኡ ድማ እቲ ሕቶ ቅድመ ኵነት እንተማሊኡ ረፈረንደም ንኽካየድ ከም ዝውሰን ይገልጽ።
"እቲ ሕቶ ዘቕረበ ህዝቢን ክልልን መጀመርያ ነቲ ጉዳይ ብዘተ ንምፍታሕ ቀዳምነት ክወሃቦ እዩ" ክብሉ ብዛዕባ’ቲ መስርሕ ውሳነ የብርህ።
እቶም ባይቶታት ግን ዘይሻራዊ ድዮም ኣይኰኑን ጥርጣረ ከም ዘለዎ የስምር።
"ጉዳይ ቅማንት ናብ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ክቐርብ እንከሎ፡ ወከልቲ ኣምሓራ ካብ ኣድልዎ ነጻ ክዀኑ እዮም ምባል ኣጸጋሚ'ዩ። ወይ ድማ ጉዳይ ወልቃይት ክለዓል ከሎ ወከልቲ ትግራይ ካብ ኣድልዎ ነፃ ምዃኖም ዘጠራጥር እዩ" ይብል እቲ ፕሮፌሰር።
ኣይተ ባይሳ እውን ክልቲኦም ወገናት ሕጊ ከምዚ ይብል፡ ታሪኽ እዚ ይብል ካብ ምባል ኣብ ሰብ ኣተኲሮም እንተዝሰርሖ ዝሓሸ ረብሓ ከም ዝረኽቡ’ዩ ዝሕብር።
ኣብ ኢትዮጵያ ሰባት ብዛዕባ መሬት ዝተዛብዐ ኣረኣእያ ከም ዘለዎም ዝገልጽ ኣይተ ባይሳ፡ "እቲ ዘሕዝን ግን ኣብ ኢትዮጵያ መሬት ካብ ሰብ ይበልጽ። ብዛዕባ ሰብ ዘይኰነስ ብዛዕባ መሬት ኢና ንዛረብ። መሬትና እምበር ህዝብና ኣይበሃልን" ይብል፤ ሰባት ንምቅርራብ ቀዳምነት ክወሃብ ከም ዝግባእ’ውን ይዛረብ።
"መንግስታት ክልል ኣምሓራን ትግራይን ተቐራሪቦም መፍትሒ ከናድዩ ይግባእ። ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ እዚ ዓንቀጽ ከምዚ’ዩ ዝብል ኢልካ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ’የ እንተ ኢልካ፡ ደቂ ሰባት ብቀመር ስለዘይምርሑ ከቢድ ክኸውን እዩ። እዚ ድማ ናብ ካልእ ኲናት ክመርሕ ይኽእል" ክብል ባይሳ ይውስኽ።
እታ ሃገር ካብቲ ንኽልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ከይሓወየት፡ ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ፋኖን ሰራዊት ኢትዮጵያን ግጭታት ይካየዱ ኣለዉ።
ጉዳይ እቶም ዘሰሓሕቡ ከባቢታት እውን ፍታሕ ኣይረኸበን። ብወገን ክልል ትግራይ ድማ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ሓይልታት ኣምሓራ ካብቶም ዝተቆጻጸርዎም ከባቢታት ክስሕቡ ንፌደራል መንግስቲ ብተደጋጋሚ ይሓቱ ኣለው።
‘ሰብ ዝፈጠሮ ፀገም ሰብ’ዩ ዝፈትሖ’
ኣይተ ባይሳ ኣብ መንጎ ክልላት ዝለዓል ሕቶ መሬት ይኹን መንነት ንምፍታሕ ድሌት እንተሃልዩ ክፍታሕ ከም ዝከኣል’ዩ ዝገልጽ።
"ሰብ ዝፈጠሮ ጸገም ሰብ’ዩ ዝፈትሖ። ኣምላኽ ዘምጽኦ ፀገም ጥራይ’የ ምፍታሕ ዘይከኣል" ይብል።
“እዚ መሬተይ እዩ፤ ናትካ ኣይኰነን ካብ ምባል ብዛዕባ ኣብቲ ቦታ ዘሎ ሰብ ምዝራብ’ዩ እቲ ቅኑዕ ነገር። ተጋሩ ይኹን ኣምሓሩ ኣብቲ መሬት ኣየናይ ሰብኣውን ሕገ መንግስታውን መሰላት ተተግቢሩ ኢልና ክንሓትት ኣለና።"
ብኻልእ ወገን ድማ ክልቲአን ክልላት ኣብ ቅድሚአን ዓብዪ ስራሕ ከም ዘለወን ብምምልካት ህዝቢ ብሰናይ ድሌትን ብሰላምን ክቀራረብ ምግባር ቀዳምነት ክወሃቦ ከም ዘለዎ ይመክር።
ፕሮፌሰር ዮናታን እውን ኣብነት ዝተፈላለያ ሃገራት ብምጥቃስ፡ምምኽኻር እቲ ዝበለጸ መፍትሒ ምዃኑ ይጠቅስ።
"ኣብ ካልኦት ሃገራት ተመሳሳሊ ጸገማት ብዘተ ክፍትሑ’ዩ ዝተባባዕ። እዚ እንተዘይተኻኢሉ እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ይቐርብ። ኣብ ኢትዮጵያ ግን እቲ ስልጣን ንቤት ፍርዲ ዘይኰነስ ንቤት ምኽሪ ፌደሬሽን እዩ ዝወሃብ።”
ኣብ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ድማ ሕቶ ዘይሻራዊነት ከም ዝለዓል የስምር።
ኣይተ ባይሳ እተን ክልላት ክመኻኸራን ንቐፃሊ ወለዶ ዕዮ ገዛ ካብ ምግዳፍ ነቲ ጉዳይ ክፈትሕኦ ከም ዝግባእን ይዛረብ።
ኣብ ቀረባ እዋን ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ዶክተር ኣብርሃም በላይ ኣብቶም ዘካትዑ ከባቢታት ዝቈሙ ምምሕዳራት ከም ዝፈርሱ ገሊጹ ነይሩ።
ባይሳ ግን ከምዚ ዓይነት ርእይቶ ኣብዚ እዋን'ዚ ፍታሕ ከም ዘየምጽእ ብምግላጽ፡ "ኣብ ላዕሊ ኰይኖም ስለዝተዛረቡ ጥራይ ኣብ ባይታ ግብራዊ ኣይኸውንን። ብወረቐት ዘይኰነስ ኣብ ሰብ ክስራሕ ኣለዎ" ይብል።
ብተወሳኺ መንግስቲ ኣብ ክንዲ ነገራት ብሽፍንፍን ዝውስን ንመፅናዕቲ ቀዳምነት ክህብ ከም ዘለዎን ኣብ መንጎ ክልል ኣምሓራን ትግራይን ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ቀንዲ መስርሕ ምቅርራብ ከም ዝዀነን ይገልጽ።
"ክልቲኦም ህዝብታት ብቐረባ ንኽሰርሑ ዕድል ይፈጠር። ካብ ካልእ ሃገር ዝመጽአ ህዝቢ እንተዀይኑ ካብ ሃገር ይውጻእ ክበሃል ይከኣል። እዚኦም ግን ኢትዮጵያውያን እዮም። ኣብ ዝደለይዎ ቦታ ናይ ምንባር መሰል ኣለዎም" ብምባል ንክልቲኡ ህዝብታት ንምቅርራብ እንተሰሪሑ እቲ ሕዚ ዘሎ ፅልእን ፍርሒን ድሕሪ ሒደት ዓመታት ክሃስስ ይኽእል’ዩ” ይብል።