ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ሃለዋት ብኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ዝተኣሰሩ ንምፍላጥ ከም ዝተፀገመ ገሊፁ

Published

ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝተወለዐ ጎንፂ ስዒቡ ብዝተደንገገ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ሃለዋት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኣሰሩ ሰባት ክፈልጥ ከም ዘይከኣለ ገሊፁ።

ኣብ ዝተኣሰሩሉ ቦታ ተረኺቡ ንክርእዮም ክፍቀደሉ ናብ ዝተፈላለዩ ኣካላት መንግስቲ ዘቕረቦ ሕቶ መልሲ ከም ዘይረኸበ’ውን ኣፍሊጡ’ሎ።

ምክትል ዳይሬክተር ጉባኤ ሰብኣዊ መለላት ኢትዮጵያ ኣይተ ተስፋዬ ገመቹ፡ ሕዚ’ውን ሰፊሕ ማእሰርቲ ከም ዝቐፀለ ዝሕብር መረዳእታ ከም ዘለዎም ብምሕባር፡ እቶም እሱራት ኣበይን ኣብ ከመይ ኩነታትን ከም ዝርከቡ ግና ክንፈልጥ ኣይከኣልናን ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ንሱ፡ “ንሕና’ውን ነቲ ኩነታት ንኽንፈልጦ ኣፀጊሙልና ኣሎ። ንዝምልከቶም ኩሎም ንሓትት ኣለና። ግን ድማ ሓበሬታ ንምሃብ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን። ገሊኦም እውን ደብዳበና ክቕበሉ ድልዋት ኣይኮኑን” ኢሉ።

ነቶም እሱራት ክርእይዎም ፍቓድ ዋላ’ኳ ይሓትቱ እንተሃለዉ መን ኣበይ ተኣሲሩ ዝብል ከረጋግፁ ከምዘይከኣሉ እቲ ምክትል ዳይሬክተር ተዛሪቡ።

“ግን ድማ ብናይ ባዕልና መገዲ ክነፃርይ ፃዕርታት ንገብር ኣለና። ብቐንዱ ንኣካላት ፀጥታ ስለ ዝምልከቶም ንፖሊስ ፌደራልን ካልኦት ኣካላት ፖሊስን ከምኡ’ውን ካልኦት ዝምልከቶም ሓቲትናዮም ኢና። ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ማእሰርቲ ይፍፀም ከም ዘሎ ኢና ንሰምዕ ስለ ዘለና፡ ንሚንስትሪ ትምህርትን ቢሮ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባን እውን ሓቲትናዮም” ኢሉ ኣይተ ተስፋዬ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ሞንጐ ዕጡቓት ሓይልታት ፋኖን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ውግእ ይካየድ ከም ዘሎ ይፍለጥ።

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኣብቲ ክልል ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ክድንግግ እንከሎ፡ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እታ ሃገር እውን ነዚ ኣዋጅ ከም ዘፅደቖ ይዝከር። እዚ ኣዋጅ ኣብቲ ክልል ንሽድሽተ ወርሒ ተግባራዊ ክኸውን እዩ።

ምክትል ዳይሬክተር ጉባኤ ሰብኣዊ መለላት ኢትዮጵያ ኣይተ ተስፋዬ ምስቲ ብጃምላ ከም ዝተፈፀመን ይፍፀም ከም ዘሎን ዝግለፅ ማእሰርቲ ተታሓሒዙ፡ ቤተሰቦም ከም ዝተኣሰርዎም ዝሕብሩ ሰባት ናብ ትካሎም ይመፅኡ ምህላዎም ገሊፁ።

“ገሊኦም ቤተሰቦም ኣበይ ከም ዝተኣሰሩ ብዘይምፍላጦም ከም ዝተፀገሙ፤ ገሊኦም ድማ ዝተኣሰሩሉ ቦታ ብንፁር ከም ዝፈልጡ ግን ከኣ ከይዶም ከም ዘይረኣይዎምን ጠበቓታት እውን ክረኽብዎም ከም ዘይከኣሉን ይነግሩና ኣለዉ። ብዙሓት እዮም እናመፅኡ ጥርዓን ዘቕርቡ” ይብል።

ኣብዚ እዋን ተወሰኽቲ ማእሰርትን ዓፈና ዝመስሉ ነገራትን ይርእዩ ከም ዘለዉ ድማ ሓቢሩ።

መንግስቲ ቁፅሪ ዝተኣሰሩ ሰባት ውሑድ ከም ዝዀነ ብምግላፅ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ጃምላዊ ማእሰርቲ ተፈፂሙ ንዝብል ሓበሬታ ነፂጉ ነይሩ።

ምክትል ዳይሬክተር ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣይተ ተስፋዬ ግና ነዚ ኣይቕበሎን።

“መንግስቲ ከምዝብሎ ብቑፅሪ ውሑዳት ከም ዝዀኑን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣይኣሰርናን ንዝብል ንሕና ኣይንቕበሎን። ምኽንያቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ማእሰርቲ ይፍፀም ምህላዉ ብምሕባር ምላሽ ክወሃበና ሓቲትና ኢና። ብሓቂ ይፍፀም ኣሎ ድዩ የለን ዝብል ንምርግጋፅ ንሚንስትሪ ትምህርቲ’ውን ሓቲትና፡ ግና መልሲ ክህቡና ኣይከኣሉን።

ስለዚ እቲ ንግንዘቦ ዘለና ሱቕ ኢሉ ናይ ክልተ ወይ ሰለስተ ሰባት ማእሰርቲ ዘይኮነስ ብዙሓት እዮም ዝእሰሩ ዘለዉ።መለለዪ መንነት ኣይሓዝኩምን ብዝብል ዝእሰሩ መናእሰይ ኣለዉ። ብሓፈሻ ብዙሓት እዮም ተኣሲሮም ዘለዉ። ኣበይ ከምዘለዉ ዘይፍለጡ ብዙሓት እዮም” ኢሉ።

እዚ ዝግለፅ ዘሎ ጃምላዊ ማእሰርቲ ንሓደ መንነት ዒላማ ዝገበረ ምዃኑን ዘይምዃኑን ኣፍካ መሊእኻ ንምዝራብ ኣብ ዘኽእል ደረጃ ከም ዘይርከቡ ዝሓበረ ኣይተ ተስፋዬ፡ ግን ድማ እቲ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ምስቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተወለዐ ጎንፂ ብዝተሓሓዝ ስለ ዝተኣወጀ ካብቶም ዝተኣሰሩ መብዛሕቲኦም ተወለድቲ እቲ ክልል ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ተዛሪቡ።

ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጎ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ዕጡቓት ፋኖን ብዝጀመረ ጎንፂ ካብ ወርሒ ሓምለ ንደሓር ልዕሊ 180 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ገሊፁ፡፡

ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝተደንገገ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ንምትግባር ዝተጣየሸ ኮማንድ ፖስት ብ27 ነሓሰ 2023 ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ እዚ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ሰራዊት እታ ሃገር ንዓበይቲ ከተማታት "እቲ ክልል ካብቲ ዝነበሮ ፀገም ፀጥታ ይገላገል ኣሎ" ከምኡ'ውን "ናብ ምሉእ ሰላም ንምምላስ ዝስራሕ ዘሎ ስራሕ ውፅኢታዊ'ዩ" ክብል ሓቢሩ ነይሩ።

"ኣብቲ ክልል ዝተረኽበ ሰላምን ድሕነትን ዘላቒ ንምግባር፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ስርሒት ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል” ድማ ገሊፁ።

ኣብ ከተማ ደብረብርሃን ኣብ መንጐ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ዕጡቓት ፋኖን ካብ ዝሓለፈ ቀዳም ጀሚሩ ንመዓልታት ብዝቐፀለ ጐንፂ ብውሑዱ 10 ሰለማውያን ሰባት ከም ዝተቐተሉ ነበርቲ እታ ከተማ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብ29 ነሓሰ 2023 ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፡ እቲ ህፁፅ እዋን ሰብመዚ ብዘይ ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ተጠርጠርቲ ኣብ ቀይዲ ከእትዉ፣ ሰዓት እቶ እቶ ክእውጁን ናይ ምእካብ መሰል ክጥሕሱን ስልጣን ከም ዝህቦም ገሊፁ፡፡

በቲ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ዘሎ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ከም ዝተኣሰሩ ብምጥቃስ፡ መብዛሕትኦም እሱራት ደገፍቲ ፋኖ እዮም ዝተባህሉ መንእሰያት ተወለድቲ ብሄር ኣምሓራ እዮም ኢሉ፡፡

ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐስ ፋኖ፡ ኣብቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ጐኒ ሓይልታት መንግስቲ ፈደራል ብምስላፍ ኣንፃር ሓይልታት ትግራይ ብቐጥታ ዝተሳተፈ ኰይኑ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ድማ፡ ዕጡቕ ጉጅለ ፋኖ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፈፀመ ምግላፆም ይዝከር።