ብ16 ሚልዮን ፓውንድ ዝተሸጠት ቁሸት

Published

ኣብ ኮርንዎል እትርከብ ኣብ ማእከላይ ዘመን ዝነበረት ጥንታዊት ቁሸት፡ ኣንፃር ኑዛዘ ናይቲ ዝውንና ዝነበረ ናይ መወዳእታ ንጉስ፡ ድሕሪ ዝተፈጥረ ምትህልላኽ ተሸይጣ።

[ኮርንዌል ኣብ ደቡብ ምዕራብ እንግሊዝ ዝትርከብ ኣዝዩ ታሪኻውን ሰሓብን ግዝኣት እዩ]

እታ ትሬቫልጋ እናተብሃለት ትፅዋዕ ቁሸት፡ ብኣስታት 16 ሚልዮን ፓውንድ ከምዝተሸጠት ሓደ ኣባል ባይቶ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ንጉስ ጀራልድ ከርገንቨን ኣብ 1959 እንትሞት ንሓደ ግብረሰናይ ትካል ሂብዎ ሓሊፉ።

መኽሰቡ ድማ ናብ ኣብ ግዝኣት ዊልትሻየር ዝርከብ ሓደ ቤት ትምህርቱ ክኸውና ተናዚዙ ነይሩ።

እቶም ነበርቲ፡ እታ ሓደ ዓቢዪ ቀጽሪ መንበሪ ንጉስ፣ ሽድሽተ ዓበይቲ ናይ ሕርሻ ቦታታትን 17 መንበሪ ኣባይትን ዝሓዘት ቁሸት ምሻጥ ኣንጻር ናይ መወዳእታ ቃል እቲ ሕዚ ብህይወት ዘየለ ንጉስ እዩ ብምባል ተቓውሞ ከስምዑ ፀኒሖም እዮም።

ድሕሪ እቲ መሸጣ ካብቲ መንበሪኦም ከይባረሩ’ውን ስግኣት ሓዲርዎም ኣሎ።

ሕዚ ወኪል ንብረት ሳቪልስ፡ እቲ ንብረት ናብቲ ኣካል ዊልያም ፒርስ ግሩፕ (WPG) ዝኾነ ካስል ሌን ሲክዩሪቲስ ሊሚተድ ከምዝሸጦ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ዋላ'ኳ እቲ ዋጋ መሸጣ ብዕሊ እንተዘይተገልጸ፡ ባሪ ጆርዳን፡ ዓቃባዊ ካሜልፎርድን ኣባል ባይቶ ቦስካስልን፡ እቲ ንብረት "ን 16 ሚልዮን ፓውንድ ጥራይ" ከምዝተሸጠ ከምዝኣምን ገሊጹ።

ሚስተር ጆርዳን፡ "ወትሩ ስክፍታታት እቶም ነበርቲ ሓደ ሰብ ኣትዩ ዳግማይ ከማዕብሎን ከበላሽዎን እዩ ዝብል'ዩ" ኢሉ።

"እቶም ተኻረይትን ነበርትን ከምዘይስጎጉ ግን ክፈልጡ ኣለዎም” ክብል ወሲኹ።

ቢቢሲ ርእይቶ ዊልያም ፒርስ ግሩፕ ንምርካብ ፈቲኑ ነይሩ።