እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እስራኤልን ሓማስን ግዝያዊ ምቁራጽ ተኹሲ ክናዋሕ ተሰማሚዖም
ሰራዊት እስራኤል ምስ ሓማስ ዝተገብረ ውዕል ግዝያዊ ምቁራጽ ተኹሲ “ጎና ጎኒ እቲ ኣሸማገልቲ ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ንምፍታሕ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ” ከምዝቕጽል ኣፍሊጡ።
እዚ ብመሰረት እቲ ውዕል ተፈጻሚ ከምዝኸውን እውን ጠቒሱ።
ሓማስ ብወገኑ ነቲ ግዝያዊ ምቁራጽ ተኹሲ ንመበል ሻብዓይ መዓልቲ ንምንዋሕ ከምዝተሰማምዐ ምግላጹ ወኪል ዜና ሮይተርስ ጸብጺባ።
ሰራዊት እስራኤል እቲ ግዝያዊ ተኹሲ ደው ምባል፤ መዓልቲ ከይጠቐሰ ከምዝናዋሕ ድሕሪ ምግላጹ እዩ ሓማስ መብርሂ ሂቡ ዘሎ።
ሓማስ ዝርዝር ዝፍትሑ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ናብ እስራኤል ድሕሪ ምቕራቡ እቲ ውዕል ክናዋሕ ከምዝተገበረ ጋዜጣ ሃዮም እስራኤል ንቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ብምጥቃስ ጸብጺባ።
እታ ጋዜጣ ኣብ ኤክስ ከምዝሓበረቶ፡ ቤት ምኽሪ ኲናት እስራኤል ብረቡዕ ሓማስ ሓድሽ ዝርዝር እንተዳኣ ዘየቕሪቡ፡ “ኲናት ብቕልጡፍ ክጅመር” ብሙሉእ ድምጺ ወሲኑ ነይሩ።
እስራኤል እቲ ንሽዱሽተ መዓልቲታት ዝጸንሐ ምቁራጽ ተኹሲ ቅድሚ ምውድኡ ደቓይቕ ኣቐዲማ እያ ከምዝተናውሐ ሓቢራ።
ንእስራኤልን ሓማስን ብመንጎኝነት እተሸማግል ዘላ ቀጠር፡ እቲ ውዕል ብሓደ መዓልቲ ከምዝተናውሐ ሎሚ ሓሙስ ኣረጋጊጻ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቀጠር፡ “ፍልስጤማውያንን እስራኤልን እቲ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ዝተገበረ ግዝያዊ ምቁረጽ ተኹሲ ንሓደ ተወሳኺ መዓልቲ ክናዋሕ ተሰማሚዖም ኣለዉ፡ ብመሰረት እቲ ዘሎ ውዕል ኩሎም ወታሃደራዊ ንጥፈታት ደው ማባልን ናብ ቓዛ ሰብኣዊ ሓገዝ ምእታውን'ዮም ተሰማሚዖም ኣለዉ” ኢሉ።
ቀጠር ብሃገራት ግብጽን ኣመሪካን እናተሓገዘት ነቲ ሎሚ ንጉሆ ከብቅዕ ዝነበሮ ውዕል ክናዋሕ ብዕቱብ ከተሸማግል ቀንያ።
እስራኤልን ሓማሰን ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ እዮም ግዝያዊ ምቁራጽ ተኹሲ ክገብሩ ተሰማሚዖም።
ክሳብ ትማሊ ምሸት 102 ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባትን 210 ፍልስጤማውያን እሱራትን ተፈቲሖም ኣለዉ።
ኣማኢት ሰብኣዊ ሓገዝ፣ መድሓኒትን ነዳድን ዝጸዓና መካይን እውን ናብ ቓዛ ክኣትዋ ተፈቒዱለን።