እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እስራኤል፡ ጻውዒት ተዅሲ ደው ምባል ዕሽሽ ኢላ ንሕዝቦላህ 'ብምሉእ ሓይላ' ተጥቅዕ
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ፡ ብኣመሪካን ካልኦት መሻርኽቲ ሃገራትን ምቍራጽ ተዅሲ ክግበር ጻውዒት ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን፡ ሰራዊት እታ ሃገር ‘ብምሉእ ሓይሊ’ ኣንጻር ዕጡቕ ጕጅለ ሕዝቦላህ ምውጋእ ክቕጽል ኣዚዙ።
ሚኒስትር ጥዕና ሊባኖስ፡ ብሓሙስ ብውሑዱ 92 ሰባት ብደብዳብ ኣየር እስራኤል ከም ዝተቐተሉ ዘፍለጠ እንትኾን፡ ብሰኑይ መጥቃዕትታት ሰማይ ካብ ዝዓረገሉ ኣማኢት ሊባኖሳውያን ከም ዝሞቱ ገሊጹ።
ሕዝቦላህ በቲ ኣብ ደቡባዊ በይሩት ኣብ ሓደ ኣፓርታማ ዝተመፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር ሓላፊ ኣሃዱ ድሮን እቲ ጕጅለ መሓመድ ስሩር ከም ዝተቐተለ ኣረጋጊጹ።
እስራኤል ብሰኑይ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ሃንደበታዊ መጥቃዕትታት ካብ ትኸፍት ንነጀው ኣብ መንጐ እስራኤልን ሕዝቦላህን ምሉእ ኲናት ክውላዕ እዩ ዝብል ከቢድ ስግኣት ኣንጸላልዩ ይርከብ።
ምግዳድ እዚ ተጻብኦ፡ ኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ሕብረት ኣውሮጳን ዝርከባኦም ልፍንቲ 12 ኣባል ሃገራት ብረቡዕ ኣብ መንጐ እስራኤል ሕዝቦላህን ንሰለስተ ሰሙን ተዅሲ ደው ክብል ክጽውዕ ደሪኹ ኣሎ።
ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዳኒ ዳኖን ሃገሩ፡ “ንሓሳባት ቅርብቲ” ምዃና ድሕሪ ምግላጻ እዩ።
ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ክብጻሕ ተስፋ ተገይሩ ነይሩ።
እንተዀነ ብሓሙስ፡ እዚ እማመ ብእስራኤላውያን ፖለቲከኛታት ተነጺጉ።
ንሓፈሻዊ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት ናብ ኒውዮርክ ዘምረሐ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ ድማ፡ እስራኤል ኵሎም ሸቶታታ ክሳብ ትወቅዕ ኣብ ሊባኖስ መጥቃዕቲ ምፍጻም “ደው ኣይክተብልን” ክብል ተዛሪቡ። ካብ ቀንዲ እቶም ዕላማታት ድማ፡ ነበርቲ ሰሜን ብውሑስ መንገዲ ናብ መንበሪኦም ምምላስ እዩ” ኢሉ።
ዋይት ሃውስ፡ ዋላ’ኳ በንጃሚን ነታንያሁ ድሕሪ ሰዓታት ሃገሩ ምውጋእ ከም ትቕጽል እንተገለጸ፡ እዚ እማመ ተኹሲ ደው ምባል ምስ እስራኤል “ዝተዋደደ” ምንባሩ ገሊጹ።
ኣብ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት ዝተረኸበ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ብወገኑ፡ እቲ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ግጭት ንምፍታሕ፡ “ንዲፕሎማስያዊ ስምምዕ ቦታ ንምሃብ ብቅልጡፍ ተዅሲ ደው ክብል” ጸዊዑ።
ስታመር፡ እቲ ግጭት “ዝዀነ ኣካል ክቈጻጸሮ ናብ ዘይክእል” ኲናት ከምርሕ ከም ዝኽእል ሓቢሩ።
ብሰንኪ እቲ ካብ ዝውላዕ ኣስታት ሓደ ዓመት ኣቝጺሩ ዘሎ ኲናት ቓዛ፡ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሕዝቦላህን ተጻብኦታት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ካብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ኣስታት 70 ሽሕ እስራኤላውያን ተመዛቢሎም እዮም።
ኣብ ሊባኖስ ድማ ካብ ብሰኑይ ጀሚሩ ኣስታት 90 ሽሕ ሊባኖሳውያን ካብ መረበቶም ክመዛበሉ ተገዲዶም።
ሕቡራት ሃገራት፡ ኣቐዲሞም መንበሪኦም ራሕሪሖም ዝሃደሙ 110 ሽሕ ሊባኖሳውያን ከም ዘለዉ ይገልጽ።
ሰራዊት እስራኤል፡ ክሳብ ትማሊ ሓሙስ፡ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስን ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ባቓን ንዒላማታት ሕዝቦላህ ከም ዝወቕዐ ኣፍሊጡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሕዝቦላህ፡ ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ናብ ዝርከባ ከተማታት ኪርያት ኣታ 50 ሮኬታት ናብ ሳፌድ ድማ 80 ሚሳይላት ከም ዝተኰሰ ኣፍሊጡ። ኣብተን ከተማታት ዝወረደ ጉድኣት ግን ኣይተፈለጠን።
እስራኤል ካብ የመን ዝተወንጨፉ ሚሳይላት ከም ዘምከነት ሓቢራ።
ኣዛዚ ሰራዊት እስራኤል ሌተናል ጀነራል ሄርዚ ሃለቪ ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ዘካይዶ ዘሎ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል “ናብ መሬት ጸላኢ ክኣቱ” መንገዲ ዝጸርግ ምዃኑ ክገልጽ እንከሎ፡ ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር እስራኤል ሜጀር ጀነራል ቶመር ባር ብወገኑ ብሓሙስ ንወተሃደራት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ናብ ሊባኖስ ንዝግበር "መጥቃዕቲ መሬት" ንምድጋፍ "ክዳለዉ" ኣተሓሳሲቡ።
ብተዛማዲ ዜና ወሃቢ ቃል መንግስቲ ቐጠር ማጂድ ኣል ኣንሳሪ፡ ሃገሩ ዘስካሕክሕ ጸብጻባት ህልቂት ምሉእ ስድራቤት ከም ዝበጽሓን፡ እዚ ኣብ ቓዛ ዝፍጸሙ ምስ ዘለዉ ግፍዒታት ከም ዝመሳሰልን ገሊጹ።
ምስ ናይ ዓባይ ብሪጣንያን ኣውስትራልያን መዛንኡ ዝተዘራረበ ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን ብወገኑ፡ ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ናብ ምሉእ ኲናት ከይኣትዉ እቲ እንኮ መፍትሒ ዲፕሎማሲ ከም ዝዀነ ኣገንዚቡ።
ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ 8 ነጥቢ 7 ቢልዮን ዳላር ዝግመት ሓገዝ ካብ ኣመሪካ ከም ዘረኸበ ብሓሙስ ኣፍሊጡ።