ሓያለ ድሮናት ሩስያ ንፈለማ እዋን ብኔቶ ተሃሪመን ወዲቐን

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ሩስያ ሰብ-ኣልቦ ነፈርታ ናብ ክሊ ኣየር ፖላንድ ምስዳዳ ግጭት ንምትዂታዂ ዝዓለመ ምዃኑ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ፖላንድ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ኣብቲ "መጠነ-ሰፊሕ ምትዂታዂ" ዝበሎ ስጉምቲ 19 ድሮናት ሩስያ ናብ ሃገሩ ከምዝኣተዋ ጠቒሱ።

ህጹጽ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት ዝጸውዐ ዶናልድ ታስክ፡ ብዛዕ'ቲ ኩነታት ምስ ዋና ጸሓፊ ወተሃደራዊ ኪዳን ኔቶ ከምዝተዘራረበ ሓቢሩ።

ኣብ ታሪኽ ነቶ ንፈለማ እዋን'ዩ ድሮናት ሩስያ ኣብ ክሊ ሰማያት ኪዳን ተሃሪመን ወዲቐን ዘለዋ።

ሞስኮ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ንፖላንድ ንምጥቃዕ ውጥን ከምዘይብላ ኣሚታ'ላ።

እንተኾነ፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ስለምንታይ እተን ድሮናት ናብ ፖላንድ ከምዝኣተወ ብንጹር ኣይጠቐሰን።

ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ: ሩስያ መጠነ-ሰፊሕ መጥቃዕቲ ሰብኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ናብቲ ኣብ ከባቢ ዶብ ፖላንድ ዝርከብ ምዕራባዊ ዩክረይን ከምዝወንጨፈት ፀብፃባት ይሕብሩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፖላንድ ራዶስላው ሲኮርስኪ ግን እተን ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ብጌጋ ናብ ሃገሩ ክኣትዋ ከምዘይክእላ'ዩ ዝምጉት።

መራሕቲ ሃገራት ኔቶን ኣመሪካን ንስጉምቲ ሩስያ ብምኹናን ኣብ ጎድኒ ፖላንድ ደው ከምዝብሉ ቃል ኣትዮም ኣለዉ።

ዋና ጸሓፊ እቲ ኪዳን ማርክ ሩት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መብርሂ፡ ስጉምቲ ሩስያ ብፍላጥ ዝተገብረ ይኹን ብጌጋ ብዘየገድስ "ሓደገኛ ጠባይ'ዩ" ክብል ተቓውሞኡ ገሊጹ'ሎ።

"ተራእዩ ዘይፈልጥ ምድፋር ክሊ ኣየር ፖላንድን ኔቶን" ምዃኑ ዝነቐፈ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ኪር ስታርመር ነቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝተኻየደ ሓድሽ ማዕበላዊ ደብዳብ'ውን "ባርባራዊ መጥቃዕቲ" ክብል ገሊጽዎ።

ንምክልኻል ፖላንድን ኔቶን ንምሕያል ኣድላዪ ስጉምቲ ንምውሳድ ሰራዊት ብሪጣንያ ይዳሎ ምህላዉ ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ጆን ሂሊ ተዛሪቡ።

ምስ መራሒ ፖላንድ ብቐጥታ ከምዝዘራረብ ዝገለጸ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብወገኑ፡ ንዋርሶውን ኔቶን ዘለዎ ምሉእ ደገፍ ገሊጹ'ሎ።

መራሕቲ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ሃንጋሪ፡ ቸክ፡ ፊንላንድን ላትቪያን'ውን ብተመሳሳሊ ንስጉምቲ ሩስያ ዘለዎም ተቓውሞታት ገሊጾም ኣለዉ።

ሰበስልጣን ኣውሮጳ ከምዝብልዎ፡ ሞስኮ ንኔቶ ንምፍታን ዝገበረቶ ብምዃኑ ክቕጽል ይኽእል'ዩ።

ብመሰረት ዓንቀጽ 5 ውዕል ኔቶ፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኣባል-ሃገር ዝፍጸም መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ኩለን ኣባላት ከምዝተፈጸመ'ዩ ዝውሰድ፣ ነዚ ድማ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ግብረመልሲ ክህባ የገድደን።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ'ታ ኣባል ኔቶ ዘይኮነት ዩክረይን ዝፈነወቶ ወራር ነቲ ምስቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ዝጸንሓ ወጥሪ ናብ ምትፍናን ገጹ ከምርሕ ደፊኡ ከምዘሎ ይዝረብ።

ኔቶ ብዓይኒ ቤተመንግስቲ ክረምሊን፡ ንሩስያ ንምግዳብ ዝህቅን ስትራተጂካዊ ስግኣት ተገይሩ'ዩ ዝሕሰብ።