ኢትዮጵያ፡ ብምስግጋር ሰባት ገበነኛ ኮይኖም ዝተረኽቡ ሰባት ክሳብ 25 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቤትፍርዲ ኢትዮጵያ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ገበነኛ ኮይኖም ንዝተረኽቡ ሰለስተ ደቂኣንስትዮ ዝርከበኦም 17 ሰባት ካብ ሓደ ክሳብ 25 ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ወሲንሎም።
ተካ ወልደማርያም ዝተባህለ ሓደ ካብቶም ክሱሳት ብድምር 31 ዓመት "ጹነዕ ማእሰርቲ"፡ ብተወሳኺ'ውን 28 ሽሕ ብር ክኸፍል ተፈሪዱ ኣሎ።
ብዘይካ'ዚ፡ ገብረትንሳኤ ሓጎስ ዝተባህለ ተመሳሳሊ ክሲ ዝቐረበሉ ሰብ'ውን፡ 16 ዓመት ማእሰርቲን 80 ሽሕ ብር መቕጻዕትን ተበይንሉ ኣሎ። ደመቀች ማጉጂ ዝተባህለት ኣብ ተመሳሳሊ መዝገብ ክሲ እትርከብ ጓልኣንስተይቲ'ውን 15 ዓመትን 30 ሽሕ ብር መቕጻዕትን ተቐቢላ።
እቶም ዝተረፉ ድማ ካብ ሓደ ዓመት ክሳብ 11 ዓመት ማእሰርቲን፡ ገንዘባዊ መቕጻዕትን ተፈሪዶም። ሚኪያስ ተሾመ ፈጡላ ዝተባህለ ኣሰጋጋሪ 410 ሽሕ ብር ክኸፍል ተኣዚዙ'ሎ።
እቶም ሰባት "ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ገበነኛታት ኮይኖም" ዝተረኽቡ ምዃኖም መግለጺ ፖሊስ ፈደራል ይጠቅስ።
መዓስን እንታይ ክገብሩን ከምዝተታሕዙ ግን እቲ መግለጺ ኣየነጸረን።
ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ካብ ዝውላዕ ንድሓር ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቀንዲ መተሓላለፊት ስደተኛታት ከምዝኾነት ጸብጻባት የመልክቱ።
ካብ ግጭታትን ድኽነትን ዝሃድሙ ስደተኛታት ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ፡ ዩጋንዳን ደቡብ ኣፍሪቃን ክውሕዙ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ብምብራቕ ኣብ ዘሎ መስመር'ውን ብጃልባን ነፈርትን ናብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ይኣትዉ እዮም። ንቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ንምስጋር ኣብ ዝካየድ ፈተነታት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ከምዝጠሓሉ ጸብጻባት ትካላት ስደተኛታት ይገልጹ።
ኣብ ፈለማ ወርሒ መስከረም፡ ሓይልታት ጸጥታ ምስ ምስግጋር ሰባት ብዝተሓሓዝ ኣብ ዘካየድዎ ስርሒታት 47 ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ኣእትዮም ነይሮም።
"እቶም ጥርጡራት፡ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ሽፋን ብምግባር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዜጋታት ብመዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ናብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ወጻኢ ክስደዱ ብምግባር ገበን" ከምዝተኸሰሱ ፖሊስ ሓቢሩ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Ethiopian Federal Police
ኣብ 2020 ብሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ዝነበረ ኪዳነ ሃብተማርያም ዝተባህለ ኤርትራዊ ኣሰጋጋሪ ኣብ ለካቲት 2021 ካብ ቤት ፍርዲ ሃዲሙ ከም ዝተሰወረ ይዝከር። እንተኾነ ግን ኣብ ዘይወዓሎ መጋባእያ ንሕልፈት ክእሰር ተፈሪዱ'ዩ።
ኣብ ክረምቲ 2021 እውን ብ'ወሊድ’ ዝፍለጥ ዘይሕጋዊ ኣስጋሪ ኤርትራዊ ተወልደ ጎይትኦም ኣብ ኢትዮጵያ ን18 ዓመት ተፈሪዱ ምንባሩ ይዝከር።
እቶም ልዑል ክፍሊት እናሓተቱ ስደተኛታት ኣብ ምስግጋር ዝዋፈሩ 'ሰምሰርቲ'፡ ኣብ ልዕሊ'ቶም ካብ ጸገም ሃዲሞም ናብ 'ራህዋ' ክሰጋገሩ ዝጓዓዙ ብዙሕ በደላት ከምዝፍጽሙ ይፍለጥ።
ገለ ካብኦም'ውን ነቶም ብሰላም ናብ ዝደለይዎ ከብጽሕዎም መብጽዓ ዝኣትውሎም ሰባት ኣብ መንገዲ ዝያዳ ገንዘብ ክኸፍሉ ኣብ ፈቐድኡ ዳጒኖም ክሕዝዎምን ከሳቕይዎምን ተራእዮም እዮም።
ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ብዝፍጽምዎ ጾታዊ ዓመጽን ምስርጣያትን'ውን ተሓለቕቲ መሰላት ስደተኛታት ከሰምዕሉ ዝጸንሑ ገበናት'ዩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
