ወዲ 13 ዓመት ቆልዓ 66 ተማሃሮ ዝጸዓነት ኣውቶቡስ ካብ ክፉእ ሓደጋ ኣድሒኑ

ሓደ ወዲ 13 ዓመት ኣመሪካዊ

ምንጪ ስእሊ, REEVES FAMILY

Published

ሓደ ወዲ 13 ዓመት ኣመሪካዊ ቅልጡፍ ስጉምቲ ንነብሱን ን66 መማህርቱን ካብቲ ክፉእ ክኸውን ዝኽእል ዝነበረ ሓደጋ ኣድሒኑ።

እዚ ፍፃመ ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ሚቺጋን ኣብ ከተማ ዋረን ኣብ ዝርከብ ካርተር ማእከላይ ቤት-ትምህርቲ ዘጋጠመ ኰይኑ፡ መራሒት ናይታ ንተማሃሮ ዝጸዓነት ናይ ቤት-ትምህርቲ ኣውቶቡስ ሃንደበት ውነኣ ብምስሓታ፡ እቶም ተማሃሮ ኣብ ሓደጋ ኣትዮም።

ብድሕሪ እቲ መራሒት መኪና ወንበር ኮፍ ኢሉ ዝነበረ ወዲ 13 ዓመት ዲላን ሪቭስ፡ ካብ ወንበሩ ተንሲኡ፡ ነታ ኣውቶቡስ ካብቲ ዓርሳ ዝሰሓተት መራሒት መኪና ተቖጻጺሩ፡ ብዘይ ዝኾነ ሓደጋ ደው ከብላ ክኢሉ።

ኣብ ሓደ ቪድዮ፡ እታ መራሒት ኣውቶቡስ፡ ጽቡቕ ይስምዓ ከም ዘይነበረ ንሓለፍታ መልእኽቲ ክትልእኽ ትርአይ።

ዲላን ሪቭስ፡ ንነብሱን ንኣዕሩኽቱን ካብ ዘስካሕክሕ ሓደጋ ድሕሪ ምድሓኑ፡ ኣብ ዓዱ ጅግና ተባሂሉ ይንኣድ ኣሎ።

ኣባል ባይቶ ከተማ ዋረን ጆናታን ላፈርቲ ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጹ "ብጅግንነትካ ኣዚና ንሕበን!" ክብሉ ሞሳኦም ገሊጾም።

ሓላፊ ማእከላይ ቤት-ትምህርቲ ካርተር ሮበርት ሊቨርኖይስ፡ እቲ ፍጻመ ዝሓለፈ ረቡዕ ተማሃሮ ካብ ቤት-ትምህርቲ ናብ ገዝኦም ኣብ ዝኸዱሉ ዝነበሩ እዋን ከምዘጋጠመ ገሊጹ።

ብሓሙስ ዝተዘርግሐ ካብ ስርዓተ ፀጥታ እታ ኣውቶቡስ ዝተረኽበ ቪድዮ፡ መራሒት እታ ኣውቶቡስ ንሓለፍቲ ቤት-ትምህርቲ ጽቡቕ ከምዘይተሰመዓን ነታ ኣውቶቡስ ደው ከተብላ ከምዘለዋን የመልክት።

ብድሕሪኡ እታ መራሒት መኪና ውነኣ ስሒታ ነታ ኣውቶቡስ ሰዲዳታ፡ ኣብዚ እዋን እዚ፡ እታ ኣውቶቡስ ካብቲ መስመር ክትወጽእ ከላ ተማሃሮ ከእውዩ ኣብቲ ቪድዮ ይስማዕ።

ሓላፊ ናይቲ ቤት-ትምህርቲ ሊቨርሰን፡ ዲለን፡ እታ መራሒት ኣውቶቡስ ነታ መኪና ክትቆጻጸራ ኣብ ዘይትኽእለሉ ኩነታት ከምዘላ ርእዩ፡ ካብ ኮፍ መበሊኡ ተንሲኡ፡ ናብቲ መራሒት መኪና ብምኻድ፡ ነታ ካብቲ መስመር ወጺኣ ዝነበረት ኣውቶቡስ ኣስተኻኺሉ፡ ጠጠው ከምዘበላ ተዛሪቡ።

እቲ ቖልዓ ነታ ኣውቶቡስ ደው ምስ ኣበላ፡ እታ ውንኣ ዝሰሓተት መራሒት መኪና ብቕልጡፍ ሕክምናዊ ረድኤት ምእንቲ ክትረክብ፡ ኣምቡላንስ ንምድዋል ሓገዝ ጸዊዑ።

ፀገም ጥዕና እታ መራሒት ኣውቶቡስ እንታይ ከምዝነበረ ኣይተፈልጠን። ቅድሚ እታ መዓልቲ ግና መኪና እናዘወረት ከምዚ ዓይነት ኩነታት ኣጋጢምዋ ከም ዘይፈልጥ ተገሊጹ።

ፖሊስ ንወለዲ ዲላን ደዊሎም ብዛዕባ እቲ ድራማዊ ቅያኡ ክነግሩዎም ከለዉ፡ ኣቦኦም ስቲቭ ሪቭስ፡ መጀመርታ "እንታይ በዲሉ?" ኢሉ ሓቲቱ።

እቲ ዝደወለ ፖሊስ፡ "ዋላ ሓንቲ ኣይበደለን፤ ወድኻ ጅግና እዩ" ብምባል፡ ኣድናቖሩ ገሊፁ ክብሉ መራኸብቲ ሓፋሽ እቲ ከባቢ ጸብጺበን።

ኣባል ባይቶ እታ ከተማ፡ ንዲላን ዘለዎ ኣድናቖት'ውን ብምግላጽ፡ "ሓንቲ ዘስካሕክሕ ሓደጋ ትራፊክ ከስዕብ እትኽእል ኣውቶቡስ ደው ከብል ከምዝኸኣለ" ገሊጹ።

ድሕሪ እቲ ፍጻመ፡ ሰበይቲ ኣቡኡ ኣሬታ ሪቭስ፡ "የቐንየለይ ዲላን፡ ኩሉ ሰብ ድሕንነት ኣለዎ፡ ንሱ ድማ ኣብ ገዛ ኣሎ" ብምባል፡ ብእኡ ከም እትሕበን ብመገዲ ፌስቡክ ገሊፃ።

ወለዲ መንእሰይ ዲላን ሪቭስ በቲ ወዶም ዝገበሮ ይሕበኑ፡ ስም ወዶም ድማ መዛረቢ ከተማ ኮይኑ ኣሎ።