እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ መሳገሪ ምዕራባዊ ገማግም-ዮርዳኖስ ሰለስተ እስራኤላውያን ተቐቲሎም
ኣብ ዶብ ዮርዳኖስን ምዕራባዊ ገማግምን ሰለስተ እስራኤላውያን ብዝተተኰሰ ጥይት ከም ዝተቐተሉ፡ ሰብመዚ እስራኤል ገሊጾም።
ማሀር ጃዚ ዝተባህለ ዮርዳኖሳዊ ዕጡቕ፡ ካብ ዮርዳኖስ ናብ ድልድል ኣለንቢ ገጹ ብመኪና ጽዕነት ብምቕራብ፡ ካብታ መኪና ወሪዱ ተዅሲ ከም ዝኸፈተ፡ ሰራዊት እስራኤል ሓቢሩ።
ኣካላት ፀጥታ፡ ነቲ ዕጡቕ “ከም ዝቐተልዎን”፡ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ድማ፡ ኣብታ መኪና ነታጒ ከይህሉ ተፍትሽ ከም ዝገበሩ ተሓቢሩ።
ዮርዳኖስ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር እስራኤል ኣብ ዝርከብን መኻይን ዮርዳኖስ ናብ ምዕራባዊ ገማግም ዝኣቱ ንብረት ዘራግፋሉን ከባቢ ዘጋጠመ ክስተት ትምርምሮ ከም ዘላ ኣፍሊጣ።
ማዕከናት ዜና እስራኤል እቶም ግዳያት፡ ወዲ 61 ዓመት ዮሃናን ሽቾሪ፡ ወዲ 65 ዓመት ዩሪ ቢሪንባምን ኣንድርያን ማርሴሎ ፖድዛምቸርን ከም ዝዀኑ ኣቃሊሐን።
ሰለስቲኦም ደቂተባዕትዮ ኣብ ሓለዋ ዶብ ተዋፊሮም ዝሰርሑ ዝነበሩ ኰይኖም፡ ወተሃደራት ወይ ፖሊስ ከምዘይኰይኑ ተገሊጹ።
እስራኤላዊ ሚድያ ካን ኒውስ፡ ነዚ መጥቃዕቲ ዝፈፀመ ጃዚ ወዲ 39 ዓመት ከም ዝዀነን መራሕ መኪና ጽዕነት ከም ዝነበረን ሓቢሩ።
ዝተዘርግሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ እቲ ዕጡቕ ብኣካላት ፀጥታ ቅድሚ ምቕታሉ፡ ናብቲ መዓርፎ ብምኻድ ሰለስተ ግዜ ክትኵስ የርኢ።
ሓደ ዮርዳኖሳዊ በዓልመዚ ዶብ፡ ኣብቲ ከባቢ መራገፊ ጽዕነት ብውሑዱ ክልተ ደርዘን ዝዀኑ ዮርዳኖሳውያን መራሕቲ መኻይን፡ ንምርመራ ብወተሃደራት እስራኤል ተታሒዞም ከም ዝነበሩ ንሮይተርስ ተዛሪቡ።
ድሕሪ'ቲ ፍጻመ ንእስራኤልን ዮርዳኖስን ዘሳግሩ ከባቢታት ከም ዝተዓፀዉ ሰብመዚ ገሊጾም።
እቲ ንጉስ ሑሴን ወይ ኣለንቢ ተባሂሉ ዝፍለጥ ድልድል፡ ኣብ መንጐ ኣማንን እየሩሳሌምን ዝርከብ ኰይኑ፡ ኣብ መንጐ ዮርዳኖስን ምዕራባዊ ገማግም ዝርከብ እንኮ መሳገሪ’ዩ።
ኣለንቢ ብእስራኤል ዘይሓልፍ ናብ ምዕራባዊ ገማግም ዝእተወሉ እንኮ መንገዲ’ውን እዩ።
ዮርዳኖስን እስራኤልን፡ ጸጥታዊ፡ ንግዳውን ዲፕሎማስያውን ሽርክና ዋላ’ኳ እንተሃለወን፡ ዮርዳኖስ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ንትወስዶ ስጕምቲ ትነቅፍ።
ብዙሓት መኻይን ጽዕነት ዮርዳኖስ፡ መዓልታዊ ዶብ ሰጊረን ናብ ዕዳጋታት ምዕራባዊ ገማግምን እስራኤልን ንብረት የቕርባ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ፡ ኣብ ምጅማር ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት፡ “ከቢድ መዓልቲ” ነይሩ ብምባል፡ ንስድራ ግዳያት ጽንዓት ተመንዩ።
ንሱ ወሲኹ፡ “እዚ ኣጸያፊ ሽበራዊ ተግባር ኣብ ድልድል ኣለንቢ ንሰለስተ ዜጋታትና ብጭካነ ቀቲሉ” ኢሉ።
ሰብመዚ ሓማስ ነዚ ቅትለት ሓላፍነት’ኳ እንተዘይወሰዱ፡ ነቲ ፍጻመ ግን ንኲናት ቓዛ ዝተወሃበ “ባህሪያዊ ምላሽ’ዩ” ኢሎም።