ኣመሪካ፡ እስራኤል ኣብ ዘሎ ኤምባሲኣ ቦምባ ከፈንጅር ዝፈተነ ሰብ ከምዝሓዘት ኣፍሊጣ

ኤምባሲ ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ድርብ ዜጋ ኣሜሪካን ጀርመን ዘለዎ ውልቀሰብ ንኣብ እስራኤል ከተማ ተልኣቪቭ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ከቃጽል ፈቲኑ ብዝብል ትማሊ ሰንበት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ተሓቢሩ።

ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ ንወዲ 28 ዓመት ጆሴፍ ኖይማየር ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ጆን ኤፍ ኬነዲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተውዎ ገሊጾም።

ኖይማየር ኣብ ጥቓ እቲ ኤምባሲ ኣብ ቦርሳ ነታጒ ሒዙ ድሕሪ ምርካቡ እዩ ብሰበ-ስልጣን እስራኤል ተሰጒጉ።

እቲ ጥርጡር፡ ብሰንበት ኣብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐረበን ናብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝኣተወን ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

ዋና ዓቃቢት ሕጊ ፓሜላ ቦንዲ፡ "እዚ ተኸሳሲ፡ ኣብ እስራኤል ዝርከብ ኤምባሲና ዒላማ ብምግባር ኣዕናዊ መጥቃዕቲ ብምውጣን ከምኡ'ውን ንኣሜሪካውያን ብሞት ብምፍርራሕን ንህይወት ፕረዚደንት ትራምፕ ስግኣት ብምፍጣርን ተኸሲሱ'ሎ" ኢላ።

እዚ ተጠርጣሪ ታኣሲሩ ዘሎ፡ ሓደ ካልእ ዕጡቕ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ቤተ መዘክር ኣይሁድ ክልተ ኣባላት ኤምባሲ እስራኤል ካብ ዝቕተሉ ድሕሪ ሒደት መዓልታት እዩ።

ኖይማየር ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናብ እስራኤል ከምዝኣተወን ብ19 ግንቦት ጸሊም ሕብሪ ዘለዎ ቦርሳ ሒዙ ናብቲ ኣብ ተልኣቪቭ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ከምዘምርሐን ሰበ-ስልጣን ፌደራል ይዛረቡ።

እቲ ወዲ 28 ዓመት መንእሰይ ብእግሩ እናተጓዕዘ እንከሎ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሓላዊ እቲ ኤምባሲ ጡፍ ከምዝበለ ተሓቢሩ።

ሽዑ እቲ ሓላዊ ክሕዞ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን፡ ኖይማየር ሓዊ ክፈጥር ዝኽእል ባእታ ዝሓዘ ጠርሙዝ ኣብ ቦርሳ ገዲፉ ከም ዝኸደ ይግለጽ። እዚ ድማ ሓዊ ንምውላዕ ዝዓለመ ብተቓጻሊ ፈሳሲ ዝተሰርሐ ንኣሽቱ ቦምባታት እዩ።

ድሒሩ ፖሊስ ኣብ ሆቴሉ ረኺቡ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዎ ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ ገሊጹ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድማ "ኣብ ተልኣቪቭ ዝርከብ ኤምባሲ ከቃጽሎ" ምዃኑ ከምዝሓበረን "ሞት ንኣሜሪካ፤ ሞት ንኣመሪካውያን" ከምዝተመነየን ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ተዛሪቦም።

ኖይመየር ኣብ ካልእ ምስኡ ምትእስሳር ኣለዎ ተባሂሉ ኣብ ዝእመነሉ 'ኣካውንት' ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፋት'ውን ንትራምፕ ክቐትሎ ምዃኑ ኣፈራሪሑ'ዩ ኢሎም።

ኖይመየር ብሰንበት ናብ ኣሜሪካ ኣብ ዝተመለሰሉ በቐጥታ'ዩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ፡ በቲ ቀሪብሉ ዘሎ ክሲ ከኣ እንተበዝሐ ናይ 20 ዓመት ማእሰርቲ ከምዝጽበዮ ይግለጽ።

ዝሓለፈ ረቡዕ፡ ያሮን ሊሺንስኪን ሳራ ሊን ሚልግሪምን ዝተባህሉ መንእሰያት ሰራሕተኛታት ኢምባሲ ኣመሪካ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ቤተ መዘክር ኣይሁድ ብጥይት ምቕታሎም ዝዝከር'ዩ።

እቲ ጥርጡር ወዲ 30 ዓመት ኤልያስ ሮድሪገዝ ካብ ቺካጎ ምዃኑን፡ ነቶም መጻምድቲ ብጥይት ድሕሪ ምቕታሉ "ናጻ ፍልስጤም" ኢሉ ከምዝጨደረን ፖሊስ ሓቢሩ።