‘ሩስያ ንእኽሊ ከም ሰላሕታዊ ሚሳይል ትጥቀመሉ ኣላ’ - ሕብረት ኣውሮጳ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ብሰንኪ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ዓለምለኻዊ ቅልውላው መግቢ ተኸሲቱ ክብል ምዝራቡ ስዒቡ፡ ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣቋሪጹ ወጺኡ።
ቻርለስ ሚሸል፡ ሩስያ ንቐረብ መግቢ ኣንጻር ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ከም “ሰላሕታዊ ሚሳይል” ብምጥቃም ህዝብታት ንድኽነት ክቃልዑ ትገብር ኣላ ኢሉ።
ልኡኽ ሩስያ ኣብቲ ባይቶ ቫዚሊ ነበርዝያ ግን ስኑዕ ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ከሲስዎ።
እቲ ኲናት፡ ካብ ዩክረይን ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ክጓዓዓዝ ዝነበሮ እኽሊ ኣብ ወደባት ደው ክብል ምኽንያት ኰይኑ እዩ።
ዩክረይን ዘይቲ ብልዒ፡ ዕፋንን ስርናይን ብብዝሒ ሰደድ ትገብር፤ ሩስያ እውን እኽልን ድዅዕን ብብዝሒ ተፍሪ።
“ኣምባሳደር ሩስያ፡ ሓቂ ንዛረብ፤ ክረምሊን ቀረብ መግቢ ኣንጻር ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ከም ሰላሕታዊ ሚሳይል ትጥቀመሉ ኣላ፡” ክብል እዩ ቻርለስ ሚሸል ኣብቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝተኻየደ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ተዛሪቡ።
ወሲኹ፡ “ዘሕዝን ሳዕቤን ናይቲ ሩስያ ዝጀመረቶ ኲናት ናብ መላእ ዓለም ይባጻሕ ኣሎ። ዋጋ መግቢ ክውስኽ ብምግባር ህዝብታት ናብ ድኽነት ክኣትዉን ዞባታት ክሕመሱን ይገብር ኣሎ። በዚ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው መግቢ ሩስያ በይና እያ ተሓታቲት፡” ኢሉ።
ብተወሳኺ ኣብ ዩክሬናዊት ወደብ ኦዴሳ፡ ብሚልዮን ቶናት ዝቝጸር እኽሊ ብሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ተዓጊቱ ብዓይኑ ከም ዝረኣየ ገሊጹ።
ሩስያ፡ እኽሊ ዘሚታን፣ ብሰንኪ እቲ ዝወለዓቶ ኲናት እኽሊ ከይዝራእን ከይእከብን ዓንቂፋ፡ ክብል እውን ፕረዚደንት ካውንስል ሕብረት ኣውሮጳ ቻርለስ ሚሸል ከሲሱ።
በዚ ርእይቶ ዝሓረቐ ልኡኽ ሩስያ ብግዲኡ ነቲ ኣኼባ ኣቋሪጹ ወጺኡ።
እቲ ሩስያዊ ዲፕሎማት ካብቲ ኣዳራሽ እናወጽአ'ውን ቻርለስ ሚሸል፡ “ካብዚ ኣዳራሽ ክትወጽእ ትኽእል ኢኻ፤ ምናልባት ነቲ ሓቂ ዘይምስማዕ ይቐልል ይኸውን፡” ክብል ብዘረባ ስዒብዎ።
ናበንዝያ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ብሰንኪ 'ቲ ቻርለስ ዘጋውሖ ሓሶት” ኣብቲ ኣዳራሽ ኣኼባ ክጸንሕ ኣይከኣልኩን ኢሉ።
ኣብ ካልእ ኣኼባ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብተመሳሳሊ፡ ሩስያ እኽሊ ካብ ዩክረይን ሰደድ ከይግበር ክልኪላን ትሕተ ቕርጺ ሕርሻ እታ ሃገር ኣዕንያን ክብል ከሲሱ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

