ሰባት ን‘NFT’ ሚሊዮናት ንምኽፋል ድሕር ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ?

ኤንኤፍቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ቀንዲ ኣጀንዳታት ኣፍቀርቲ ምዕራባውያን መራኸብቲ ብዙሃን፡ ስነ ጥበብን ክሪፕቶክረንሲን እቲ ሓደ NFT (ኤንኤፍቲ) ኰይኑ ቀንዩ'ሎ።

ኣብ ስርዓተ ክሪፕቶከረንሲ ብሎክቸይን ዝተመስረተ ኤንኤፍቲ፡ ኣቓልቦ ብዙሓት ረኺቡ እዩ።

ቅድም ሓደ ዓመት ሓደ ህንዳዊ መንእሰይ ንሓደ ዲጂታዊ ስነጥበብ ብ67 ሚሊዮን ዶላር ምዕዳጉ መዛረቢ ኰይኑ ነይሩ።

ካብ መስረቲ ትዊተር ሓደ ዝኾነ ጃክ ዶርሲ ፈላማይ ትዊቱ ብኤንኤፍቲ 2.9 ሚሊዮን ዶላር ምሻጡ እውን፡ ንብዙሓት ሰባት ዘደነቐ ኰይኑ እዩ።  

ኤንኤፍቲ እንታይ እዩ?

NFT- Non-fungible token ዝብል ምሕጻረ-ቓል ዝውክል እዩ።

ክልሰ-ሓሳብ ኤንኤፍቲ ንምርዳእን ከመይ ከምዝሰርሕን ንምፍላጥን መጀመሪያ ክንርድኦም ዝግብኣና ቀንዲ ነገራት ኣለዉ።

ቀዳማይ፡ ’non-fungible token’ ቍጠባዊ ትርጕም ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ክልሰ-ሓሳብ ብሎክቸይን እዩ።

መዝገበ ቃላት ኦክስፎርድ ኢኮኖሚክስ፡ ፈንጀብል (Fungible) ዝብል ቃል “ሓደ ኣቕሓ ወይ ንብረት ብኻልእ ተመሳሳሊ ኣቐሓ ክቕየር ዘለዎ ዓቕሚ’ ማለት ከምዝኾነ ይገልጽ።

ንኣብነት 10 ቕርሺ ብ 2 ነናይ ሓሙሽተ ቕርሺ ክልወጥ ይኽእል እዩ፤ ስለዝዀነ 10 ቕርሺ መተካእታ ኣለዎ ማለት እዩ።

non-fungible (ናን-ፈንጀብል) ማለት ድማ ብኣንጻሩ መተካእታ ዘይብሉ ማለት ይኸውን።

ነዚ ኣብነት ዝኾነና፡ ሊዮናርዶ ዳ ቪንቺ ብኢዱ ዝሰኣሎ ስእሊ ሞናሊዛ ክኸውን ይኽእል። እዚ ስእሊ ሓደ ጥራይ እዩ ዘሎ፤ ብኻልእ ክትካእ ስለዘይኽእል 'ናን-ፈንጀብል' እዩ።

ብሎክቸይን

መስርሕ ብሎክቸይን ብሚሊዮናት ዝቝጸሩ ኮምፒዩተራት ሕድሐድ ብምትእስሳር፡ ኣብቲ መስርሕ ዝግበሩ ምልውዋጥ ወይ ዕዳጋታት መንግስቲ ይዅን ባንክ ጣልቃ ንኸይኣትው ሰኒዱ ዝሕዝ እዩ።

ብሎክቸይን ዝምዝግቦም ዕዳጋታት፡ ኣብ ሚሊዮናት ኮምፒዩተራት ስለዝቕመጥ ብሰርሰርቲ መጥቃዕቲ ክፍጸሞ ኣይክእልን።

ኣብ ብሎክቸይን መስርሕ ብዝተደረተ ኤንኤፍቲ ሓደ ዲጅታዊ ስነጥበብ ክንዕድግ ከለና ቅድሚኡ መን፡ መዓስን ብኽንደይን ከምዝዓደጎ ከምኡ'ውን ዋናኡ መን ከምዝኾነ ክንፈለጥ የኽእለና።

ሰባት ን‘NFT’ ሚሊዮን ዶላር ንምኽፋል ድሕር ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ?

ብ69 ሚሊዮን ዶላር ዝተዓደገ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, BEEPLE / CHRISTIE'S

ልዕል ኢሉ ዝርአ ስእሊ ብ69 ሚሊዮን ዶላር ዝተዓደገ እዩ።

ዝዀነ ይዅን ሰብ ነዚ ስእሊ ክርእዮ ይኽእል እዩ፤ ኣብ መንደቕ ገዛኡ ዝሰቐሎ'ውን ይህሉ።   

ሰባት ካብ ኢንተርነት ከውርድዎ ዝኽእሉ ስእሊ ስለምንታይ ምዕዳግ ኣድልይዎም?

ነዚ መልሱ፡ ሰባት እንኮ ወነንቲ ዲጂታዊ ስእሊ ክኾኑ ስለዝደልዩ፣ ከምኡ'ውን ኣማራጺ ወፍሪ ከም ዝዀነ ይጥቀስ።

መስርሕ ብሎክቸይን፡ ሰባት ወነንቲ ናይቲ ‘መበቆላዊ ቅዳሕ’ ዲጂታዊ ስነጥበብ ከምዝኾኑ የረጋግጸሎም።

ኤንኤፍቲ ሓደ ሰብ ብኻልእ ሰብ ዘይውነኑ መበቆላዊ ቅዳሓት ዲጂታዊ ስነ ጥበብ ኣኪቡ ክሕዝ የኽእሎ እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት፡ ክሪፕቶከረንሲታት ዋጋኦም እናወሰኸ ስለዝመጸ ሰባት ኣብ ኤንኤፍቲ እንተዝዋፈሩ ዝበለጸ መኽሰብ ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ጋዜጠኛ ቢዝነስ ኢንሳይደር ግሬስ ኬይ ትገልጽ።

ግሬስ ኬይ፡ ናይ ሓደ ኤንኤፍቲ ዋጋ ዝትመን ብድልየት እቲ ዓዳጋይ ከምዝኾነ ክነስተውዕለሉ ዝግባእ ነገር እዩ፡ ትብል። ሰባት ክኸፍሉ ፍቓደኛታት ብዝዀንዎ መጠን፡ ዋጋ ኤንኤፍቲ ክልዕልን ክትሕትን ይኽእል እዩ።

“ኤንኤፍቲ ሓድሽ ዕድል ሒዙ መጺኡ ኣሎ”

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

End of X post

ብዙሓት ሰባት፡ ቶማስ ብዝብል ሽም ዝፈልጥዎ ኮሚዲያን እዮስያስ ኣብ ቀረባ እዋን ክልተ ዲጂታዊ ስራሓቱ ብኤንኤፍቲ ሸይጡ እዩ።

ልዕል ኢሉ ዝርአ ስእሊ፡ ብ0.1 ኢትሪየም (ኣስታት 9 ሽሕ ቅርሺ) ሸይጡ።

ኮሜዲያን ቶማስ፡ “ኤንኤፍቲ ነገራት ክቐሉ እናገበረ እዩ . . . ንቐጻሊ ኣብ ስነጥበብ ንዝተዋፈሩ ሰባት ጽቡቐ ነገር ሒዙ ክመጽእ እዩ” ብምባል ኣብ ኤንኤፍቲ ዘለዎ ተስፋ ይገልጽ።

“ኣብ ቀጻሊ፡ ዋጋ ብኢድ ዝሰኣሉ ኣሳእል እናነከየ፡ ዲጂታዊ ኣሳእል ድማ እናወሰኸ ክኸይድ እዩ” ብምባል ትጽቢቱ ይገልጽ።