ኤርትራ፡ 'ዛንታ ተስፋይ ኣረስዕ ንከይርሳዕ' ብዓርኩ እንክዝንቶ

Published

"ተስፋይ ኣዝዩ ሕያዋይ ሰብ'ዩ ነይሩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበርናሉ እዋን ኣብ ገዛኡ ወሲዱ ምስ ኵሎም ኣባላት ስድራቤቱ ምስ ኣፋለጠኒ፡ ኣብቲ ገዛ ከም ድላየይ ኣታውን ወጻእን ኰይነስ ንሓዋሩ ወዲ ገዛ'ውን ክኸውን በቓዕኩ። እቲ ምሕዝነት ኣይሃሰሰን፣ ዋላ'ኳ ተስፋይ ብ1978 ኣብ 31 ዕድመኡ እንተ ተፈለየና፡" ይብል ይርዳው ካሕሳይ።

ካሕሳይ (ወዲ ለማ) ንዓርኩ ተስፋይ ኣረስዕ ፍካክ ብምዝካር፡ "ብዛዕባ ተስፋይ ዓርከይ ክዝንቶ ዝግባኦ ታሪኽ ኣሎ ... መንፈሱ፡ ሃረርታኡ፡ ሰብኣዊ ባህሪኡ፡ ተበጃውነቱ ኵሉ እንተናኡ ... እዝክር፣ ብህይወተይ ክሳብ ዘለኹ ነቲ ብኣሊፍ ዝሓለፈ ብጻየይን መተዓብይተይን ካብ ምዝካር ሓሊፈ ብዝከኣለኒ መጠን ዛንታኡ ክነግረሉ ሞራላዊ ግቡአይ ምዃኑ ይርድኣኒ፣ እንተ ሓሰብናዮ ኸኣ ኣነ እንተዘይነጊረሉ'ሞ መን ይንገረሉ?" እናበለ ይርዳው ዕላሉ ይጅምር።

"በዓል ተስፋይ ዝኸፈልዎ ዕዳ ገዚፍ ክነሱ ኣብ ታሪኽና ብግቡእ ብዘይምእታዉ የሕዝነኒ፡" ኢሉ ናብ ሓሳቡ ዝመጽዎ ካልኦት ኣዕሩኽቱ - ከም በዓል መልኣከ በላይ፡ ገብረመድህን ገብረስላሴ፡ ሰሎሞን በርሀ ... ብደርግ ዝተረሸኑ ብጾቱ ሓደ-ብሓደ ይጽብጽብ።

ትንፋስ ተስፋይ ዓርኩ ክትሓልፍ እንከላ እንታይ ኰን ኢሉ ይኸውን ኢሉ ዝሓስበሉ እዋን ከም ዘሎ'ውን የዘንቱ።

"እንትርፎ እቶም ብቐረባ ንተስፋይ እንፈልጦ ሰባት፡ ካልኦት ንዛንታኡ ዝፈልጡ ሰባት ዘሎዉ ኣይመስለንን" ይብል ይርዳው።

ቀጺሉ ድማ ብዛዕባ ተስፋይ ንኸዘንቱ ባዕሉ ንነብሱ ኣተባቢዑ ይብገስ።

መጀመርታ ሌላ ምስ ይርዳው ካሕሳይ ...

ይርዳው ኣብ ጊንዳዕ'ዩ ተወሊዱን ዓብዩን። ነቲ ኣብ ጊንዳዕ ዘሕለፎ ንእስነቱ ኸኣ ብናፍቘት'ዩ ዝዝክሮ።

ጊንዳዕ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባህሪ (በዚ ናይ ሎሚ ምምሕዳራዊ ቅርጺ)፡ ኣብ መንጐ ኣስመራን ባጽዕን እትርከብ ምጭውትን ፍርያምን፡ ከምኡ'ውን ምኡዝ ክሊማ ዝተመጠወት ንእሽቶ ከተማን'ያ።

"ኣነ ኣብ ጊንዳዕ ትምህርቲ ዝጀመርኩሉ እዋን፡ ብግዜ ፈደረሽን ምዃኑ'ዩ፡ ብቋንቋ ዓረብ ኢና ንመሃር ኔርና" እናበለ ነቲ ብሓምሳታት ኣብ ጊንዳዕ ዝነበረ ስርዓተ ትምህርቲ ይዝክር።

ዓረብ ጥራይ ዘይኰነ'ውን እቲ ዞባ ሰፈር ተዛረብቲ ቋንቋ ትግረ ስለ ዝዀነ ቋንቋ ትግረ'ውን ኣዕብይዎ'ዩ።

ይርዳው ነቲ ሽዑ ዝነበረ ኣብ ፍቕርን ስኒትን ዝተመርኰሰ ርእሰ-ማል ሕብረተሰብ ዘኪሩ "እቶም ሽዑ ዘዕበዩና ብሉጻት መለለዪታትና - ከም ፍቕርን ዕርክነትን፡ ዝምድና፡ ጕርብትና፡ ሓልዮት ሓድሕድ፡ ምትእምማን፡ ዘኣመሰሉ ባህርያት እዮም ነይሮም፡" ብምባል ብትዝታ ንድሕሪት ይምለሰ።

ክሳብ ሻድሻይ ክፍሊ ኣብ ጊንዳዕ ምስ ተማህረ፡ ስድራኡ ንኣስመራ ኣብ ወንጌላዊት ቤት-ትምህርቲ (ገዛ ከኒሻ) ትምህርቱ ንኽቕጽል ሰደድዎ።

እቲ ናይ ኣስመራ ኣሕዳሪ ቤት-ትምህርቲ ስለ ዝመልአ ግን ንበለዛ ኣስገርዎ።

ኣብ በለዛ ኸኣ ማእከላይ ትምህርቱ ምስ ኣጠንቐቐ ንቀዳማዊ ሃይለ ስላሴ (ኣስመራ) ተሰጋገረ።

"ናብ ቀ.ሃ.ስ. ምስ ሰገርኩ'የ ምስ ተስፋይ ኣረስዕ ተራኺበ" ኢሉ ይርዳው ብዛዕባ ሌላኦም ይዝክሮ።

"ብሓጺሩ፡ ጕዕዞ ህይወተይ ብጊንዳዕ፡ በለዛ፡ ኣስመራ፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ብ1985 ናብ ኣሜሪካ ክግለጽ ይከኣል ... ግናኸ እታ ጐሊሓ እትዝከረኒ ጕዕዞ ህይወተይ ምስ ተስፋይ ኣብ ቀ.ሃ.ስ. ሓቢርና ዝተመሃርናላ እዋን፣ ብድሕሪኡ ኸኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም መናእሰይ ኣብ ሓድሽ ዓለም ዝኣተናሉ መድረኽ'ዩ ክብል እኽእል።

"እቲ ሽዑ ዝነበረ ፍቕርን ምትሕልላይይ መተመኒ የብሉን፣ ዳርጋ ፍጹም'ዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ሕጂ ግን ንሓድሕድካ ምብልላዕ ድኣ'ዩ ተሪፉና'ምበር ሕብረተሰባዊ ርእሰ-ማልና ባኺኑ'ዩ፡" ብምባል ዓለም ከም ዝተለወጠ ይገልጽ።

"ሕጂ ኣብ ዕድመ ጥሮታ በጺሐ ብተዘክሮታት ናይ ቀደም ኣዕሩኽተይ ተዋሒጠ፡ ምናዳ ብተዘክሮታት ተስፋይ፡ ናብ ዓድና ገጸይ ቍሊሕ እብል'ሞ፡ ቍሊሕ ትመስክር ኰይኑ ተሪፉ፡" ብምባል የስተንትን።

እቲ ዝተረፈ ተዘክሮታቱ ድማ ናብ ዓርኩ ገጹ ብምእላይ፡ "ተስፋይ ብህይወቱ እንተ ዝነብርሲ ኣበይ ኰን ምበጽሐ ... እንታይ ኰን ምበለ?" ኢሉ ኣብ ግምታዊ መጐተ ብምእታው ንመንነትን ኣንቅዶን ቅዝፈትን ዓርኩ ከዘንቱ ጀመረ።

ሌላ ምስ ተስፋይ ኣረስዕ

"ምስ ተስፋይ ዓርከይ ብመንፈስ ኢና ንራኸብ፡ ምሳና ስለ ዘየለ" ይብል ይርዳው።

ተስፋይ ንእሽቶ ገዛ ኰይኑ ካብ ኣቦኡ ግራዝማች ኣረስዕ ፍካክ ካብ ኣዲኡ ኣደይ ቅዱሳን ሰለሙን ብ03/02/1948 ተወልደ።

መሰረቱ ካብ ገለብ (መንሳዕ) ኰይኑ ኣብ ከረን'ዩ ተወሊዱን ዓብዩን።

ኣብ ኣሜሪካ ትነብር ዓባይ ሓብቱ ከም ትብሎ፡ ስድራ ቤቶም ብፍቕርን ስኒትን እዮም ኣዕብዮምዎም።

ኣቦይ ኣረስዕ ኣብ ከባቢኦም ሕፉርን ምዕሩግን ሰብ ነበሩ፣ ከም ሰቦም ከኣ ብግዜ ጣልያን ዝቐሰምዎ ትምህርትን ዘዋህለልዎ ፍልጠትን ስለ ዝነበሮም፡ ኣብ ስራሕ ዓለም ኣዝዮም ጥቁው ሰብ ነበሩ።

ብ1964፡ ብዘመን ሃይለስላሰ ምዃኑ'ዩ፡ ግራዝማች ኣረስዕ ብህዝቢ ከረን ተመሪጾም ኣብ ፓርላማ ንከገልግሉ ምስ ስድራቤቶም ንኣዲስ ኣበባ ተጓዕዙ።

ናይ ፓርላማ ስርሖም ምስ ኣብቅዐ ኸኣ ኣብኡ ናቶም ቤት ንግዲ ከፊቶም ይናበሩ ከም ዝነበሩ ሕርይቲ ተዘንቱ።

ኣብ መወዳእታ ሰብዓታት ኣብ ኤርትራ ዝተፈጥረ ኵነታት ኣዝዩ ጽንኩር ነበረ።

ደርግ፡ ብኣጽዋር ሕብረት-ሶቬት- ተሓጊዙ፡ ወራር ኣብ ልዕሊ ወራር ብምክያድ ንገድሊ ኤርትራ ኣሰር ኣጥፊኡዎ ነበረ።

ኰይኑ ድማ ተጋደልቲ ስትራተጂካዊ ምዝላቕ ብምግባር ናብ ዕርድታት ሳሕል ተመልሱ።

እቶም ኣብ ዉሽጢ ከተማ ኰይኖም ዝነጥፉ ዝነበሩ ተጋደልቲ ኸኣ ፋሕ-ጭንግራሕ ኣተዎም፣ ብዙሓት ከኣ ብኣባላት ጸጥታ እናተለቕሙ ተኣስሩ፣ ካብኦም'ውን ብርክት ዝበሉ ሰባት ተረሸኑ።

እቶም ከምልጡ ዝኸኣሉ ድማ ገሊኦም ንሜዳ ኤርትራ ወረዱ፡ እቶም ዝተረፉ ዶባት ጥሒሶም ንስደት ኣምርሑ።

ሓደ ካብቶም ዝተኣስሩ ተስፋይ ኣረስዕ ነበረ። ተስፋይ ብቴሌኮሚዩኒከሽን ዝተመልመለ ኢንጂነር'ዩ።

ኣብቲ ዘመን'ቲ ቴሌኮሚዩኒከሽን ኢትዮጵያ ኣብ ፈቐድኡ ኣብያተ-ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ብምኻድ ተመሃሮ መሪጻ ኢንጂነራት ንክኾኑ ትምልምል ነበረት።

ተስፋይ ከኣ ፈተና ስለ ዝሓለፈ፡ ንኽምልመል ተቘጽረ። ይርዳው'ውን ፈተና ስለ ዝሓለፈ ብሓደ ምስ ተስፋይ ኰይኖም ትምህርቶም ንኽቕጽሉ ንኣዲስ ኣበባ ገዓዙ።

ዕርክነት ተስፋይን ይርዳውን

ተስፋይን ይርዳውን ትምህርቶም ንኽከታተሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣሕዳሪ ቤት-ትምህርቲ ኣተዉ።

መናእሰይ ስለ ዝነበሩ ኸኣ በቲ መንእሰይ ዝሓልፎ ብጽሕና ክሓልፉ ግድን ነበረ።

ይርዳው ከም ዘዘንትዎ፡ "እቲ ዘመን'ቲ ዘይርሳዕ ዘመን ነበረ። ኣብ ኣሕዳሪ ቤት-ትምህርቲ ዝነበርናሉ እዋን ኣበል ተምሃራይ እናተቐበልና ብጸወታን ስሓቕን ዕንደራን ኢና ኣሕሊፍናዮ፣ ምስኡ ኸኣ ትምህርትና እናተኸታተልና ክምህ ከይበልና ተምሃርና፡" ይብል።

ኣብ 60ታትን 70ታትን ኣዲስ ኣበባ ብኤርትራውያን ተዕለቕልቕ ከም ዝነበረት ዝዝከሮም ሰባት ብዙሓት'ዮም።

ኣብቲ እዋን እቲ ባራትን ለይታዊ-ህይወትን ብኤርትራውያን ይመልኡ ነበሩ።

ምስኡ ኸኣ ኣብ ፈቐድኡ ስርሓት፣ መገዲ-ኣየር ኢትዮጵያ፡ ቴሌኮሚዩኒከሽን፡ ትካላት መንግስቲ፡ ባንክታት፡ ጋራጃት፡ ሆቴላት፡ ወነንትን ዘወርትን ታክሲታት፡ ናይ ጽዕነት መካይን ዝኣመሰለ ሒዞም ኣብ ቍጠባ ሃገር ዓቢ ተራ ነበሮም።

ይርዳው ከም ዝብሎ፡ ሰሙን ምሉእ ኣብ ኣሕዳሪ ትምህርቲ ድሕሪ ምጽናሕ ቀዳመ-ሰንበት ምስ ተስፋይ ሓቢሮም ናብ እንዳ ዓለቦኡ ክኸዱ ይዝከሮ።

ስድራቤት ኣቦይ ኣረስዕ ኸኣ ብጽቡቕ ይቕበልዎ ስለ ዝነበሩ፡ ከም ወዲ ገዛ ኰይኑ ዘሕለፎ ምዉቕ እዋን ከቶ ከም ዘይርስዖ የዕልል።

"ሰንበተ-ሰንበት ከኣ እቲ ስድራቤት ንቤተ ክርስትያን (መካነ የሱስ) ክኸዱ ኣነን ተስፋይን ምስኦም ክንከይድ ግድን ነበረ - ካብ ክቱር ዕንደራ ክንነጽህ" ኢሉ ሰሓቕ ይሞልቈ።

ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ስልጠና፡ ትምህርቶም ወዲኦም ኣብ ስራሕ ተመደቡ። ክብል-ክብል ግን ተስፋይ ናብ ምምህርና ሰገረ።

ኣብቲ እዋን ስዉር ሃገራዊ ምንቅስቓስ ስለ ዝገርገረ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ልቦም ብፖለቲካ ብምስላቡ ኣብ ምስጢራዊ ስራሓት ገድሊ ይኣትዉ ነበሩ። ብዙሓት ከኣ ኣብ ሓደጋ ይወድቁ ነበሩ።

ብሓጺሩ፡ ፖለቲካ ኣብ ዓለም መናእሰይ ኤርትራውያን ጽንኩር ለውጢ ኣስዓበ።

"ድሓን ኩን ተስፋይ"

ተስፋይ ኣብ ምስጢራዊ ፖለቲካ ኤርትራ ብምጥሓሉ ህይወቱ እናተቐየረ ከደ።

እቲ ኣብ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝተኸሰተ መቐይሮ ንብዙሓት ኣብ ሓደጋ ከም ዘውደቐ ተኪኤ በየነ ኣብታ "ካብ ሪቕ - ሕፍንቲ" ኢሉ ዝሰመያ መጽሓፉ ተሰኒዱ ንረኽቦ። ንኵነታት ተስፋይ ኣረስዕ'ውን ይገልጾ'ዩ።

ተስፋይ ብምስጢር ንሜዳ ኤርትራ ከይዱ፡ ኣብ ናይ '77 ጉባኤ ተሳቲፉ ንኣዲስ ኣበባ ተመልሰ። ምስጢራዊ ስርሓቱ ኸኣ እናዓበየ ከደ። ሓደ እዋን ተጠቊሙ ከም ዝተኣስረ'ውን ይርዳው የዕልል'ዩ፣ ዕድል ገይሩ ግን ቀልጢፉ ተፈትሐ። ኣብ ካልኣይ ዙርያ ምስ ተኣስረ ግን ደካሊት ዕጫኡ ኰይና ተረፈት።

ንበዓልል ተስፋይ ዘእሰረ ሓደ ካብ ሜዳ ሰሊሙ ዝኣተወ ሰብ ምዃኑ ተኪኤ በየነ ኣብ መጽሓፉ ኣስፊሩዎ ኣሎ።

ተስፋይ ዳግማይ ክእሰር ስድራቤቱ ድሮ ንኤርትራ ተመሊሶም ነይሮም።

ተስፋይ ምስ ተኣስረ ኣቦኡ ካብ ኣስመራ መጺኦም ንዝፈልጡዎም ገለ-ገለ ሰበስልጣን ብምውካስ ላዕልን-ታሕትን ክብሉ ጀመሩ። እቲ ዝረኸብዎ ሓበሬታ ግን ሕማቕ ነበረ።

ይርዳው ይብል ...

"ንተስፋይ ዓርከይ ኵሎ ግዜ'የ ዝዝክሮ። ኣብ ሸዊት ዕድሚኡ ንኤርትራ ክብል ክስዋእ ከምዚ ትማል-ትማል ኰይኑ ይስምዓኒ። ብዙሕ ግዜ ኣብ ሓሳበይ ዝመጽእ ሕቶ 'ብህይወቱ ተሪፉ እንተዝነብርሲ ኣበይ ኰን ምበጽሐ?' ኢለ ንነብሰይ ዝሓተሉ እዋን ኣሎ።"

"ሕጂ እቶም ኣብ ዕራርቦ ህይወት ዝበጻሕና ሰባት ነቶም ብሰብዓታት ኣብ ሰዊት ዕድመኦም ዝሓለፉ ብጾትና ክንዝክር ሓያል ስምዒት'ዩ ዝፈጥር። ከምዚ ከማይዶ ኣብ ስደት ወሊዱን ዘሚዱን ኣብ እዋን ጥሮታ ምበጽሐ? ዉጽኢት ናይቲ ኵሉ ቃልስን መስዋእትን እንተዝርኢኸ እንታይ ኰን ምበለ? ምቐሰነ'ዶ ወይስ ምጐሃየ? ዝብለሉ እዋን ኣሎ፡" ብምባል ተመሊሱ ኣብ ኣስተንትኖ ይኣቱ።

ተስፋይ፡ ሓደ ምሸት ምስ ብርክት ዝበሉ ብጾቱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣዲስ ኣበባ (ኣምስተኛ) ከሎ ንክርሸን ስሒቦም ኣውጽእዎ።

ቤተሰቡ መርሸንቲ ተስፋይ ብዕሊ ኣይተነግሮም፣ ሬሳኡ'ውን ኣይተረከቡን።

"እታ ሓንቲ እተቕስነኒ ነገር፡" ይብል ይርዳው ኣብ ምድምዳም ተዘክሮታቱ፡ "ተስፋይ መምህር ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝወለዳ ጓል ስለ ዝነበረቶ፡ ምእንቲ ካብ ቤተሰቡ ንኸይትፍለ ተቐላጢፈ ግቡአይ ገይረ'የ ክብል እኽእል። ጽዮን ኣብ ከረን ዓብያ፡ ሕጂ ኣደ ሰለስተ ቈልዑ ኰይና ኣብ ኣስመራ ትነብር ኣላ፡" ይብል።