ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሓደ ጻዕዳ ተመሃሪ ኣብ ንብረት ጸሊም ተመሃሪ ሸይኑ

ህንጻ
Published

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዩኒቨርሲቲ ስተለንቦሽ ሓደ ጻዕዳ ተማሃራይ ዩኒቨርስቲ ኣብ ንብረት ጸሊም ተማሃራይ ድሕሪ ምሻኑ ካብ ትምህርቱ ከምዝተኣገደ እቲ ዩኒቨርስቲ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ጉዳይ መርመራ ክግበረሉ ምዃኑን ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ ክሲ ከም ዝምስረተሉን ሓቢሩ።

ተመሃሮ እቲ ዩኒቨርሲቲ'ውን፡ ትማሊ ሰላማዊ ሰልፊ ገይሮም ኣብ ልዕሊ እቲ ተመሃራይ ቀዳማይ ዓመት ዝኾነ ውልቀሰብ ቅልጡፍ ስጉምቲ ንኽውሰድ ክሓቱ እንከለው እቲ ዩኒቨርሲቲ'ውን ግቡእ ስጉምቲ ክወስድ'የ ኢሉ።

እቲ ጻዕዳ ተመሃሪ ኣብ ልዕሊ ንብረት ጸሊም ተመሃሪ ክሸይን እንከሎ ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝተዘርግሐ ኮይኑ፡ እቲ ተግባር ካብ ዓሌታዊ ስምዒት ዝነቅል ክኸውን ከም ዝኽእል እቲ ዩኒቨርሲቲ ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል ማርቲን ቪልጆን፡ "እዚ ኣዕናዊ፡ ጐዳእን ዓሌታውን ተግባር" እዩ ብምባል እቲ ዩኒቨርሲቲ ነዚ ተግባር ከም ዝኹንኖ ተዛሪቡ።

እቲ ግዳይ ክሳብ ሕጂ ኣብ ስንባደ ከም ዘሎን እቲ ዝተፈጥረ ነገራት ንምርዳእ ጻዕሪ ይገብር ምህላውን'ውን እቲ ዩኒቨርሲቲ ገሊጹ።

እዚ ጉዳይ ክፍጠር እንከሎ፡ እቲ ጸሊም ተመሃሪ ኣብ ዝድቅሰሉ ክፍሊ ደቂሱ ከም ዝነበረን ምስ ነቕሐ ኣብ ክፍሉ ካልእ ሰብ ከም ዝረኣየን ማዕከናት ዜና እቲ ከባቢ ጸብጺበን።

ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝተዘርግሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ድማ፡ እቲ ጸሊም ተመሃሪ ነቲ ጻዕዳ ስለ ምንታይ ኣብ ንብረተይ ትሸይን እናበለ ክሓቶ ይስማዕ።

እዚ ክስተት ግን፡ ሕጂ'ውን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ዓሌታውነት ከም ዘይጠፍአ ዘርኢ ምዃኑ ይግለጽ።