እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቢንያም ግርማይ፡ መርሃዊ ቅዱስን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ኣብ' ጂሮ ዲ ኢታልያ' ክሳተፉ'ዮም
ኣብቲ ካብ 6 ግንቦት ዝጅምርን ሓደ ካብቶም ሰለስተ ቱራት ዓለም ዝኾነን ጂሮ ዲ ኢታልያ ሰለስተ ኤርትራውያን ፕሮፈሽናል ተቐዳደምቲ መምስ ጋንታታቶም ኮይኖም ክሳተፉ እዮም።
መርሃዊ ቅዱስ ምስ ኣሜሪካዊት ጋንታ ኢኤፍ ኤጁኬሽን፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ምስ ኢጣልያዊት ጋንታ ኣንድሮኒ ጅያካቶሊ፡ ከምኡ ኸኣ ቢንያም ግርማያ ምስ በልጁማዊት ጋንታ ኢንትርማርች ዋንት ጎበርት ብምዃን ኣብዚ ውድድር ክሳተፉ'ዮም።
እቲ ክሳብ 29 ግንቦት ዝጸንሕ ጂሮ ዲ ኢታልያ፡ 21 መድረኻት ዘለዎ ውድድር ኮይኑ፡ ተቐዳደምቲ ሰለስተ መዓልታት (ዕለት 9፡ 16 ከምኡ'ውን 23 ግንቦት) ጥራይ እዮም ከዕርፉ።
ተቐዳዳምቲ ኣብዚ 21 መድረኻት ዘለዎ ውድድር፡ ብማእከላይ ገምጋም መዓልታዊ 164.1 ኪሎሜተር ብምዝዋር ብሓፈሻ 3,445.6 ኪሎሜተር ርሕቀትን 50,582 ሜትሮ ብራኸን ክዝውሩ'ዮም።
ቢንያም ግርማይ ሓደ ካብቶም ኣብዚ ውድድር ኣቓልቦ ተዋሂብዎ ዘሎ ተቐዳዳማይ ኮይኑ፡ ኣብዚ 27 መጋቢት ኣብ ቤልጂም ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ገንት ወቨልገን ብዘደንቕ ቅጽበታዊ ውድድር ቀዳማይ ኮይኑ ብምእታዉ፡ ንዕኡ፡ ንጋንትኡ፡ ንሃገሩን ንኣፍሪቃን ቦኽሪ ዓወት ውድድር ክላሲክ ከመዝግብ ክኢሉ እዩ።
ቢንያም ግርማይ ኣብዛ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ጥራይ ተላዒልዋ ዘሎ ዓመት 2022፡ ኣብ ከም ፍራንክፈርት፡ ሚላኖ ሳንሪሞ፡ ፓሪስ ኒሰ፡ ድሮም ክላሲክ ዝርከቦም ዝተፈላለየ ውድድራት ን25 መዓልታት ብምውድዳር 4295 ኪሎሜተር ሸፊኑ፡ ኣብ ዩሲኣይ 531 ነጥቢ ኣመዝጊቡ ኣሎ።
ዕዉት ዙር ርዋንዳ 2022 ከምኡ'ውን 2020 ናትናኤል ተስፋጽዮን ብወገኑ፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ከም ዙር ርዋንዳ፡ ትሮፊኖ ላኢጓግለያ፡ ቶሪኖ ኣድርያቲኮ፡ ሚላቦኢ ቶሪኖኢን ካልእን ውድድራት ን29 መዓልታት ብምስታፍ 4365 ኪሎሜተር ዘዊሩ ኣብ ዩሲኣይ 218 ነጥቢ ኣዋህሊሉ ይርከብ።
ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት ኣብ ዙር ርዋንዳ ብምስታፍ ንኻልኣይ ግዜኡ ዕዉት ብጫ ማልያ ዙር ርዋንዳ ብምዃን ዘመዝገቦ ዓወት፡ ናይዚ ዓመት ዝበለጸ ዓወቱ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ዙር ኣልፐስ'ውን ጽቡቕ ውጽኢት ከመዝግብ ክኢሉ እዩ።
ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ መጀመርታ መድረኽ ዙር ኣልፐስ ንዝበለጸ መንእሰይ እትወሃብ ማልያ ክውንና እንከሎ፡ ኣብ መወዳእታ መድረኽ ኸኣ ኣብቲ ዙር ብዘርኣዩ ብሉጽ ተወዳዳርነት (most aggressive rider)፡ ንዝኽሪ ገዲም ተቐዳዳማይን ኣብ ውድድር ኣልፐስ ኣብ 2017 ብሓደጋ መኪና ዝሞተን ሚሸል ስክራፖኒ እትዳሎ ብጫ ማልያ ዙር ኣልፕስ 2022፡ ካብ ኢድ ስድራ ቤት ሚቸል ስክራፖኒ ተቐቢሉ።
ምስ ኣሜሪካዊት ጋንታ ኢኤፍ ኤጁኬሽን ኮይኑ ውድድሩ ዘካይድ መርሃዊ ቅዱስ ብወገኑ፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ዙር ኣልፐስ፡ ቮልታ ቺክሊስታ ካታሎንያን ዙር ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ብምውድዳር፡ 19 መዓልታት ውድድር ብምክያድ 3001 ኪሎሜተር ዘዊሩ ኣብ ዩሲኣይ 10 ነጥቢ ኣዋህሊሉ ኣሎ።
ኣብዚ ጽባሕ ካብ ቡዳፔስት ሃንጋሪ ዝጅመር ውድድር፡ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ሃገራት ማእከላይ ኣውሮጳ ውድድር ብምክያድ፡ ናብ ሲሲሊ ብምምራሕ፡ ኣብ 29 ግንቦት ኣብ ከተማ ቬሮና'ዩ ክዛዘም።
ነዚ ውድድር ክዕወትሉ ተስፋ ተነቢርዎም ዘሎ ተቐዳደምቲ
ኣብዚ ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ንሰለስተ ሳምንታት ዝቕጽል ጂሮ ዲ ኢታሊ ሓያላት ተጻወትቲ ክዕወትሉ ይኽእሉ እዮም ተባሂሎም ብኣጋኡ ግምት ተዋሂብዎም ኣሎ።
ነዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ኣብ ኣብ 2019 ከምኡ'ውን ኣብ 2017 ነዚ ውድድር ብቕደም ተኸተል ዝተዓወተሉ ሪቻርድ ካራፓዝን ቶም ዱሞሊን ካብቶም ንዓወቶም ክደግምዎ ይኽእሉ'ዮም ተባሂሎም ተገሚቶም ዘለዉ ተቐዳደምቲ እዮም።
ኣብ 2018 ንቮልታ ስጳኛ ዝተዓወተሉ ሳይሞን ያተስ'ውን ክዕወት ይኽእል'ዩ ተባሂሉ ትጽቢት ተገይርሉ ዘሎ እዩ። ሳይሞን ነዚ ውድድር እንተተዓዊትሉ ንኽልተ ግራንድ ቱር ዝተዓወተ ተቐዳዳማይ ክኸውን እዩ።ንጋንታታቶም መሪሖም ዝኣትዉ ጅዮ ኣልሜዳ፡ ፑለፐ ቢልባኦን ኣንገል ሎፐዝን'ውን ንህሉው ቁመናኦም ኣብ ግምት ኣእቲኻ ኣብ ዝርዝር ክኣትዉ ትጽቢት ይግበር።
ኣብ 2019 ምስ ጋንታ ሙዚ ስታር ብምዃን ን ጂሮ ዲ ኢታሊያ ዝተዓወተሉ ሪቻርድ ካራፓዝ'ውን ነዚ ናይ ሎሚ ዓመት ክዕወትሉ ምስ ዝኽእሉ ተቐዳደምቲ ተሰሪዑ ኣሎ።
ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ልዕሊ ትጽቢታት ዓወታት ዘመዝግብ ዘሎ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ'ውን ብውሕዱ ናይ መድረኽ ዓወት ከመዝግብ ከምዝኽእል ብዙሓት ተንተንቲ ይገልጹ።
ኣብዚ ውድድር ዝሳተፋ ጋንታታት
ኣብዚ ውድድር 22 ጋንታታት፡ ነፍሲ ወከፈን 8 ተቐዳደምቲ ሒዘን ክወዳደራ እየን። በዚ መሰረት፡ 176 ተቐዳደምቲ ኣብ ምጅማር እቲ ውድድር ክርከቡ'ዮም።
ተሳተፍቲ ጋንታታት ኢንዮስ ግራንድየር፡ ኤጂ2ኣር ሲትሮን፡ ኣልፐሲን ደኒክስ፡ ኣስታና ካዛኺስታን፡ ባሕረይን ቪክተርዮስ፡ ባርድያኒ፡ ቦራ፡ ኮፊደስ፡ ኣንድሮኒ ጅያካቶሊ፡ ኢኤፍ ኤጁኬሽን፡ ኢኦኤልኦ ኮመታ፡ ግሮፖማ ኤፍዱጀይ፡ ኢንተርማርች ዋንቲ ጎበርት፡ እስራኤል ፕሪሜር ቴክ፡ ጃምቦ ቪዝማ፡ ሎተሮ ሳውዳል፡ ሞቪስታር፡ ኲክ ስተፕ፡ ባይክ ኤክስቸንጅ፡ ቲም ዲኤስኤም፡ ከምኡ'ውን ትሬክን ዩኤኢ ቲም ኢማራትስ እየን።