ውጻእ-መዓት መጥቃዕቲ ኣሲድ ሰላማዊት፡ "ሕዚ'ውን ምፍርራሓት ይበጽሐኒ'ሎ"

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ወረዳ 'ሁለት እጁ እነሴ' ከተማ ቀራንዮ፡ ይሄነው ፈንታ ዝተባህለ ፡ ቅድም ክብል ኣብ ልዕሊ ሰላማዊት መጥቃዕቲ ኣሲድ ዝፈጸመ ውልቀሰብ፡ ናብኣን ናብ ወለዳን መፈራርሒ መልእኽታት ከም ዝሰድድ ትዛረብ።
በቲ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ገበነኛ ዝተባህለ እዚ ውልቀሰብ ማእሰርቲ 14 ዓመት፡ ኣዝዩ ውሑድ ከም ዝኾነን ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጽአ ካልእ ጉድኣት ከብጽሓለይ ይኸውን'ዶ ዝብል ስግኣት ከም ዘለዋ'ውን ተረድእ።
ሰላማዊት በቲ ናብ ኣካላታ ዝተደፍአ ኣሲድ ክልተ እዝና ክቃጸል እንከሎ፡ ክልቲኡ ምዕጉርቲ ገጻ፣ ክሳዳ፣ ሑቖኣን ሓደ ጡባን'ውን በቲ ኣሲድ ተቓጺሎም ጉድኣት በጺሑዎም እዩ።
እቲ ዝዓበየ ጉድኣት ዝበጽሖ ቆርበታ ንምሕካም ድማ መጥባሕቲ ፕላስቲክ ከም ዝተገበረላ ሓቢራ።
እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ይሄነው ፈንታ፡ ንሰላማዊት "የፍቅረኪ'የ" ብዝብል ንሓሙሽተ ዓመታት ክከታተላ ጸኒሑ። ንሳ ከም እትብሎ እንተኸይኑ መጀመርታ ኣብ ዕዳጋ እዩ ክከታተላ ጀሚሩ።
'እዚ መጥቃዕቲ፡ ናይ መጀመርታኡ ኣይኮነን'
መጀመርታ፡ ናብ ቤተ ክርስቲያን ክትከይድ እንከላ ተጸብዩ ሓቢራታ ምስ ዝነበረት መሓዝኣ ከም ዝቀጥቀጠንን ክሳብ ሕክምና ዝበጽሕ ጉድኣት ከም ዘብጽሓለንን ትዛረብ።
ይኹን'ምበር፡ ኣብቲ ግዜ ዝበጽሓ ጉድኣት ኣመልኪቱ ናብ ፖሊስ ከተማ ሞጣ ሪፖርት እኳ እንተገበረት ዘዕግብ ምላሽ እንከይረኸበት እቲ ውልቀሰብ'ውን ስጉምቲ ከይተወስዶ ተሪፉ።
ብምፍርራሕን ብምህራምን ኣየእኸለን፤ ብ18 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] "ናብቲ እትሰርሓሉ ፋርማሲ ብምኻድ ብጆክ ዝሓዞ ሳልፈሪክ ኣሲድ ብምድፋእ ቆርበታ ክቃጸልን ስነ ልቦናዊ ስምብራት ክበጽሓን" ከም ዝገበረ ትዛረብ።
ሰላማዊት ኣብ ሞንጎ ዕላላ፡ "መንነተይ ክጠፍእ'ዩ ደልዩ" ዝብል ቃል ሰው ተብል።
እቲ መጀመርታ ክትህረም እንከላ ዘይበጽሐላ ፖሊስ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ኣሲድ'ውን ነቲ ውልቀሰብ ንምሓዝ ከም ዘይደለየ ሰላማዊትን ሓዋን ብተደጋጋሚ ይዛረቡ።
"እቲ መጥቃዕቲ ምስ ኣብጽሐለይ፡ ኣብቲ ወረዳ ዘለው ፖሊስ ክሕዙዎ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። ድሕሪ ሓደ ወርሒ ካልኦት ሰባት'ዮም ሒዞም ናብ ፖሊስ ኣረኪቦምዎ። እዚ፡ ኣሲድ ዝደፍኣለይ ሰብ ብህይወት ምትራፈይ ስለ ዘጣዐሶ ናብ ቤተሰበይ ስልኪ እናደወለ የፈራርሖም ነይሩ"።
ጓል 24 ዓመት ሰላማዊት ብፋርማሲ ብዲፕሎማ ተመሪቓ ኣብ ከተማ ቀራንዮ ኣብ ዝርከብ ሓደ ፋርማሲ ትሰርሕ ነይራ።
"ኣብ በሪ እቲ ፋርማሲ ኰፍ ኢለ እንከለኹ፡ ኣብ ኢዱ ዝኾነ ነገር ሒዙ ይመጽእ። ኣነ 'ከምዚ ክኸውን እዩ' ኢለ ስለ ዘይሓሰብኩ፡ ካብቲ ኰፍ ዝበልኩሉ ኣይተተሳእኩን። ድሓር ደፊኡለይ" ክትብል ትዛረብ።
ሰላማዊት፡ ሕዚ'ውን ካብቲ ዝበጽሓ መጥቃዕቲ ኣሲድ ኣይሓወየትን። ናብቲ እትነብረሉ ዝነበረት ከተማ ክትምለስ ከም ዘይትደሊ ትገልጽ።
ሕዚ፡ መነባብሮኣ ኣብ ባህርዳር ኮይኑ ናብ ኣዲስ ኣበባ እናተመላለሰት ሕክምናዊ ክትትል ትገብር ኣላ።
ናይ ሕክምና ወጻኢታታ ድማ ቤተሰባ ሸፊኖምዎ።
ሓው ሰላማዊት ኣቶ ኣንተነህ መላው፡ ቤተሰቡ ክሳብ ሕዚ ልዐዕሊ 1.2 ሚሊዮን ብር ንሕክምና ከም ዘውጽአ ይዛረብ።
"ናይ ቀረባን ርሑቕን ቤተሰብ ዘለው ጥሪት ሸይጡ ንሕክምና ኣውዒሉዎ" ይብል።
ብተወሳኺ፡ እቲ ገበነኛ ዝተባህለ ውልቀሰብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ ስልኪ እናደወለ ነቲ ቤተሰብ የፈራርሕ ከም ዘሎ ገሊጹ።
"ኣብ ሞጣ ሓደ ኣኮኣ ኣሎ። ንዕኡ 'ንስኻ ኢኻ ከይምርዓዋ ገይርካ' ብማለት ቅድሚ ምእሳሩ'ውን ይሕነየሉ ነይሩ። ኣብቲ ንሱ ዝነብረሉ ከባቢ'ውን ተራእዩ ነይሩ። ሕዚ'ውን መጥቃዕቲ ክፍጽም ከም ዝኽእል ንሰግእ" ይብል ኣቶ ኣንተነህ።
እቲ ውልቀሰብ፡ ቤተሰቡ ብዝገበሩዎ ጻዕሪ ተታሒዙ ናብ ፖሊስ ከም ዝተወስደ ኣንተነህ ይዛረብ።
ኣብዚ ጉዳይ ሓላፊ ክፍሊ መርመራ ገበን ቤት ጽሕፈት ፖሊስ እታ ወረዳ ኢንስፔክተር ብርሃኑ ኣድማሱ፡ ስለ ምንታይ እቲ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ንምውዓል ፖሊስ ዘንጊዑ ክንብል ሓቲትናዮ።
"ክልቲኦም፡ ንነዊሕ ግዜ ብሓባር ከም ዝነበሩ'ዩ ዝፍለጥ። ንሕና'ውን እቲ መጥቃዕቲ ምስ በጽሐ ኢና ሰሚዕናዮ። ድሕሪኡ 'ወይ መሊእኺ ዘወር በሊ' ክብላ እንከሎ 'ኣይደልየካን' ምስ በለቶ'ዩ እቲ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ" ኢሉ።
እታ ግዳይን ስድራቤታን ካብ ዝብሉዎ ወጻእ ብወገን እቲ ገበነኛ ንዝቐርብ ሞገት ሒዞም እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምንእኣስ ብመንጽር ብሕጊ ዝተዋህበካ ሓላፍነት ግቡእ ድዩ? ዝብል ሕቶ'ውን ቀሪብሉ።
"እዚ፡ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ተግባር ልዕሊ ቅትለት እዩ። ንሶም ከም ዝብሉዎ ናብ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ኣይመጽኡን። እቲ ውልቀሰብ ኣብታ ከተማ ቀትርን ለይትን ይንቀሳቐስ ነይሩ። ኣብ ቀይዲ ክሳብ ዘይኣተወ ግን ናትና ዕሽሽታ እዩ ክብሃል ኣይክእልን። ግን ድማ ብመልክዑ ኣይንፈልጦን ነይርና። ንሶም ከም ዝብሉዎ ዘይኮነ፡ ምስ ኣካላት ጸጥታ ብምትሕብባር ኢና ሒዝናዮ" ክብል ተዛሪቡ።
"እቲ ፍርዲ እኹል ኣይኮነን"
ኣተሓባባሪት ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ክልል ኣምሓራ ጉዳይ ሰላማዊት ዝከታተል ዘሎ ማሕበር ሰብ ሞያ ሕጊ ደቂ ኣንስትዮ ዝኾነት ወይዘሮ ሙሉጎጃም ደምስ፡ ከም እትብሎ እቱ ጉዳይ ኣዝዩ ኣሻቓሊ'ዩ።
ዓቃቢ ሕጊ፡ መጥቃዕቲ ኣሲድ "ከቢድ ኣካላዊ መጉዳእቲ" ብዝብል ክሲ ምምስራቱ ግቡእ ከም ዘይኮነ፡ እዚ ድማ ነቲ ዝተፈጸመ ገበን ዝምጥን መቕጻዕቲ ንከይውሃብ ምኽንያት ከም ዝኾነ እታ በዓልቲ ሞያ ተረድእ።
ብመጥቃዕቲ ኣሲድ፡ ህይወት ክሓልፍ ከም ዝኽእል ብምግላጽ ፈተነ ቅትለት ተባሂሉ ክርኣይ ዝግብኦ ጉዳይ ምዃኑ ትገልጽ።
"ፍርዲ ምስ ተዋህበ ክሲ ክመሓየሽ ኣይክእልን። እንተኾነ ንመጻኢ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕታት ብፈተነ ቅትለት ንክርኣዩ ዓቃቢ ሕጊ ሰርኩላር ንከውጽእ ኣብዚ ሰሙን ደብዳበ ጽሒፍና ኣእቲና ኣለና" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ይኹን'ምበር፡ ሰላማዊት ንእተቕርቦ ሕቶ ፍትሃብሄር፡ እቲ ማሕበር ናይ ሕጊ ድጋፍ ይህባ ከም ዘሎን እቲ ውልቀሰብ ዘቕረቦ ናይ ይግባይ ሕቶ ወለንታውያን ሰብ ሞያ ሕጊ እቲ ማሕበር ይከታተሉዎ ምህላዎምን ሓቢራ።
"ጉዳይ ሰላማዊት ፖሊስ ኮነ ዓቃቢ ሕጊ እኹል ትኹረት ኣይሃቡዎን ኢልና ኢና ንኣምን" ኢላ።
መፍትሒኡ እንታይ'ዩ?
ኣብ ቀረባ ዝተፈጸሙ ተመሳሰልቲ መጥቃዕታት እንተወሲድና፡ እቶም መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ኣካላት ዘብጽሑዎ ጉድኣት እናወሰኸ ዝኸይድ መጥቃዕቲ የብጽሑ፤ ግዳያት ድማ እንታይ ክገብሩ ከም ዘዎም ብዘይምፍላጦም ወይ ሰማዒ ኣካል ብዘይምርካቦም ትም ይብሉ።
ብ30 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ብፍቕረኝኣ ብሓዊ ተቓጺላ ህይወታ ዝሓለፈ ሰብለ ንጉሴ፡ እቲ ገበነኛ ቅድም ኢሉ'ውን ኣካላዊ መጥቃዕቲ ኣብጺሑላ ምንባሩ ሓዋ ያእቆብ ንጉሴ ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ።
ብዙሓት ኣዝዮም ዘሰክፉ መጥቃዕታት ምስ በጽሑ ተመሳሰልቲ ታሪኻት ምስማዕ ክኣ ልሙድ እዩ።
በዓልቲ ሞያ ሕጊን ኣብ ማዕርነት ስርዓተ ጾታ እንተሰርሕን ህሊና ብርሃኑ፡ "እዚኦም፡ ኣሲድ ካብ ምድፋእ ወይ ምቕታል ኣይጅምሩን" ትብል።
እቲ ሕብረተሰብ ክኹንኖም ዘይደሊ ግን ድማ ፍጹም ቕቡልነት ዘይብሎም ሰላምን ድሕነትን ደቂ ኣንስትዮ ዝርብሹ ተግባራት ናብ ከምዚኦም ዝበሉ ዘስካሕክሑ ፍጻመታት ከም ዘምርሑ ትዛረብ።
ደቂ ኣንስትዮ ማዕረ እቲ ካልእ ዜጋ ኣብ ሰላምን ኲናት ኣብ ዘለወሉን ግዜ ወጺአን ክኣትዋሉ ንዘይክእላ ሃገር ስለ ምንታይ ግብሪ ይኸፍላ ክትብል'ውን ትሓትት።
"እዚ እንተዘይገይርካ፡ ወዲ ተባዕታይ ጥራይ ንምግልጋል ጠጠው ዝበሉ ትካላት እዮም ዝኾኑ። ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ንዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ዘየገልግል ትካል ክኣ ሃገራዊ ትካል ክብሃል ኣይክእል" ብማለት ትነቅፍ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
