ቤልጂም፡ ናብ እኩባት ሰባት ንሂራ ዝኣተወት መኪና 6 ሰባት ቀቲላ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ደቡብ ቤልጅም ኣብ እትርከብ ንኡሽቶ ከተማ ሓደ ውልቀሰብ ንባህላዊ ክብረ በዓል ተኣኪቦም ኣብ ዝነበሩ ሰባት መኪንኡ ኣንሂሩ ብምእታው ዘዊሩ ሽዱሽተ ሰባት ቐቲሉ።
እዚ ክስተት ትማሊ ካብ ብራስለስ 50 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ስትሪፒ ብራኵዊንስ ዝተባህለት ንኡሽቶ ከተማ እዩ ኣጋጢሙ።
በዚ ሓደጋ ካልኦት ኣስታት 40 ሰባት ከም ዝቖሰሉን ዓሰርታት ኣብ ዘስግእ ኩነታት ከም ዝርከቡን ከንቲባ እታ ከተማ ተዛሪቡ።
ከንቲባ ጃኩዌስ ጎበርት "ካብ 150 ክሳብ 200 ዝኾኑ ሰባት ናብቲ በዓል ዝኽበረሉ ቦታ ክኸዱ እንከለው እቲ መኪና ብድሕሪኦም መጺኡ ገጪዩዎም" ኢሉ።
እቲ ውልቀሰብ ብማእኸል ህዝቢ መኪና ብፍጥነት እናሽከርከረ ን100 ሜትሮ ዝኣክል ከም ዝኸደ ዝገልጽ እቲ ከንቲባ "እዚ ብሃገራዊ ሓደጋ እዩ" ክብል በቲ ክስተት ከም ዝሰንበደ ገሊጹ።
ኣብቲ ጉዳይ መርመራ ከም ዝጀመረ ዝገለጸ ፖሊስ ብወገኑ እቲ ተግባር ምስ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝራኸብ ኣይኮነን ኢሉ።
"ዘሰክፍ ሓደጋ እዩ። እቲ መራሒ መኪና ሰባት ገጭዩ ከምልጥ ፈቲኑ ፖሊስ ቐልጢፉ ጠጠው ኣቢሉዎ'ዩ" ክትብል ወሃቢት ቃል ፖሊስ ክርስቲና ላኖኮ ንቢቢሲ ተዛሪባ።
እቲ መራሒ መኪናን ካልኦት ኣብታ መኪና ዝነበሩን ሰባት'ውን ኣብ ቀይዲ ከም ዝውዓሉ ሓቢራ።
ሚኒስትር ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ቤልጅም ኣኔሊስ ኤርሊንደን ንስድራ ግዳያት ምጽንናዕ ክምነ እንከሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ዲ ክሮ እውን ኣብ ቀረባ ናብቲ ቦታ ክበጽሕ እዩ ተባሂሉ ይግመት።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
