ኣህጕራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ፡ ትርጕሙ ንኣፍሪቃ

ምንጪ ስእሊ, UN Women/Bennie Khanyizira
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ንምርግጋጹ ብዙሕ ዋጋ ዝተኽፈሎ መሰል ደቂ ኣንስትዮ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወት ገና ዝርአ ዘሎ ጾታዊ ኣድልዎ ንኸብቅዕ ዝግበር ቃልሲ ኣፍልጦ ንምሃብን ንምኽባርን ኢሉ፡ 8 መጋቢት ኣህጕራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ክትከውን ወሲኑ።
"ጾታዊ ማዕርነት ሎሚ፡ ንቐጻልነት ጽባሕ" ዝብል፡ ንናይዚ ዓመት ኣህጕራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝተመርጸ ቴማ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስለምንታይ እዚ ቴማ?
ዶክተር ማሲሞ ሆይናቶ፡ ኣብ ዛዕባ ደቀንስትዮ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዞባዊ ዳይረክተር ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ፡ ንቢቢሲ ከም ዝገለጸቶ፡ "ኣብ ውሽጢ መቓን ክሊማዊ ቅልውላው፡ ዕንወት [ከባቢን] ምንካይ ስግኣታትን ኣብ ዝግበር ቃልሲ፡ ጾታዊ ማዕርነት ከተሰጕም ዝዓበየ ብድሆ መበል 21 ክፍለ ዘመን እዩ፡" ኢላ።
"ደቀስትዮን ኣዋልድን፡ ዓቢይ ተጸላውነት ክሊማዊ ለውጢ ዝስከማ ዘለዋ እየን፡" ክትብል ትውስኽ።
መጽናዕትታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዘረጋግጽዎ፡ ብዙሓት ደቀንስትዮን ኣዋልድን ብሰንኪ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ይሞታ።
"ንኣብነት፡ ኣብ 2014 ኣብ ደሴታት ሰሎሞን ብሰንኪ ዘጋጠመ ዕልቕልቕ ካብ ዘጋጠመ መጠን ሞት፡ 95% ደቂ ኣንስትዮ ነይረን። 55% ሞት ደቀንስትዮ ኣብ 2015 ኣብ ኔፓል ብሰንኪ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፣ ኣብ 2019 ኣብ ማላዊ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ህቦብላ ካብ ዝተመዛበሉ፡ 59% ደቀንስትዮ ነይረን፡" ብዝብል፡ መርበብ ሓበሬታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።
ብተወሳኺ፡ ምስ ኵነታት ኣየር ዝተኣሳሰር ሓደጋታት፡ ማሕበረ-ቍጠባዊ ሽግራት ከጋድድ ጸኒሑ'ሎ።
"ኣብ ዩጋንዳ ንኣብነት፡ ህልቂት ከብቲ፡ ፍሽለት ግራውትን ኣዝርእትን፡ ድርቂ ዘስዓቦ ስእነት ውሕስነት መግቢ፣ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፡ ብዝሒ ብኵራት ተማሃሮ ካብ ትምህርቲ ከዛይዶ ክኢሉ እዩ። ብሰንኩ፡ ግዱድ ሽቕለት ደቂ ኣንስትዮ ክጋደድ፣ ብስእነት መግቢ ዝተደረኸ ወይ መግቢ ንምግባርን ብመግቢ ንምቕያረንን ተባሂሉ ዝግበር ግዱድ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ቈልዑ'ውን ኣስዒቡ እዩ፡" ክብል፡ 'ደቨሎፕመንት ፎካስ' ዝተባህለ ትካል ዜና ኣብ ዘውጽኦ ዓንቀጽ ኣስፊርዎ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, Harlingue
ኣህጕራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ከመይ ኢሉ እዩ መጺኡ?
ኣህጕራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ፡ ካብቲ ኣብ 1908 ዝጀመረ ምንቅስቓስ ሸቃሎ ዝተወልደ እዩ። ድሒሩ ኸኣ፡ ከም ዓመታዊ ኣህጕራዊ ጽንብል ክኽበር ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 1975 ተወሲኑ።
ኣብ 1908፡ ልዕሊ 15 ሽሕ ደቀንስትዮ፡ 'ውሑድ ሰዓታት ስራሕ፡ ዝሓሸ ክፍሊትን መሰል ምድማጽን' ዝጠልብ ሰልፊ ኣብ ኒውዮርክ ሰልፊ ኣካይደን።
ኣብ ዓመቱ ከኣ፡ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ኣሜሪካ፡ ቀዳማይ ሃገራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ኣዊጁ።
ሰዓቢት ስነሓሳብ ማርክስነትን ተጣባቒት መሰል ደቀንስትዮን ዝዀነት ክላራ ዘትኪን ዝተባህለት ጀርመናዊት፡ ሓንቲ ካብተን ነቲ ናይ ኣሜሪካ ጥራይ ዝነበረ ሃገራዊ በዓል ሰፊሕ ኣህጕራዊ ተቐባልነትን ክረክብ ዝተቓለሳ መራሕቲ እያ።
ዘትኪን፡ 100 ደቀንስትዮ ካብ 17 ሃገራት ዝተሳተፍኦ፡ ብ1910 ኣብ ኮፐንሃገን ዴንማርክ ኣብ ዝተኻየደ ጕባኤ ሰራሕተኛታት ደቀንስትዮ ተሳቲፋ።
እቲ ጕባኤ፡ ነቲ ብዘትኪን ዝቐረበ፡ 'ኣብ ዝስዕብ ዓመት ዝበዓል መዓልቲ ደቀንስትዮ፡ ኣብ ኦስትሪያ፡ ዴንማርክ፡ ጀርመንን ስዊዘርላንድን ከብዓል፡' ዝብል እማመ ምሉእ ብምሉእ ኣጽዲቕዎ።
እንተዀነ እዚ ብዘትኪን ዝቐረበ እማመ ኣህጕራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ፡ ዝተወሰነ መዓልቲ ዝረቝሐ ኣይነበረን።
ወግዓውነት ዝለበሰ፡ ድሕር'ቲ ኣብ ሩስያ ብ1917 ብደቀንስትዮ ዝተኻየደ 'ናዕቢ ግዜ-ኲናት' እዩ። ኣብቲ እዋን እተን ደቀንስትዮ፡ "ባንን ሰላምን" ዝብል ሕቶ እየን ኣልዒለን። ኣርባዕተ መዓልቲ ድሕሪ'ዚ ናዕቢ፡ 'ጻር' ሃጸያዊ መንግስቲ ሩስያ ስልጣኑ ክሓድግ ክግደድ እንከሎ፡ እቲ ሽዑ ዝተመስረተ ግዝያዊ መንግስቲ ድማ፡ 'መሰል ምድማጽ' ደቀንስትዮ ኣጽዲቝ።
እታ ደቀንስትዮ ሩስያ ናዕቢ ዘልዓላላ ዕለት፡ በቲ ሽዑ ኣብታ ሃገር ዝስርሓሉ ዝነበረ ጁልየሳዊ ዓውደ-ኣዋርሕ፡ ሰንበት 23 ለካቲት፣ ብጐርጐራውያን ዓውደ-ኣውርሕ ከኣ 8 መጋቢት እያ ዝነበረት። እዛ ዕለት እምበኣር፡ ኣብ ሩስያን ካልኦት ሓያለ ሃገራትን ከም ህዝባዊ በዓል ትጽንበል ኣላ።
ኣብ ኣፍሪቃ'ኸ?
ኣህጕራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ኣብ 7 ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ህዝባዊ በዓል ይኽበር። ካብዚኣተን ኣብ ኤርትራ፡ ነቲ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ፡ ኣብቲ ን30 ዓመታት ዝተኻየደ ቃልሲ ንናጻነት፡ ተጋደልቲ ኰይነን ዝበርከታኦን ብሓፈሻኡ ኣብ ምዕዋት'ቲ ሃገራዊ ቃልሲ ዝነበረን እጃም ክብሪ ንምሃብ፡ እዛ ዕለት ዓመታዊ ትበዓል።
8 መጋቢት ከም ህዝባዊ በዓል ዝጽንብላኦ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣንጐላ፡ ቡርኪናፋሶ፡ ጊኒ-ቢሳው፡ ሴራልዮን፡ ዩጋንዳን ዛምቢያን እየን።
![ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ [ህግሓኤ]፡ ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ፡ ብ 10 ሰነ 1978፡ ማዕረ ተቓለስቲ ብጾተን ኣፍልጦ ረኺበን](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/13415/production/_123496887_mediaitem123496886.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ማዳጋስካር ከኣ፡ እዛ ዕለት ንደቀንስትዮ ጥራይ እትምልከት ወግዓዊ በዓል እያ።
ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ነናይ ገዛእ ርእሰን መዓልቲ ደቀንስትዮ ኣለወን። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ነቲ ብ 9 ነሓሰ 1956፡ 20,000 ደቀንስትዮ ዘካየዳኦ ኣንጻር ዓሌታዊ ፖሊሲ ስርዓት ውሑዳን-ጸዓዱ ዝቐንዐ ሰልፊ ንምዝካር፡ 9 ነሓሰ ህዝባዊ በዓል እያ።
ሽዑ፡ "ጓል ኣስንተይቲ ምጥቃዕ ማለት ምስ ከውሒ ከም ምርጻም እዩ፡" እናዘመራ፡ ኣብ ፕሪቶርያ ብዝነበረ ቤተ-መንግስቲ'ቲ ስርዓት ክሓልፋ ክኢለን።
ብተወሳኺ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ 31 ሓምለ መዓልቲ ደቀንስትዮ ኣፍሪቃ ክትከውን ኣዊጁ።
ብመሰረት መግለጺ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ዕላማ 'ዛ መዓልቲ፣ "ፖለቲካዊ ናጽነት ኣፍሪቃ ኣብ ምጕንጻፍ፣ ከምኡ'ውን ማሕበራውን ቀጠባውን ደረጃ ደቀንስትዮ ኣፍሪቃ ክብ ኣብ ምባል፡ ንዝተገብረ ቃልሲ፣ ኣፍልጦ ምሃብን ምርግጋጽን፡" ብዝብል ደቀንስትዮ ንስለ'ቲ ዝገበራኦን ዝገብራኦ ዘለዋን ኣበርክቶ፡ እዛ መዓልቲ ዓመታዊ ክትዝከር ወሲኑ።
ሽሕ'ኳ ጾታዊ ማዕርነት ንምርግጋጽ ብዙሕ ዝተርፍ ነገር እንተሃለወ፡ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ከም ዘመልክቶ፡ ደቀንስትዮ ኣፍሪቃ ኣገደስቲ ዓወታት ይጐናጸፋ ኣለዋ። በዚ መሰረት፡ ኣብ ሩዋንዳ ዝበዝሐ ቍጽሪ፡ ማለት 61% ካብ ኣባላት ባይቶ ደቀንስትዮ እየን። ንሩዋንዳ ዝስዕባ ሃገራት ኲባን ቦሊቭያን 53%፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ 50% ተሳታፍነት ኣለወን።
ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ፡ ካብ ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝለዓለ ውክልና ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ባይቶ፡ ማለት 32% ዘለዎ ዞባ እዩ። ኣብ ታሕሳስ 2020 ዝተገብረ ገምጋም ከም ዘመልክቶ፡ ዓለማዊ ውክልና ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ባይቶ ብገምጋም 24.5% ነይሩ።
![ኣቦመንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል [ዶ/ር] ፡ ምክትሉ ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋን ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ህወሓት ወ/ሮ ፈትለ ወርቅ ገ/ሄርን](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/799f/live/0f041500-6b1f-11f1-8546-8f19e4fe30f4.jpg.webp)







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
