ኩሎም ወገናት ኲናት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ዝፍጽምዎ መጥቃዕቲ ደው ከብሉ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ

መቐለ ደብዳብ

ምንጪ ስእሊ, GHG

Published

ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባችሌት፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ብውሕዱ ድማ ኣብ ክልለ ዓፋር ብዘካየዶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ 304 ስቪላውያን እንትቕተሉ 373 ከም ዝቖሰሉን ኣፍሊጣ።

ብሰንኪ እዚ ሰፊሕ ንብረት ሰላማውያን ከም ዝዓነወ'ውን ሓቢራ።

ንሳ፡ ትማሊ ኣብ መበል 46 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቐረበቶ ጸብጻብ፡ ካብ ወርሒ 22 ሕዳር 2021 ክሳብ 28 ላካቲት 2022፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ድማ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕናን ኣብያተ ትምህርትን ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ሓቢራ።

ምስ ምስፋሕ ኲናት ትግራይ ተዛሚዱ፡ ኣብ ሰለስቲአን ክልላት ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዝርከብ'ውን ተዛሪባ።

ብዘይካ'ዚ፡ ሚሊሻ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሞም ክትብል ከሲሳ።

ኣብቲ መድረኽ ተረኺባ መልሲ ዝሃበት ወኪል መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ጸብጻብ እታ ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ''ቅኑዕ ኣብ ዘይኮነ ተረኽ ዝተሞርኮሰ ገምጋም'ዩ'' ክትብል ተቓዊማቶ።

ኢትዮጵያ ከቢድ ናይ ጸጥታ ጸገም ኣጋጢምዋ ከም ዘሎ ከም ዘይከሓድ ዝገለጸት እታ ወኪል እንተኾነ እቲ መግለጺ ንጻዕርታት መንግስቲ ኣብ ግምት ዘየእተወ እዩ ኢላ።

እቲ ንሳ እትመርሖ ኮሚሽን፡ ምስ ኮሚሽን ሰባኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ኣብ ትግራይ 'ገበናት ኲናት' ክኾኑ ዝኽእሉ ግፍዕታት ምፍጻሞም ዝገልጽ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ብመራሕቲ ክልል ትግራይ ተቐባልነት ኣይረኸበን።

ቤት ምኸሪ ሰብኣዊ መሰላት ብወገኑ ነቲ ኣብ ትግራይን ኣብ ካልኦት ኢትዮጵያን ተፈጺሙ ዝበሃል ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ደጊሙ ዘጻሪ ዓለምለኸ መርማሪ ጉባኤ ዝሰየመ ኮይኑ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ነዚ ተቓዊሞም ኣለዉ።

እቲ ጸብጻብ እንታይ ይብል?

ኣብ'ቲ ጸብጻብ፡ ኣብቶም ዝተጠቕሱ ኣዋርሕ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ከበድቲ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘመልክቱ እሙን ጸብጻባት ከም ዝተረኽበ ይገለጽ።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2021 ጥራይ፡ ኣብ ከተማ ኣላማጣ ኣብ ዕዳጋን ኣብ ሆቴልን ብዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ፡ 120 ሰባት ከም ዝተቐትሉ፣ ኣብ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2022 ኣብ መዓስክር ስደተኛታትን ማይ ዓይኒን ኣብ ጊዝያዊ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ደደቢት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር 60 ሰባት እንትቕተሉ 169 ድማ ቆሲሎም ይብል።

ካልኦት ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ብወገኖም፡ መጥቃዕቲታት ከም ዝፈጸሙ ኣብቲ ጸበጻብ ተኻቲቱ ይርከብ።

24 ጥሪ 2022 ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ዓፋር እረቢቲ፣ ዓብዓላ፣ በርሓለን መጋለን ኣብ ዝተባህሉ ከባብታት ሰላማውያን ሰባት ዝነብርሉ ከባብታት ብኸቢድ ብረት ኣጥቂዖም ክብል ይኸስስ።

ኣስታት 844 ሰባት ቆስሎም ከም ዝተሓከሙ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ፡ ዝሞቱ ሰባት ከም ዘለዉ እሙን መረዳእታ ከም ዝረኸበ'ኳ እንተገለጸ፡ ቁጽሪ መወትቲ ኣይጸርሐን።

"እቶም ቆሲሎም ዝተባህሉ ኩሎም ሰላማውያን ምንባሮም'ውን ከረጋግጽ ኣይከኣልኩን" ኢላ ሚሸል።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ 306 ደቂኣንስትዮ ብሓይልታት ትግራይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ዝብል ሓበሬታ ከም ዝበጽሖ'ውን ጠቒሳ። ካብተን ግዳያት፡ ዛጊድ ድጋፍ ዘይረኸባ ኣለዋ እውን ኢላ።

ሰራዊት መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ መጥቃዕቲ ምፍናዉ ስዒቡ፡ ኣብ ልዕሊ ብርክት ዝበሉ ማእከላት ጥዕናን ኣብያተ ትምህርትን ዕንወት ከም ዝበጽሐ፡ "ብዓይንና ሪእና እሙን ሓበሬታ ድማ ረኺብና" ኢላ።

እቲ ጸብጻብ፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን [36 ሆስፒታላት ሓዊሱ] ኣብ ልዕሊ ማእከላት ጥዕና መጥቃዕቲ ፈጺሞም ዝብል ካብ ሚኒስትር ጥዕና ዝወጽአ ሓበሬታ ድማ ጠቒሱ።

እቶም ዝተጸርሑ መጥቃዕቲታት፡ ዓለም ለኸ ሕግታት ዝጥሕሱ ምዃኖም እታ ኮሚሽነር ሓቢራ።

"መንግስቲ፣ ሓይልታት ትግራይን ካልኦት ኣካላትን ከምዚ ዓይነት ጥሕሰት ካብ ምፍጻም ክቑጠቡ ደጊም የተሓሳስብ" ኢላ።

ሰብኣዊ ሓገዝ ምሕላፍ ተኸልኪሉ

እታ ኮሚሽነር ኣብ ጸብጻባ: ካብ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ብሰንኪ ተጻብኦታትን ናይ ጸጥታ ጸገምን፡ ብዓፋር ኣቢሉ ናብ ትግራይ ረድኤት ከይሓልፍ ተዓጊቱ ከም ዘሎ ገሊጸ።

"[ኣብ ትግራይ] እናገደደ ይመጽእ ብዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣዝየ ሰንቢደ ኣለኹ"።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ፡ ውድብ ምግቢ ዓለም፡ ብዝሒ ንጥሜት ዝተቓልዑ ሰባት ኣዝዬ ወሲኹ ከምዘሎን፡ 4.6 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዝኾኑን ምግላጹ ይዝከር። እቲ ጸብጻብ፡ ኣርባዕተ ካብ ሓሙሽተ ሰባት ንጥሜት ተቓሊዖም ከምዘለዉ እዩ ዘመልክት።

ከምኡ'ውን፡ ፍርቂ ካብ መጥወበትን ነፍሰጹርን ኣዴታትን ሓደ ካብ ሸሞንተ ህጻናትን፡ ብጉድለት ምግቢ ማሲኖም ከምዝርከቡ ምጥቃሱ ዝዝከር እዩ።

ዋጋ ሃለኽቲ ምግቢ ኣዝዩ ሰማይ ይስቀል ከም ዝሎ ዝጠቐሰት ኮሚሽነር ሚሸል፡ ኩሎም ተጻባእታቲ ሓይልታት፡ ሰብኣዊ ረድኤት ካብ ምዕጋት ክቑጠቡ ኣተሓሳሲባ።

ቢሮ ማሕበራዊ ጉዳያት ትግራይ፡ ናብቲ ክልል ረድኤት ብህጹጽ ክኣቱ እንተዘይክኢሉ፡ ህይወት ፍርቂ ህዝቢ እቲ ክልል ንሓደጋ ከምዝተቓለዐ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ኣብ ዓፋር ካብ ሓይልታት ትግራይ ተፈኒዉ ብዝበለቶ መጥቃዕቲ ዝተልዓለ፡ ዝተመዛበሉ ልዕሊ 300 ሽሕ ሰባት ድማ ሰብኣዊ ረድኤት ክረኽበሉ ኣብ ዘይኽእሉ መዕቑቢ ማእኸላት ከም ዝርከቡ ሓቢራ።

ኣብቲ ጸብጻብ ዝቐረበሉ ዕለት ልዕሊ 15 ሽሕ ተራ ነበርቲ ተወለድቲ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ተኣዊጁ ዝነበረ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን፡ ከምዝተኣስሩ ምምዝጋቡ፡ ገሊኦም ይፍትሑ ምህላዎምን እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

ሚሸል ባቼለት እቶም ዛጊድ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ተወለድቲ ብስሩዕ መስርሕ ሕጊ ጉዳዮም ከምዝረአ ሚኒስተር ፍትሒ እታ ሃገር ኣረጋጊጹለይ ኢላ ኣላ።

line

ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ሕድሕድ፡ ልዕሊ 16 ኣዋርሕ ዘቑጸረ ኾይኑ፡ ሰፊሕ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ይርከብ።

ኩሎም ተጻባእቲ ሓይልታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሞም ክኾኑ ከም ዝኽእለሉ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገረት ይሕብሩ።

ናብ ኣዲስ ኣበባ እናተጸግዑ ዝነበሩ ሓይልታት ትግራይ፡ ካብ ክልላት ኣምሓረን ዓፋርን ምውጸኦም ስዒቡ ተስፋ ተገይሩ እነተነበረ'ኳ፡ ዛጊድ ሰላማዊ ፍታሕ ኣይተረኸበን።