እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስርዓተ ቀብሪ ናይቲ ኣብ ዒላ ተቐርቂሩ ዝሞተ ህጻን ርያን ተፈጺሙ
Published
ስርዓተ ቀብሪ ናይቲ ቆላሕታ ማሕበረሰብ ዓለም ስሒቡ ዝቐነየ ሞሮካዊ ህጻን ርያን ተፈጺሙ። ብዙሓት ሰባት ብኽንደይ መከራ ካብ ዒላ ምስወጽአ ብሕይወት ዘሎ መሲልዎም ዓሊሎም'ኳ እንተነበሩ ሞይቱ ከምዝተረኸበ ምስተነገረ ግን እቲ ታሕጓስ ናብ ሓዘን ተቐይሩ።