እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢንግሊዝ፡ ኣብ እዋን በረራ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሙ ዝተባህለ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ
Published
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ውሽጢ ነፋሪት ተዓሚጸ እየ ድሕሪ ብምባላ፡ ሓደ ተጉዓዚ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሂትሮው ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
እታ ውልቀሰብ፡ ብ31 ጥሪ 2022 ለይቲ ካብ ኒው ጀርሲ ኣብ ዝበረረት ነፋሪት ኣብ ውሽጢ ቢዝነስ ክፍሊ ሓደ ወዲ 40 ዓመት ውልቀሰብ ከም ዝተዓመጸት እያ ትዛረብ።
ኣካላት ጸጥታ እታ ነፋሪት ንጉሆ ሰዓት 12፡30 ምስ ዓረፈት ነቲ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ኣእትዮም።
ኣብቲ ጉዳይ መርመራ ይግበር ዘሎ ኮይኑ እቲ ውልቀሰብ ድማ ብዋሕስ ከም ዝወጽአ ተገሊጹ።
ፖሊስ ከተማ ለንደን እታ ውልቀሰብ ፍሉይ ክትትልን ሓገዝን ይግበረላ ከም ዘሎ ተዛሪቡ።
ኣብታ ነፋሪት ተፈጺሙ ብዛዕባ ዝተባህለ ጉዳይ ድማ መረዳእታ ከም ዘለዎም ወሃቢ ቃል ፖሊስ ተዛሪቡ።