ህቦብላ ማትሲራይ፡ ኣብ ማዳጋስካር ዓድታት ብውሑጅ ተወሲደን

Published

ብቐዳም ኣጋ-ምሸት ህቦብላ ባቲሲራይ ኣብ ማዳጋስካር ብዘስዓቦ ሓያል ንፋስን ዝናብን ልዕሊ 50 ሽሕ ሰባት ተመዛቢሎም፤ ኣስታት 10 ሰባት ድማ ሞይቶም።

እዚ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ዘጋጥም ዘሎ ህቦብላ ባቲሲራይ ኣብ ሰዓት 135 ኪሎ ሜትሮ ይጉዓዝ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ምብራቓዊ ገምገም ባሕሪ ምንሽርታት መሬት ብምስዓብ ነተን ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝርከባ ከባቢታት ብሓያል ማዕበል ሃሪሙወን።

ብሰንኪ እዚ እተን ዓድታት ሙሉእ ንሙሉእ ከም ዝዓነዋ ተገሊጹ።

ማዳጋስካር፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብትሮፖካዊ ማዕበል ኣና ክትጥቃዕ እንከላ 55 ሰባት ሞይቶም እዮም።

እቲ ካብ ርእሰ ከተማ ኣንታናናሪቮ 530 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ እትርከብ ከተማ ደቡብ ምቕራብ ማናንጃሪ ዘጥቅዐ ህቦብላ ባቲሲራይ ኣገልግሎት መብራህትን ማይን ክቋረጽ ክገብር እንከሎ፡ ሓደ ነባሪ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣብያተ ትምህርትን ቤተ ክርስቲያናትን መጽንሒ ተመዛበልቲ ክኾና ከም ዝተገብረ ተዛሪቡ።

ኣብ ካልኦት ቦታታት ኸኣ እቲ ዕንወት ሙሉእ ንሙሉእ ዝስዓበ ነይሩ።

"ዳርጋ ብቦንባ ዝዓነወ'ዩ ዝመስል፤ ከተማ ኖዚ ባሪካ ዳርጋ 95 ሚኢታዊት ዓንያ እያ። ዚንጎታት መንበሪ ኣባይቲ ብንፋስ ተንበቂሩ ተወሲዱ። እቶም ካብ ዕንጨይቲ ዝተሰርሑ ኣባይቲ ድማ መብዛሕትኦም ዓንዮም" ክብል ኣማኻሪ ምኽትል ፕሬዝደንት ሰኔት ማዳጋስካር ዊሊ ራሃሪጆና ንሮይተርስ ተዛሪቡ።

ሚኒስትሪ ከባቢ ማዳጋስካር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ድማ፡ ብዙሓት ዓድታት ዳርጋ ሙሉእ ንሙሉእ በቲ ማዕበል ከም ዝዓነዋ ሓቢሩ።

ከም ሓበሬታ ኤጀንሲ ምክልኻል ሓደጋ ኣስታት 48 ሽሕ ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቒሎም ኣለው።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም'ውን 150 ሽሕ ሰባት ካብ መንበሪ ቦትኦም ክወጽኡ ክግደዱ ከም ዝኽእሉ ኣፍሊጡ።

እዚ ህቦብላ፡ ካብቲ ማዕበል ኣና ንላዕሊ ኣዕናዊ ከይኸውን ሰብ ሞያ ይሰግኡ። እቲ ማዕበል ንሃገራት ሞዛምቢክ፣ ማላዊን ዙምባብወን ከም ዘጥቅዐን ይፍለጥ።

ተርእዮ እዞም ኣዕነውቲ ህቦብላታት ብሰንኪ ዓለማዊ ዋዕን ክሊማዊ ለውጥን ዝስዓበ ከም ዝኾነ ዝገልጽ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ኣብቲ ዞባ፡ ኣብ ሕርሻዊ እቶት ጉድኣት ከም ዘውረደን ዋጋ መግብታት ከም ዝወሰኸን ከምኡ'ውን ጸገም ውሕስነት መግቢ ከም ዘስዓበን ሓቢሩ።

"ህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ ንብዙሕ ዓመታት ብኸቢድ ክሊማዊ ለውጢ ተጠቓዒ ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ፤ እቶም በዚ ዝሓልፉ ማዕበላት ኸኣ ነቲ ዝመጽአ ለውጢ እናጎተቱ ንድሕሪት ኣትሪፎምዎ'ዮም" ክትብል ላዕለወይቲ ሓላፊት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ማርጋሬት ማሉ ተዛሪባ።

ሰብ ሞያ፡ ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ ዘስዕቦ ዘሎ ሕሉፍ ኩነታት ኣየር ከም ህቦብላ ዝበሉ ተርእዮታት ብተደጋጋሚ ክኽሰቱ ከም ዝኽእሉ የጠንቅቑ።

ማዳጋስካር ብሓያል ደርቂ ተጠቒዓ ምጽንሓ ይዝከር። ሚኒስትሪ ከባቢ እታ ሃገር ንቢቢሲ ከም ዝበሎ እታ ሃገር ኣብ ዋዕላ ኮፕ26 ጽልዋታት ክሊማዊ ለውጢ ንክትከላኸል ዓመታዊ ሓደ ቢሊዮን ዶላር ከም ዘድልያ ኣቕሪባ እያ ኢሉ።