ናይጀርያ፡ ሓይልታት ጸጥታ 13 ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ቀቲሎም - ጸብጻብ

ሓይልታት ጸጥታ ናይጄሪያ ብቕትለት ኣሽሓት ሰላማውያን ሰባት ተኸሲሶም

ምንጪ ስእሊ, AFP

Published

ሓይልታት ጸጥታ ናይጀርያ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ልዕሊ 13 ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተሉ ሓደ መጽናዕቲ ገሊጹ።

እዚ ኣብ ኣፍሪቃ ዴሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ምዕባይ ዝሰርሕ ማእከል ልምዓትን ዴሞክራስን ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል ዝተኻየደ መጽናዕቲ እዩ።

እቲ ማእከል ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ድማ ኣሽሓት ሰባት ግዳያት ስቅያት፣ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ቕትለትን ከም ዝኾኑ ብምግላጽ እዚ ብዘይምሕረት "ልሙድ" ይኸውን ኣሎ ኢሉ።

ሰብ መዚ ናይጄሪያ ክሳብ ሕጂ ነዚ ጸብጻብ ዝምልከት ዝሃቡዎ ርኢይቶ የለን።

እቶም መጽናዕቲ ዘካየዱ ሰባት ግን ንዝሓለፉ ክልተ ዓሰርታት ዓመታት ኣብ ብርክት ዝበሉ ከባቢታት እታ ሃገር ሰብኣዊ መሰላት፣ ናጽነት ፕረስን ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ምሕደራን ኣመልኪቱ መጽናዕቲ ገይሮም።

ኣብቲ ጸብጻብ ድማ ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ተገንጸልቲ ሓይልታትን "ኣሸበተርትን" ከምኡ'ውን ሰላማውያን ሰልፍታት ተቓውሞምን ንምቅላስ "ልዕሊ ዓቐን ሓይሊ" ይጥቀሙ'ዮም ይብል።

ብተወሳኺ ሰብ መዚ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት #EndSARS ብዝብል ጎስጓስ ዝተኻየደ ተቓውሞ ዝነበረ ጭካነ ፖሊስ ዳህሲሱ ኣሎ።

ናይጄሪያውያን፡ እቲ ሳርስ ብዝብል ዝፍለጥን ስርቂ ከወግድ ዝተጣየሰን ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ክውገድ ይጠልቡ። #EndSARS ዝብል 'ሃሽታግ' ድማ ቅድሚ ክልተ ዓመት እዩ ጀሚሩ።

Short presentational grey line

ሕቶ ተቓወምቲ ሳርስ እንታይ'ዩ?

'#EndSARS' ወይ ድማ ሳርስ የብቅዕ፡ ዝብል ጎስጓስ ነዞም ዝስዕቡ ሓሙሽቶ ሕቶታት የልዕል

  • እሱራት ተቓወምቲ ይፈትሑ
  • ብፖሊስ ዝተቐትሉ ፍትሒ ይርከቡ፤ ስድራ ግዳያት'ውን ካሕሳ ይከፈሎም
  • ብዘይሻራዊ ኣካል ምጽራይ ተገይሩ ገበነኛታት ስጉምቲ ይወሰድ
  • ካብ ሳርስ ወጺኦም ናብ ካልእ ናይ ፖሊስ ኣካል ዝተዘዋወሩ ኣካላት፡ ብዘይሻራዊ ኣካል ምዘና ተገይሩሎም ሓድሽ ስልጠና ይውሃቦም
  • ፖሊስ ህይወትን ንብረትን ዜጋታት ክሕሎ ስለ ዝገበሩ ደሞዝ ይወሰኸሎም ዝብሉ ይርከቡዎ።
Short presentational grey line

እቲ ማእከል ስርጸት ዴሞክራሲ እዞም ክስተታት ኣብ ሞንጎ ዜጋታት እታ ሃገር ፍርሒ ክዓስል ገይሮም እዩ ኢሉ።

ስለ ዝኾነ ድማ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ዙርያ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ስልጠና ክወሃቦምን ግህሰት ዝፈጸሙ ተሓተትቲ ክኾኑን ክጽውዕ እንከሎ ዜጋታት ሙሉእ ንሙሉእ ኣብ ምሕደራን ልምዓትን ተሳተፍቲ ክኾኑን ኣለዎም ክብል ተላብዩ።