ስነ-ጥበብ፡ ቤልጂየም ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተወሰዱ ባህላዊ ደርፍታት ርዋንዳ ኣረኪባ

ካብ 1954 ጀሚሩ ዝተቐድሑ ልዕሊ 4,000 ደርፍታትን ሙዚቃን ይርከብዎ

ምንጪ ስእሊ, RCHA

Published

ኣብ ርዋንዳ ኣምባሳደር ቤልጂየም፡ ሃገሩ ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝወሰደቶም ባህላዊ ሙዚቃታት፣ ደርፍታትን ዛንታታትን ብወግዒ ንመንግስቲ እታ ሃገር ኣረኪቡ።

እቶም በቲ እዋን ዝተቐድሑ ስራሕቲ ስነ-ጥበብ ብዲጂታላዊ ቅዳሕ ንርዋንዳ ከምዝተወሃብዋ ድማ ተፈሊጡ።

ካብ 1954 ጀሚሩ ዝተቐድሑ ልዕሊ 4,000 ደርፍታትን ሙዚቃን ዝርከብዎ ኮይኑ፤ መብዛሕቲኦም ኣብ ቤልጂየም ብራስለስ ቤተ-መዘክር 'ሮያል ሰንትራል ኣፍሪቃ' ተዓቂቦም ዝጸንሑ'ዮም።

"እዚ ቀዳማይ ስጉሚ እዩ፤ ካብ ቤልጂየም ሓድግታትና (ውርሻታትና) ዝኾነ ብዙሕ ንብረትን ነገራትን ኢና ንጽበይ" ክብል ሓደ በዓል ስልጣን ኣካዳሚ ባህላዊ ውርሻታት ቤልጂየም ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ሓይልታት ቤልጂየም ነታ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃዊ ግዝኣታት ጀርመን ዝነበሩ ከባቢታት ሓንቲ ንዝኾነት ርዋንዳ ኣብ እዋን ቀዳማይ ኲናት ዓለም ከምዝተቐጻጸረታ ይግለጽ።

እቶም ሎሚ ተመሊሶም ዘለዉ ደርፍታት፣ ሙዚቃታትን ዛንታታትን ህዝቢ ክሪኦም ኣብ ዝኽእል ቤተ-መዘክር እታ ሃገር ክቕመጡ ምዃኖም ተሓቢሩ'ሎ።

"ርዋንዳውያን መናእሰይ በዞም ተመሊሶም ዘለዉ ባህላዊ ሙዚቃን ስነ-ጥበብን ክመሃሩ ከምኡ'ውን ክነቓቕሑ እዮም" ክብል እቲ በዓል ስልጣን ኣረዲኡ።