ርዋንዳዊ ፖለቲከኛ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብጥይት ተቐቲሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
Published
ሓደ ኣባል ተቓዋሚ ውድብ ርዋንዳ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተሰዲዱ ክነብር ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ስራሕ እንከሎ ብጥይት ከምዝተቐተለ ተገሊጹ።
እቲ ሰይፍ ባምፖሪኪ ዝተብሃለ ርዋንዳዊ ብሰንበት ናብ ሓደ ዓሚሉ ንብረት እናኣብጸሐ እንከሎ ኣብ ኬፕ ታውን ከምዝተቐተለ ጸብጻባት ሓቢሮም።
እቲ ቅትለት ፖለቲካዊ ድፍኢት ይሃልዎ ኣይሃልዎ ግን ዝተፈለጠ ነገር የለን።
እቶም ነቲ ቅትለት ዝፈጸሙ ሰባት ሞባይላትን ማሕፉዳን ናይ ሰይፍ ባምፓሪኪ ሒዘሞ ከምዝኸዱ'ውን ተፈሊጡ ኣሎ።
ምስቲ ቅትለት ብዝተሓሓዝ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ሰብ'ውን ክሳብ ሕጂ የለን።
ሰይፍ ባምፖሪኪ፡ ኣወሃሃዲ ሰልፊ ሃገራዊ ባይቶ ርዋንዳ ዝነብረ እዩ።
ውሃቢ ቃል ሰልፊ ሃገራዊ ባይቶ ርዋንዳ፡ ኢተነ ሙታበ ኣዚ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሰይፍ ባምፖሪኪ ኣብ ኬፕታውን ዓራውቲ ዝሽጠሉ ድኳን ከምዝነበሮን ሓደ ሰብ ዓራት ከምዝደለየን ናብ ገዝኡ ከምጽኣሉ ብተሌፎን ከምዝሓተቶን ገሊጹ።
ሰይፍ ባምፖሪኪ ነቲ ዓራት ከብጽሕ ምስቲ ዓሚሉ ኣብ ኬፕታውን እንያንጋ ናብ ዝብሃል ቦታ ምስ ኸደ ሓደ ሰብ ብፍኒስትራ ናይታ መኪና ሓንቲ ጥይት ተኲሱ ከምዝቐተሎ እቲ ውሃቢ ቃል ንቢቢሲ ኣብሪሁ።
ኣብ ኬፕ ታውን እቲ ንያንጋ ዝብሃል ገዛውቲ ኣዝዩ ሓደገኛን ገበናት ዝፍጸመሉ ቦታ ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
