እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኒጀር፡ እስላማውያን ዕጡቓት ህጻናት የጥቅዑ ምህላዎም ኣምነስት ኢንተርናሽናል ገሊጹ
ኣብ ምዕራብ ኒጀር ብእስላማዊ ዕጡቃት ዝፍጸም መጥቃዕትታት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናዛየደ ይኽይድ ከምዘሎን ህጻናት ዒላማ ናይቶም ዕጡቓት ይኾኑ ምህላዎምን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ገሊጹ።
እቲ ጸብጻብ ኣብቲ ምስ ማሊን ቡርኪናፋሶን ዝዳወብ ታላባሪ ዝባሃል ዞባ ናይ ኒጀር እቲ በቶም እስላማውያን ዕጡቃት ዝፍጸም መጥቃዕትን ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝፍጸም ዘሎ ቅትለትን ዝበኣሰ ከምዝኾነ የርኢ።
ኣብቲ ዞባ ካብ 1 ጥሪ ክሳብ 29 ሓምላ ናይ 2021 ጥራይ ልዕሊ 500 ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐተሉን እቲ ቁጽሪ ነታ ኣብ መላእ 2020 ዝተመዝገበ ሞት 379 ሰለማውያን ሰባት ከምዝዛየዶ ኣብቲ ጸብጻብ ተሓቢሩ።
እቲ ጸብጻብ ብምስዓብ ካብቶም ብዕጡቓት ዝተቐተሉ እቶም ልዕሊ 60 ህጻናት ምዃኖም ይጠቅስ።
ብመሰረት ካብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ሓደ ምስ ኣልቃዒዳ ጥቡቕ ርክብ ዘለዎ ጀይኤንኣይኤም [JNIM] ዝተብሃለ እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ፡ ህጻናት ገፊፉ ወተሃደራቱ ይገብሮም ከምዘሎ ተፈሊጡ።
እቲ ጉጅለ ዕድሚኦም ካብ 15 ክሳብ 17 ዝኾኑ ህጻናት ብመግቢ፤ ሰልድን ክዳንን ኣስዲዑ ናብ መሳርዑ ይጽንብሮም ከምዘሎ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ይጠቅስ።
ኣብ ዞባ ታላበሪ ብሰንኪ ስግኣት ጸጥታ ኣማኢት ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽየን ኣለዋ።
እቲ ጸብብጻብ ብምስዓብ ኣካላት ጸጥታ ኒጀር፡ ድሕነትን ሰላምን እቲ ከባቢ ከውሕሱ ከምዘይክኣሉን ንሶም'ውን ተወሳኺ ግህሰታት ይፍጽሙ ከምዘለዉን ከሲሱ።