እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ትካላት ስለያ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ መበቆል ኮቪድ-19 ውግዓዊመ ጸብጻብ ኣውጺአን
ኤጀንሲታት ስለያ ኣሜሪካ ኮሮናቫይረስ ካብ ቤተ ፈተነ ቻይና ድዩ ልሒኹ ወይስ ብተፈጥሮ እዩ ተኸሲቱ ብዝብል ኣብ ክልተ ተገሚዖም።
እንተኾነ ን18 ኤጀንስታት ስለያ ዝቆጻጸር ትካል፡ ኮሮናቫይረስ ባይሎጂካዊ መሳርሒ ኵናት ከምዘይኾነ ኣብ ዝብል ቅዋም በጺሑ።
ሰብሞያ፡ መበቆል ኮሮናቫይረስ ንምፋላጥ ዝግበር ጻዕርን መረዳእታታት ንምእካብን ግዘ ይኸይድ ከምዘሎ የጠንቅቁ ኣለዉ።
ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ቻይና፡ ጸበጻብ ሲኣይኤ ቅድሚ ምውጽኡ፡ "ፀረ ሳይንስ" ብምባል ነጺግዎ።
እዚ ካብ ቤት ጽሕፈት እቲ ዳይሬክተር ዝወጽአ ጸብጻብ ማሕበረሰብ እተን ኤጀንስታት ስለያ፡ ሕዚ'ውን ኣብዚ ጉዳይ ዝተፈላላየ ቅዋም ከምዝሓዙ ገሊጹ።
''ኩሎም ኤጀንስታት በቲ ቫይረስ ምስ ዝተለኸፈ እንስሳ ብዝተገበረ ተፈጥርኣዊ ምትንኻፍ ወይ ድማ ካብ ቤተ ፈተነ ልሒኹ ወጽዩ ኣብ ዝብሉ ግምታት ይሰማምዑ'' ይብል እቲ ጸብጻብ።
ኣብቲ ጸብጻብ ስሞም ዘይተገልጸ ትካላት ስለያ፡ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝሽከም እንስሳ ወይ ድማ ምስ ኮሮናቫይረስ ቅርበት ካብ ዘለዎ ካልእ ቫይረስ ካብ ዘለዎ እንስሳ ብዝተፈጠረ ምትንኻፍ፡ ናብ ሰባት ተመሓላሊፉ ይኸውን ኢሎም ይኣምኑ። እንተኾነ ኣብዚ ድምዳመ ትሑት እምነት ከምዘለዎም ተገሊጹ።
ሓደ ትካል ስለላ፡ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ኮሮናቫይረስ ብፍላይ ድማ ኣብ ከስዐ መንካዕ ዝጸንሐ ኣብ ውሽጢ ትካል ምርምር ቫይረስ ዉሃን ናይ ሰባት ፈላማይ ምትንኻፍ ተፈጢሩ'ዩ ዝብል እምነት ከምዘሕደረ ተሓቢሩ።
እቲ ጸብጻብ ዕላዊ ምዃኑ ስዒቡ መግለጺ ዝሃበ ፕረዝደንት ጆ ባይደን፡ ቻይና ንምርመራ ትተሓባበር የላን ብምባል ነቂፉ።
''ኣብ ጉዳይ ኣመጻጽኣ እዚ ቫይረስ ወሰንቲ ዝበሃሉ ሓበሬታት ኣብ ቻይና ይርከቡ። ኣብ ቻይና ዘለዉ ሰብመዚ ዓለምለኸ መርመርቲ ከምኡ'ውን ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ጥዕና ሕብረተሰብ ነቲ ክስተት ንምድህሳስ ዝገብሮ ጻዕሪ ክተርፍ ጻዕሪ ይገብሩ ኔሮም'' ክብል ወቂሱ።
ባይደን፡ ''ኣብዚ ጉዳይ መላእ ህዝቢ ዓለም መልሲ ክረክብ ይግባእ፡ ስለዝኾነ ድማ እዚ መልሲ ክሳብ ንረክብ፡ ኣነ'ውን ኣይዓርፍን'' ኢሉ።
እቲ ከም ኣቆጻጽራ ኣውሮጳውያን 2019 ኣብ ቻይናዊት ከተማ ዉሃን ዝጀመረ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ መላእ ዓለም ህይወት ኣስታት 4.5 ሚልየን ሰባት ቀዚፉ ኣሎ።
ኣብ ዉሃን ምብጻሕ ዘካየደ ውድብን ጥዕና ዓለም፡ ኣብ መፈለምታ እዚ ዓመት፡ እዚ ሕማም ኣብ ዕዳጋ ካብ ዝተሸጠ ስጋ እንስሳ እዩ ተበጊሱ ኣብ ዝብል ድምዳመ'ዩ በጺሑ። ገለ ተመራመረቲ ግና ነዚ ድምዳመ ነጺገሞ እዮም።
ኣብቲ ወርሒ ግንቦት ፕረዝደንት ባይደን ኤጀንስታት ስለያ እታ ሃገር ነዚ ሓበሬታ ክግምግሙን ኣብ ኣመጻጽኣ እቲ ቫይረስ ''ትኽክለኛ መደምደምታ ከቅርብ'' ዝኽእል ጸብጻብ ከዳልዉ ምእዛዙ ይዝከር።