ምስ ፈረንሳ ዝተኣሳሰር ጸብጻብ ጃማላዊ ጨፍጫፍ ሩዋንዳ ወግዓዊ ክኸውን'ዩ

ብ1994፡ ወተሃደራት ፈረንሳ ብጎኒ ሚሊሻታት ሑቲ እናሓለፉ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ብ1994፡ ወተሃደራት ፈረንሳ ብጎኒ ሚሊሻታት ሑቲ እናሓለፉ
Published

ፕሬዝደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ሎሚ መዓልቲ ፈረንሳ ኣብ ሩዋንዳ ብዛዕባ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ጨፍጫፍ ዝነበራ ምትእስሳር ከጽንዑ ሓላፍነት ተዋሂቡዎም ካብ ዝጸንሑ ተመራመርቲ ታሪኽ ዝቐርበሉ ጸብጻብ ክቕበል'ዩ።

ሩዋንዳ ብምኽንያት እቲ ጨፍጫፍ ንፈረንሳ ክትኸሳ ብምጽንሓ ጸብጻብ እዞም ሰብ ሞያ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝጸንሐ ምትፍናን ከህድኦ ትጽቢት ተገይሩሉ ኣሎ።

ፈረንሳ፡ ምስቲ ኣብ ሩዋንዳ ዝተፈጸመ ጨፍጫፍ ዝተሓሓዙ ኦፊሳላዊ ሰነዳት ብሚስጢር ሒዛቶም ዝጸንሐት ኮይና፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ፕሬዝደንት ማክሮን 15 ኣባላት ዝሓዘ ኮሚሽን ብምጥያስ ነቶም ፕሬዝደንታዊ፣ ዲፕሎማሲያዊ፣ ወተሃደራውን ናይ ስለያን ሰነዳት ክምርምሩ ኣፍቂዱሎም።

ከም ጸብጻብ ኤኤፍፒ ድማ ሎሚ መዓልቲ ጸብጻብ እቲ ኮሚሽን ናብቲ ፕሬዝደንት ቀሪቡ ወግዓዊ ክኸውን እዩ።

ኣብቲ ግዜ ፕሬዝደንት ዝነበረ ፍራንኮይስ ሚተራንድ ሓደ ኮይኑ፡ ናይ ቀረባ መሓዛ ዓሌት ሑቱ ዝኾነ ፕሬዘደንት ጁቬናል ሃብያሪማና ኣብቲ መዛግብቲ ካብ ሞንጎ ዘለው ውልቀሰባት ሓደ'ዩ።

ድምዳመ እቲ ኮሚሽን ምጽራይ ካብ ዝንቡዕ ድምዳመ ናጻ ንክኸውን ኣባላቱ ዜጋታት ሩዋንዳ ዘይኾኑ ክኾኑ ከም ዝተገብረ ኤኤፍፒ ይሕብር።

በዚ መሰረት ኣብ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ጨፍጫፍ ኣርመኒያን ኣብ ጀርመን ዝተፈጸመ ጨፍጫፍ ኣይሁድን ዘጽንዑ ክኢላታት ዓለምለኸ ሕጊ ገበን ኮይኖም ብተመራማሪ ታሪኽ ቪንሰንት ዱክለርት ዝምርሑ'ዮም።

ብ2015 ፕሬዝደንት ፈረንሳ ነበር ፍራንኮይስ ሆላንዴ ነቶም ሰነዳት ወግዓዊ ክገብሮም'የ ኢሉ'ኳ እንተነበረ ሕገ መንግስታዊ ቤት ምኽሪ ፈረንሳ ግን ብሚስጥር ክተሓዙ ኣለዎም ዝብል ኣድሚጹ።

ካብ ወርሒ ሚያዚያ ክሳብ ሰነ 1994 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ሕሉፋት ዓሌት ሁቱ ኣብ ልዕሊ ዓሌት ቱትሲን ሁቱን ጨፍጫፍ ፈጺሞም'ዮም።

ኣብቲ እዋን 800 ሽሕ ሰባት ክሃልቁ እንከለው፡ ካብ ዓሌት ሁቱ ዝምዘዝ መራሒ ኣብ ስልጣን ነይሩ።

ጃምላዊ ጨፍጫፍ ሩዋንዳ ብ6 ሚያዚያ 1994 ዓ.ም ነቲ ፕሬዝደንትን ብሩንዳዊ መዘንኡ ሲፕሪን ንታርያሚራን (ንሱ'ውን ዓሌት ሑቱ'ዩ) ዝሓዘት ነፋሪት ብምህራም እዩ ጀሚሩ።

ብ22 ሰነ 1994፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ደቡብ ምዕራብ ሩዋንዳ ሓይልታት ፈረንሳ ክዋፈሩ ፍቓድ ከም ዝሃበ ይፍለጥ።