ኮቪድ-19፡ ደቡብ ሱዳን ፈላሚ ክታበት ኮሮናቫይረስ ተቐቢላ

ክታበት ኮሮናቫይረስ

ምንጪ ስእሊ, WHO SOUTH SUDAN/TWITTER

Published

ደቡብ ሱዳን ፈላሚ ብዓለምለኻዊ ፕሮግራም ምምርቓሕ ክታበት ኮቫክስ ዝበጽሕ ክታበት ኮሮናቫይረስ ሎሚ መዓልቲ ተቐቢላ።

ኮቫክስ ነቲ ኣብ መንጎ ሃብታማት ሃገራትን ነቲ ክታበት ንምዕዳግ ዓቕሚ ዘይብለን ሃገራትን ንዘሎ ፍልልይ ንምጽባብ ዝተጣየሰ ፕሮግራም እዩ።

እቲ ፕሮግራም ክሳዕ መወዳእታ ዓመተ 2021፡ ክልተ ቢልዮን ክታበታት ኮሮናቫይረስ ከቕርብ ወጢኑ ኣሎ።

በዚ መሰረት ደቡብ ሱዳን 132 ሽሕ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ዘፍረዮ ክታበት ኣስትራዘኒካ ክትቕበል እንከላ፡ ክሳብ ወርሒ ሰነ ኣብ ዘሎ ግዜ ድማ 732 ሽሕ ክታበት ክትርከብ ትጽቢት ይግበር።

በዚ መሰረት 20 ሚኢታዊት ህዝባ ክትኸትብ መደብ ሒዛ ኣላ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ደቡብ ሱዳንን ትካል ጥዕና ዓለምን ሰራሕተኛታት ጥዕና ቀዳምነት ከም ዝወሃቦም ኣፍሊጦም።

ብተወሳኺ ነዚ ሕማም ተቓላዕቲ'ዮም ካብ ዝብሃሉ ደቂ 65 ዓመትን ልዕሊኡን ዝኾኑ ውልቀሰባት ክታበት ክረኽቡ'ዯም።

"ከም ሓንቲ ደቡብ ሱዳናዊት ሎሚ መዓልቲ ሕጉስቲ ኮይነ'የ፤ ንዜጋታትና ዝኸውን ክታበት ብምርካብና ድማ ፈጣሪ ይመስገን" ኢላ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤልሳቤጥ ኣቺ።

ወሲኻ፡ "እዚ ክታበት ውሑስ ምዃኑ የረጋግጸልኩም። ስለዝኾነ ድማ እዚ ክታበት ክትወስዱ ከለኹም ድሕነትኩም ንክሕሎ ህድእ በሉ" ብምባል ዜጋታት እቲ ክታበት ንምውሳድ ስግኣት ክሓድሮም ከም ዘይብሉኣ ገንዚባ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ 9969 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለው፡ 107 ሰባት ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ከም ዝሞቱ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ጥዐዕና እታ ሃገር የመልክት።

ጋና ኣብ ኣፍሪቃ ፈላመይቲ ክታበት ኮሮናቫይረስ ዝተቐበለት ሃገር ምዃና ይፍለጥ።

ኮሮና