ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ምወላ ዶባዊ መንደቕ ትራምፕ ሰሪዙ

ካፕሺን፡ ኣብ ኣሪዞና ፡ መንደቕ ዶብ ክህነጽ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ፡ ነቲ ዶናልድ ትራምፕ ዝሃንጾ ዝነበረ፡ ንኣመሪካ ዝኣትዉ "ዘይሕጋውያን" ዝብሎም ስደተኛታት ዝገትእ ዶባዊ መንደቕ ዝኽፈል ዝነበረ ገንዘብ ብህጹጽ ሃገራዊ ትእዛዝ ደው ኣቢሉዎ።

ፕረዚደንት ባይደን ብሓሙስ ናብ ኮንግረስ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ ድሕሪ ደጊም ኣብቲ ዶባዊ መንደቕ ዝባኽን ተወሳኺ ገንዘብ ህዝቢ ኣይክህሉን እዩ ኢሉ።

ኣብ 2019፡ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብዝነበሮ ፕረዚደንታዊ ስልጣን ንኮንግረስ ሰጊሩ፡ ወተሃደራዊ ባጀት እታ ሃገር ተጠቒሙ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ኣመሪካ ኣብ ዘሎ ዶብ መንደቕ ክሃንጽ ጸኒሑ እዩ።

ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ካልኣይ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ብጆ ባይደን ተሳዒሩ ካብ ዋይት ሃውስ ክወጽእ እንከሎ ድሮ ናብቲ ፕሮጀክት ዶባዊ መንደቕ 25 ቢልዮን ዶላር (18 ቢልዮን ፓውንድ) ወጻኢታት ገይሩ።

እቲ ናይ ፕረዚደንት ባይደን ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝወጽአ ተኸታታሊ ናይ ፈጻሚ ስራሕ ትእዛዝ ንኣጀንዳታት ፕረዚደንት ትራምፕ ንድሕሪት ዝመልስ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሚስተር ባይደን፡ ነቶም ብፖሊሲታት ዘበነ ትራምፕ ምስ ስድራ ቤቶም ተፈላልዮም ዝጸንሑ ስደተኛታት ዳግም ክራኸቡ ብምእዛዝ፡ እቲ ፖሊሲ ዳግማይ ክፍሊ ኢሚግሬሽን ዳግማይ ክምርምሮ ኣዚዙ።

ዶናልድ ትራምፕ ነቲ 2016 ኣብ እዋን ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንዝኣተዎ መብጽዓ ንምሕላው እዩ ዶባዊ መንደቕ ክሃንጽ ጀሚሩ።

እንተዀነ ግን: እቲ ፕሮጀክት ኣብቲ ደሞክራትስ ዝቈጻጸሩዎ ታሕተዋይ ባይቶ ሓያል ተቓውሞ ስለዘጋጠሞ፡ እቲ ሪፓብሊካዊ ፕረዚደንት ብዘለዎ ስልጣን ነቲ ባይቶ ሰጊሩ ብሃገራዊ ህጹጽ ወተሃደራዊ ባጀት ነቲ መንደቕ ክሃንጾ ጸኒሑ።

"ኣዋጅ ህጹጽ እዋን" ንፕረሲደንትታት ኣመሪካ፡ ነቲ ልሙድ ፖለቲካዊ መስርሕ ሰጊሮም ንሃገራዊ ወተሃደራዊ ባጀት ተጠቒሞም ዝሓሰቡዎ ነገር ከተግብሩ ዕድል ይህቦም።

ቅድሚ 2017 ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምጽኡ ልዕሊ 1000 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ እተፈላለዩ ዓይነት ሓጹር ተተኺሎም ነይሮም። ናብ ዋይት ሃውስ ምስ ኣተወ ከኣ ኣስታት 80 ማይል ሓዲሽ ሓጹር ክትከል እንከሎ ኣስታት 400 ማይል ዝኸውን ዝጸንሐ ሓጹር ከኣ ከም ብሓድሽ ተዓራርዩ።

ካፕሺን፦ ጆ ባይደን ዶናልድ ትራምፕ ክገብሮ ዝጸንሐ ሓያሎ ነገራት ሰሪዙዎ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣሪዞናዊ ኣባል ዲሞክራቲክ ኮንግረስማን ራውል ግሪጃልቫ ነቲ ፕረዚደንት ባይደን ዝሃቦ መግለጺ ብምድጋፍ "ናይ ትራምፕ ሃገራዊ ህጹጽ እዋን፡ ፈጺሙ ብዛዕባ ጸጥታ ዝግደስ ኣይነበረን" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። "ሕጂ ኸኣ፡ ዝኾነ ካልእ መንደቕ ከይስረት ነቲ ውዕል ክንስርዞ ኣሎና" ኢሉ።

ናይ ትራምፕ ናይ ቅድም ኣማኻሪ ጎስጓስ ነበር ጃሶን ሚለር በንጻሩ፡"ባይደን ዘይሕጋዊ ስደት ይፈቱ እዩ" ክብል ኣብ ትዊተር መሊሱ።

ኰይኑ ግን፡ ገለ ክፋል እቲ ምምሕዳር ትራምፕ ዝኽተሎ ፖሊሲ ኢሚግሬሽን ከምዘለዎ ክጸንሕ እዩ።

ጸሓፊት ዋይት ሃውስ ጀን ሳኪ ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እዚ ሓድሽ ምምሕዳር ሰበ-ስልጣን ሓለዋ ዶባት (ኢሚግሬሽን)፡ ንፖሊሲ ዘበነ ትራምፕ ብምኽታል ነቶም ሰነዳት ዘይብሎም ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብዚ እዋን ለበዳ እውን እንተኾነ ናብ ዓዶም ከምዝመልሶም ኣረጋጊጻ።

" ከም ምምሕዳር፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ ሰነዳት ናይቶም ናብ ዶባትና ዝመጽኡ ሰባት ከነጻርን ክንመምን እኹል ግዜ ኣይነበረናን" ኢላ። ሕጂ ግን መብዛሕትኦም እውን ክምለሱ እዮም " ኢላ።